ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣኼባታት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ብዛዕባ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ መአከቢ ቦታ ድለ።

ዚቐርበካ ቦታ ድለ (opens new window)

ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትና እንታይ እዩ ዚግበር፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ንኣምልኾ ይእከቡ እዮም። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብዚ ንህዝቢ ኽፉት ዝዀነ ኣኼባታት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህርን ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ህይወትና ኸነተግብሮ ኸም እንኽእልን ንምሃር ኢና።

መደባትና ኣብ ክፍሊ ምስ ዚግበር ምይይጥ ዚመሳሰል ተሳትፎ ሰማዕቲ እውን ዜጠቓልል እዩ። ተሳትፎ ብወለንታ እዩ ዚግበር። ኣኼባታትና ዚኽፈትን ዚዕጾን ብመዝሙርን ብጸሎትን እዩ።

ኣብ ኣኼባታትና ኽትካፈል እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ኵሉ ሰብ ምሳና ኺእከብ ኢና እንዕድም። መእተዊ ብናጻ እዩ፣ እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ።