ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ፋን ዩ

ሓደ ነዳፊ ሶፍትዌር ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ነዳፊ ሶፍትዌር ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ዶ/ር ፋን ዩ ኣብ ጥቓ በይጂንግ ኣብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ኣቶማዊ ጸዓት ቻይና፡ ተመራማሪ ስነ ሕሳብ ኰይኑ እዩ ሞያኡ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ደኣ እምበር፡ ብህልውና ኣምላኽ ኣይኣምንን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ህይወት ብኣምላኽ ከም እተነድፈትን እተፈጥረትን እዩ ዚኣምን። መጽሔት ንቕሑ! ብዛዕባ እምነቱ ሓቲታቶ ኣላ።

ብዛዕባ ኣተዓባብያኻ ምነገርካናዶ፧

ብ1959 ኣብ ከተማ ፉጆ፡ ኣውራጃ ጅያንግሺ፡ ቻይና እየ ተወሊደ። ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ እታ ሃገር በቲ ሎሚ ባህላዊ ሰውራ ተባሂሉ ዚፍለጥ ምንቅስቓስ ተጸልያ ነይራ እያ። እቲ ሲቪላዊ መሃንድስ ዝነበረ ኣቦይ፡ ኣብ ርሑቕ በረኻ መገዲ ባቡር ኪሃንጽ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነበረ። ንዓመታት ዚኣክል ከኣ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ጥራይ እዩ ኺበጽሓና ዚኽእል ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ምስታ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ እትምህር ዝነበረት ኣደይ እየ ዝነብር ነይረ። ኣብታ ንሳ እትምህረላ ቤት ትምህርቲ ድማ ኢና እንቕመጥ ኔርና። ብ1970 ኣብቲ እዋን እቲ እኹል ምግቢ ዘይርከበላ ዝነበረ ሊዮፋንግ ናብ እትብሃል ኣብ ኣውራጃ ሊንችዋን እትርከብ ድኻ ቝሸት ክንግዕዝ ተገደድና።

ስድራ ቤትካ እንታይ ይኣምኑ ነይሮም፧

ኣቦይ ብዛዕባ ሃይማኖት ኰነ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይግደስን እዩ ነይሩ። ኣደይ ግና ኣማኒት ቡድህና እያ ነይራ። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ህይወት ብባህርያዊ መስርሕ ከም ዝፈለቐ እየ ተማሂረ፣ ኣነ ድማ ነቲ መምህራነይ ዝበልዎ ኣሚነዮ።

ኣብ ሕሳብ ተገዳስነት ዘሕደርካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ሕሳብ ብርትዓዊ መገዲ ኣቢልካ ሓቂ ምድላይ ዜጠቓልል ስለ ዝዀነ እዩ ማሪኹኒ። መራሒ እቲ ሰውራ ዝነበረ ማኦ ዘ-ዶንግ ብ1976 ካብ ዚመውት ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትየ። ከም ቀንዲ ዓይነት ትምህርተይ ከኣ ሕሳብ ከጽንዕ መሪጸ። ናይ ማስተርስ ዲግሪ ምስ ረኸብኩ፡ እቲ ናይ ፈለማ ስራሐይ ንንድፊ ኑክልየሳዊ መነጣጠፊ ዚኸውን ናይ ሕሳብ ምርምር ምግባር ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረካ ናይ ፈለማ ጦብላሕታ እንታይ እዩ፧

ብ1987 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ኤ. ኤንድ. ኤም. ናይ ዶክተርነት መጽናዕቲ ንምክትታል ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ መጺአ። ኣብ ኣመሪካ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብቡን እፈልጥ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግብራዊ ጥበብ ዝሓዘለ ምዃኑ ሰሚዐ ስለ ዝነበርኩ ድማ፡ ከንብቦ ኸም ዘሎኒ ሓሲበ።

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ዀይኑ እየ ረኺበዮ። ገሊኡ ኽፋላት ግና ንምርዳኡ ስለ ዝኸበደኒ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ምንባብ ኣቋሪጸ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ብሓድሽ ተገዳስነት ዘሕደርካ ብኸመይ ኢኻ፧

እቲ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚገልጽ ሓሳባት ስለ ዝሓደሰኒ፡ ብዛዕባ እዚ ናይ ብሕተይ ምርምር ክገብር ወሲነ

ብ1990 ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ገዛይ መጺኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚብል ኣርእያትኒ። ሰብ ሓዳር ኪበጽሑንን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦ ኺሕግዙንን ድማ ምድላው ገይራትለይ። ድሕሪ ግዜ፡ እታ ኣብ ቻይና ኣብ ሓንቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ፊዚክስ እትምህር ዝነበረት፡ ኣብ ኣምላኽ ከኣ ዘይትኣምን ሊፒንግ ሰበይተይ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀሚራ። ክልቴና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መበቈል ህይወት እንታይ ከም ዚብል ተማሂርና። እቲ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚገልጽ ሓሳባት ስለ ዝሓደሰኒ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ናይ ብሕተይ ምርምር ክገብር ወሲነ።

ነዚ ብኸመይ ጌርካዮ፧

ከም ተመራማሪ ስነ ሕሳብ መጠን፡ ብዛዕባ ተኽእሎታት ፍጻመ ክቕምር ሰልጢነ እየ። ብዘይካዚ፡ ህይወት ብሃንደበት ኪመጽእ እንተ ዀይኑ፡ ፕሮቲን ድሮ ኺህሉ ኸም ዘለዎ እፈልጥ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ካብ ሓደ ብዘይ መሪሕነት ዚካየድ መስርሕ፡ ፕሮቲን ኪምንጭው ተኽእሎታት እንተ ኣልዩ ክቕምር ፈቲነ። ፕሮቲናት ገለ ኻብቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ሞለክዩላት ከም ዝዀነ እዩ ዚፍለጥ፣ ህያዋን ዋህዮታት ድማ ልዑል ልክዕነት ብዘለዎ ኣገባብ ዚዓዪ ብኣሽሓት ዚቝጸር እተፈላለየ ዓይነት ፕሮቲናት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ኻልኦት እውን ኪግንዘብዎ ዝኸኣሉ፡ ፕሮቲን ብሃንደበት ኪፍጠር ዘለዎ ተኽእሎ ኣመና ጸቢብ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ፈጺሙ ዘይክኣል ምዃኑ ተገንዚበ። ኣብ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት፡ ይትረፍዶ እቲ ኣገዳሲ ኽፋል ዝዀነ ስርዓታት ህይወትሲ፡ እቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ሞለክዩላት እኳ ኸመይ ኢሉ ባዕሉ ኺፍጠር ከም ዚኽእል ብዜዕግብ መገዲ ዚገልጽ ዝዀነ ይኹን መርትዖ ኣየንበብኩን። እዚ ሓቅታት እዚ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣእሚኑኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናሓገዙኒ መጽናዕተይ ብዝቐጸልኩ መጠን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመኡ ዝረኸበ ብዙሕ ትንቢታት ዝሓዘ ምዃኑ ተገንዚበ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ጥቕምታት ድማ፡ ኣብ ህይወተይ ክርእዮ ጀሚረ። ‘ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝነበሩ ሰባት፡ ከመይ ገይሮም እዮም ሎሚ እውን ግብራዊ ጥበብ ዝሓዘ ቓላት ኪጽሕፉ ኽኢሎም፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ። በብቝሩብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ተገንዚበ።

ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ኣብ ተፈጥሮ ብዛዕባ ዚርከብ ብዙሕ ነገራት ክሓስብ ከለኹ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ጥራይ እየ ኽኣምን ዝኽእል። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ንኮምፒዩተራት ዚኸውን ሶፍትዌር እየ ዝነድፍ፣ ሓንጐልና ኻብ ፕሮግራማት ኮምፒዩተር ንላዕሊ ኣዝዩ ዝበለጸ ዕዮ ዚዓዪ ምዃኑ ወትሩ እዩ ዜደንቐኒ። ንኣብነት፡ እቲ ሓንጐልና ዘለዎ ዘረባ ናይ ምልላይ ክእለት ኣዝዩ ዜደንጹ እዩ። መብዛሕትና፡ ዘረባ (ምሉእ ሓሳብ ዘይኰነ እውን ከይተረፈ)፡ ሰሓቕ፡ ሰዓል፡ ባእባእታ፡ ኣደማምጻ፡ መቓልሕ፡ ጫውጫውታ፡ ወይ ብተሌፎን ሓሊፉ ዚመጽእ ዘረባ እውን እንተ ዀነ ብቐሊሉ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። እዚ ፍሉይ ክእለት ኰይኑ ኣይስምዓናን ይኸውን። ነደፍቲ ሶፍትዌር ግና እዚ ዜደንቕ ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ። ከመይሲ፡ እቲ ብሉጽ ድምጺ ዜለሊ ሶፍትዌር እውን እንተ ዀነ፡ ምስቲ ሓንጐል ሰባት ዘለዎ ኽእለት ፈጺሙ ዚቀራረብ ኣይኰነን።

ዘይከምተን ኣዝየን እተሓላለኻ ኮምፒዩተራት፡ ሓንጐልና ስምዒት ዚርዳእ፡ ኣደማምጻ ዚመሚ፡ ንተዛረብቲ ድማ ብባህርይ ድምጾም ኬለልዮም ይኽእል እዩ። ነደፍቲ ሶፍትዌር፡ ኮምፒዩተራት ነቲ ሓንጐል ደቂ ሰብ ድምጺ ንምልላይ ዘለዎ ኽእለት ከመይ ገይረን ኪቐድሓኦ ኸም ዚኽእላ ንምፍላጥ ይመራመሩ እዮም ዘለዉ። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ስርሓት ኢድ ኣምላኽ የጽንዑ ኸም ዘለዉ እየ ዝኣምን።