ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

ምዕራፍ 26

ንስምዒታተይ ብኸመይ ክቈጻጸሮ እኽእል፧

እንታይ ይመስለካ—ሓዊ ጠቓሚ ድዩ ጐዳኢ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኸከም ኵነታቱ ኸም ዚቀያየር ትኣምን ትኸውን። ኣብ ቈራሪ ምሸት ኣብ መጋርያ እተኣጕደ ሓዊ ሙቐት ኪህብ ይኽእል እዩ። እዚ ጠቓሚ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ሓዊ፡ ብቕልጡፍ ናብ ካልእ ቦታታት ልሒሙ ንምልእቲ ገዛ ኺህሙኻ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ጐዳኢ እዩ።

ስምዒታትካ እውን ከምኡ እዩ። ብግቡእ ክትቈጻጸሮ ኸለኻ፡ ጽቡቕ ዕርክነት ከተማዕብል ስለ ዜኽእለካ፡ ጠቓሚ እዩ። ቀይዲ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግን፡ ንዓኻን ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉን ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ሓድሓደ ግዜ ብቝጥዓ ወይ ብጓሂ ትወሓጥ ትኸውን። ነዚ ስምዒታት እዚ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

ቍጥዓኻ ምቍጽጻር

ክትግፋዕ ከለኻ፡ ነቲ መጕዳእትኻ ወይ ስቓይካ ዜምጽኦ ስምዒት ምቍጽጻር ቀሊል ኣይኰነን። ገሊኦም ከምኡ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ርእሶም ኪቈጻጸሩ ኣይክእሉን እዮም። ወረግ መጽሓፍ ቅዱስሲ ብዛዕባ “ዀራዪ” ኸምኡውን “ቍጡዕ” ሰብ ይዛረብ እዩ። (ምሳሌ 22:24፣ 29:22) እዚ ቘሎ ጥጥቖ ኣይኰነን። ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ፡ ደሓር ዜጣዕሰካ ተግባር ከም እትገብር እዩ ዚገብረካ። ስለዚ፡ ክትግፋዕ ከለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንስምዒታትካ ኽትቈጻጸሮ እትኽእል፧

ቀዳማይ፡ ነቲ ዅነታት ብልክዕ ገምግሞ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ልብኻ ኸተደቅሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ኸኣ ርአ። * (መዝሙር 4:4) ‘ክፉእ ምፍዳይ’ ነቲ ዅነታት መሊሱ ኸም ዜጋድዶ ኣይትረስዕ። (1 ተሰሎንቄ 5:15) ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብዕምቈት ድሕሪ ምሕሳብካን ድሕሪ ምጽላይካን፡ ቅሬታኻ ዕሽሽ ክትብሎ ትኽእል ትኸውን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ውሽጥኻ ቒም ኣይትሕዝን።—መዝሙር 37:8

ኰይኑ ግን፡ ነቲ ስምዒትካ ኸተደቅሶ እንተ ዘይክኢልካኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” ይብል። (መክብብ 3:7) ነቲ ዝጐድኣካ ሰብ ቀሪብካ ኸተዘራርቦ ትኽእልዶ፧ ከምኡ ምግባር ዘየዋጽእ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ስምዒትካ ንወለድኻ ወይ ንሓደ ብሱል ፈታዊኻ ምዝርራብ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ የሸግረካ እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ሰብ እቲ ሕያውነት ንምርኣይ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ኣብ  ገጽ 221 ዚርከብ ሰሌዳ፡ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ቕጽበታዊ ምላሽ እትህበሉ ዝነበርካ ነገራት፡ ብኸመይ ካልእ ምላሽ ክትህበሉ ኸም እትኽእል ንኽትሓስብ ኪሕግዘካ እዩ።

ብእተኻእለካ መጠን፡ ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ቂም ከይትሕዝ ንኺሕግዘካ ድማ ለምኖ። ነቲ ዝዀነ ነገር ክትቅይሮ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትህቦ ምላሽ ክትቅይሮ ኸም እትኽእል ግን ኣይትረስዕ። ቂም እንተ ሒዝካ፡ ከም ብዓንቃሪቦ እተታሕዘ ዓሳ ኢኻ እትኸውን። ካልእ ሰብ ንኣተሓሳስባኻን ንስምዒታትካን ኪመርሖ ተፍቅደሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንስኻ ንስምዒታትካ ኽትቈጻጸርዶ ኣይምደለኻን፧—ሮሜ 12:19

ጓሂኻ ምኽኣል

ሎራ እትበሃል ጓል 16 ዓመት ጐርዞ፡ “ኣብ ቀረባ ግዜ ኰርፋፍን ኣመና ንርእሰይ ዝነቅፍን እየ ዀይነ። ሓጐስ ዚበሃል የብለይን። እናበኸኹ እየ ዝድቅስ” በለት። ብዙሓት መንእሰያት ከም ሎራ ኣብ ህይወት ብዜጋጥሞም ጸቕጥታት ዓቕሎም ይጸቦም እዩ። ንስኻኸ፧ ወለድኻን ኣዕሩኽካን መምህራንካን ከተማልኦ ዚሓቱኻ ብቕዓታት፡ ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ዜጋጥም ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት፡ ወይ ብሰንኪ ንኣሽቱ ጕድለታት ከም ዘይትረብሕ ኰይኑ ዚስምዓካ ስምዒት፡ ሕማቕ ስምዒት ኬሕድረልካ ይኽእል እዩ።

ገሊኦም መንእሰያት ካብዚ ጓሂኦም እዚ ንምግልጋል ገዛእ ርእሶም ይጐድኡ እዮም። * ከምዚ ዝኣመሰለ ልማድ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ጠንቂ ኽትፈልጦ ጽዓር። ንኣብነት፡ ርእስኻ ምጕዳእ መብዛሕትኡ ግዜ ንገሊኡ ውጥረት እትጾረሉ መገዲ እዩ። ምስ ስድራኻ ወይ ኣዕሩኽካ እተተሓሓዘ፡ ዜጨንቐካ ዅነታት ኣሎዶ፧

ሓደ ኻብቲ ነዚ ሕማቕ ስምዒታትካ እትሕዘሉ ብሉጽ መገዲ፡ ምስ ወላዲ ወይ ምስ ሓደ “ንጸገማ ይውለድ” ኪበሃለሉ ዚኽእል ብሱል ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዝርራብ እዩ። (ምሳሌ 17:17) ሊሊያን እትበሃል ጓል 16 ዓመት መንእሰይ፡ ምስጢራ ንገሊኣተን ዓበይቲ ክርስትያን ኣሓት ኣካፈለተን። “ካባይ ስለ ዚዓብያ፡ ምኽረን ጠቒሙኒ እዩ። መሓዙት እየን ኰይነናኒ” በለት። * ዳና እትበሃል ጓል 15 ዓመት መንእሰይ እውን፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እትገብሮ ተሳትፎ ኽብ ብምባል እተወሰነ እፎይታ ኸም ዝረኸበት ገለጸት። “ካብቲ ኽገብሮ ዝኽእል ነገራት እቲ ዝበለጸ እዩ ነይሩ። አረ ኣብ ህይወተይሲ ልዕሊ ዅሉ ሓጐስ ዝረኸብኩሉ እዋን እዩ ነይሩ!” በለት።

ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ እንተ ጕሂኻ ወይ እንተ ተጨኒቕካ፡ ጸሎት ኣይትሕደግ። እቲ ብዙሕ ጸበባ ዘጋጠሞ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 55:22) የሆዋ ንስቓይካ ይፈልጦ እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ‘ይሓልየልካ እዩ።’ (1 ጴጥሮስ 5:7) ልብኻ እንተ ዀኒኑካ፡ “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” ምዃኑ ዘክር። (1 ዮሃንስ 3:20) ስለምንታይ ከም እተጨነቕካ ኻባኻ ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ፡ ንስምዒታዊ ጾርካ ኸኣ ኬፋዅሰልካ ይኽእል እዩ።

ጓሂኻ ኽትርስዖ እንተ ዘይክኢልካ፡ ምናልባት ከም ሕዱር ሕማም ጭንቀት ዝኣመሰለ ናይ ጥዕና ጸገም የሳቕየካ ይህሉ ይኸውን። * ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ መርመራ እንተ ገበርካ ይሓይሽ። ነቲ ዅነታትካ ዕሽሽ እንተ ኢልካዮ፡ ማኪናኻ ብምብልሻዋ ኻብ ሞተራ እተውጽኦ ደሃይ ንኸይርብሸካ ኢልካ፡ ነታ ኣብ ማኪናኻ ዘላ ረድዮ ዓዕ ካብ ምባል ፈሊኻ ዚርአ ኣይኰነን። ነቲ ጕዳይ ፍታሕ እንተ ገበርካሉ ይሓይሽ። ብዅነታትካ ኽትሓፍር የብልካን። ብዙሓት መንእሰያት ብጭንቀትን ምስኡ ብዚዛመድ ሕማምን ስለ ዚሳቐዩ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ።

ስምዒታትካ ኸም ሓዊ ምዃኑ ኣይትረስዕ። እንተ ተቘጻጺርካዮ ጠቓሚ እዩ፡ ቀይዲ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግን ጐዳኢ እዩ። ስምዒታትካ ንምቍጽጻር ዚከኣለካ ዘበለ ግበር። ሓድሓደ ግዜ ጸኒሑ ዜጣዕሰካ ነገር እኳ እንተ ተዛረብካ ወይ እንተ ገበርካ፡ ትዕግስቲ ግን ይሃሉኻ። ድሕሪ ግዜ፡ ስምዒታትካ ኣብ ክንዲ ዚቈጻጸረካ፡ ንስኻ ንስምዒታትካ ኽትቈጻጸሮ ኢኻ።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ፍጽምና እትጽበ ዓይነት ሰብ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ጸገምካ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

[Footnote]

^ ሕ.ጽ. 8 እቲ ግፍዒ ንድንደና ዜጠቓልል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም እትሕዞ ሓሳብ ንምርካብ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ዓርክኻ እንተ ኣሕሪቑካ፡ ኣብ ምዕራፍ 10 ዘሎ ሓበሬታ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 13 ገዛእ ርእሶም ዚጐድኡ ሰባት፡ ኰነ ኢሎም ንርእሶም ብምሕራድ፡ ብምንዳድ፡ ብምውቃዕ፡ ብምልሕጻጽ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ይጐድኡ።

^ ሕ.ጽ. 14 ገጽ ንገጽ ከተዘራርብ እንተ ዘይክኢልካ፡ ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ሓሳብካ ኽትገልጽ ፈትን። ምስጢርካ ምክፋል፡ ስምዒታዊ መጕዳእትኻ ዚፍወሰሉ ቐዳማይ ስጕምቲ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 16 ብዛዕባ ጭንቀት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 13 ርአ።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር።ሮሜ 12:21

ምኽሪ

መዓልታዊ ሓደ ባህ ዜብል ዘጋጠመካ ነገር—ዋላ እውን ንእሽቶ ይኹን—ንወለድኻ ንገሮም። ድሕሪኡ ኸቢድ ጸገም ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንምዝራቦም ኣይኪኸብደካን እዩ። ንሳቶም እውን ንኺሰምዑኻ ኪቐሎም እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ሰብነትካ እኹል ዕረፍትን ምግብን እንተ ስኢኑ፡ ንስምዒታትካ ምቍጽጻር ብዝያዳ የጸግመካ።

መደባተይ

መብዛሕትኡ ግዜ ዜሸግረኒ ኣሉታዊ ስምዒታት፦ ․․․․

ነዚ ኣሉታዊ ስምዒታት በዚ ኸምዚ ክኽእሎ እየ፦ ․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ስለምንታይ እዩ፧

ቍጡዕ ምዃን ብኸመይ እዩ ኺጐድኣካ ዚኽእል፧

ንጓሂኻ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ ገሊኡ መገድታት እንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 223 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር፡ ብሓቂ ዚሓልየለይ፡ ተስፋ ኣብ ዚቘርጸሉ እዋን ከኣ ከዘራርቦ ዝኽእል ሰብ ከም ዘሎ ምፍላጠይ እዩ።’’—ጀኒፈር

[ኣብ ገጽ 221 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

 ወረቐት ዕዮ

ቍጥዓኻ ተቘጻጸር ነዚ ሰሌዳ ምልኣዮ

ፍጻመ ቅጽበታዊ ስጕምቲ ዝሓሸ ስጕምቲ

መማህርተይ ኣላጊጹለይ እጸርፎ ዕሽሽ እብሎ፡ ኬቘጥዓኒ ኸም ዘይክእል አርእዮ

ሓብተይ ከየፍቀደትኒ ናታ እወስደላ

ዝፈትወን ጫማይ ወሲዳትለይ

ወለደይ ቀጺዖምኒ

[ኣብ ገጽ 220 ዘሎ ስእሊ]

ቂም ዚሕዝ ሰብ፡ ብዓንቃሪቦ ኸም እተታሕዘ ዓሳ እዩ፣ ክልቲኦም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ካልእ እዮም