ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 2 2018 | ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት

ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት

ንስድራ ቤታት ብዛዕባ ዚበታትን ነገራት ብዙሕ ንሰምዕ ኢና። ንስድራ ቤታት ዜዕውት ግና እንታይ ረቛሒታት ኣሎ፧

  • ካብ 1990 ክሳዕ 2015፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ መጠን ፍትሕ፡ ኣብቶም ልዕሊ 50 ዝዕድሚኦም ዕጽፊ፡ ኣብቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ከኣ ሰለስተ ዕጽፊ ዀይኑ እዩ።

  • ወለዲ ዚገብርዎ ሓርቢትዎም ኣሎ፣ ገሊኦም ክኢላታት፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ወትሩ እናነኣዱ ኼዕብይዎም ከም ዚግባእ፡ ገሊኦም ድማ እናቐጽዑ ኼዕብይዎም ከም ዚግባእ ይመኽሩ ኣለዉ።

  • መንእሰያት ዕዉታት ኪዀኑ ዜድልዮም ክእለታት ከየጥረዩ ይዓብዩ ኣለዉ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ . . .

  • መውስቦ ዕግበት ዜምጽእ ነባሪ ዝምድና ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ወለዲ ንደቆም ከመይ ገይሮም ብፍቕሪ ኸም ዚግስጹ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም።

  • መንእሰያት ነቲ ምስ ዓበዩ ዜድልዮም ክእለታት ኬጥርዩ ይኽእሉ እዮም።

ብኸመይ፧ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት ትገልጽ።

 

1፦ ቃል ኪዳን

ንሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳሮም ንምጽናዕ ሰለስተ ግብራዊ ምኽሪ ኺሕግዞም ይኽእል።

2፦ ስኒት

ኣብ ሓዳርኩም ከም መዳብልቲ ጌርኩም ዲኹም እትረኣኣዩ፧

3፦ ኣኽብሮት

ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳርኩም ንሓድሕድኩም እትከባበሩሉ ቓላትን ተግባራትን ተምሃር።

4፦ ይቕረታ

ኣብ ጕድለታት መጻምድትኻ ኸይተተኵር ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

5፦ ልዝብ

ሰለስተ ኣገዳሲ ስጕምትታት ምስ ደቅኻ ኼቀራርበካ ይኽእል እዩ።

6፦ ተግሳጽ

ተግሳጽ ንርእሰ ምትእምማን ውሉድ የጥፍኦ ድዩ፧

7፦ መትከል

ንደቅኻ እንታይ ስርዓታት ክትምህሮም ኣሎካ፧

8፦ ኣብነት

ቃላትካ ኣብ ልቢ ደቅኻ ኺበጽሕ እንተ ደሊኻስ፡ ምስ ተግባራትካ ኺሳነ ኣለዎ።

9፦ መንነት

መንእሰያት ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ኪቘሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

10፦ ተኣማንነት

ተኣማንነት ወለድኻ ምጥራይ፡ ትዓቢ ኸም ዘለኻ የርኢ።

11፦ ትግሃት

ብንእስነትካ ብትግሃት ምዕያይ እንተ ለሚድካ፡ ኣብ ህይወትካ ኣብ እትገብሮ ዅሉ ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

12፦ ሸቶታት

ሸቶታትካ ምስ እትወቅዕ፡ ርእሰ ምትእምማንካ ኺውስኽ፡ ዕርክነትካ ኺድልድል፡ ሓጐስካ ድማ ኪዓዝዝ እዩ።

ንስድራ ቤት ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ሓዳርካን ኣብ ስድራ ቤትካን ሓጐስ ክትረክብ ይሕግዘካ እዩ።