ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ሄኖክ

‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’

‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’

ሄኖክ ንነዊሕ ዓመታት ብህይወት ጸኒሑ እዩ። ብኣእምሮና ኽንስእሎ ኪኸብደና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ን365 ዓመት ዚኣክል እዩ ብህይወት ጸኒሑ፣ እዚ፡ ክንዲ ኣርባዕተ ዕጽፊ እቲ ሎሚ ሰባት ዚነብርዎ ማእከላይ ዕድመ ማለት እዩ! ኣብታ ብግዜኡ ዝነበረት ዓለም ግና፡ ብዕድመ ዝደፍአ ኣይነበረን። ሽዑ፡ ማለት ልዕሊ 50 ዘመን ይገብር፡ ሰባት ካብዚ ሕጂ ዚነብርዎ ዘለዉ ኣዝዩ ንዝነውሐ እዋን እዮም ብህይወት ዚነብሩ ነይሮም። እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም፡ ሄኖክ ኪውለድ ከሎ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ገይሩ ነበረ፣ ኣዳም ብድሕሪኡ እውን ንሰለስተ ዘመን ብህይወት ጸኒሑ እዩ። ገሊኦም ዘርኢ ኣዳም እውን እንተ ዀኑ ኻብዚ ንዝነውሐ እዋን ብህይወት ቀጺሎም እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ሄኖክ ወዲ 365 ዓመት ከሎ፡ ልክዕ ከም ሓደ ገና ነዊሕ ዕድመ ተሪፍዎ ዘሎ ድልዱል ሰብኣይ ይመስል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግና ነዊሕ ኣይኰነን ተሪፍዎ ነይሩ።

ንሄኖክ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ መልእኽቲ ዘብጸሓሎም ሰባት ዝሃብዎ ምላሽ ኣብ ኣእምሮኡ እናተመላለሶ፡ ኪሃድም ከሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነድሮም ኣብ ገጾም ይንበብ ነበረ። እዞም ሰባት ኣዝዮም እዮም ዚጸልእዎ ነይሮም። ንመልእኽቱ ይንዕቅዎ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣምላኽ እውን ይጸልእዎ ነይሮም እዮም። ነቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ ሄኖክ ኬጥቅዕዎ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ግና ብርግጽ ኬጥቅዕዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ሄኖክ ንስድራ ቤቱ ደጊሙ ኺርእዮም ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲብዎ ይኸውን እዩ። ብዛዕባ ሰበይቱን ኣዋልዱን ወይ ብዛዕባ ማቱሳላ ወዱ ወይ ድማ ብዛዕባ ላሜክ ወዲ ወዱ ይሓስብዶ ነይሩ ይኸውን፧ (ዘፍጥረት 5:21-23, 25) እዝስ መወዳእታ ድዩ፧

ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሄኖክ ብዙሕ ሓበሬታ ኣይርከብን እዩ። ብዛዕባኡ ዚገልጻ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እየን ዘለዋ። (ዘፍጥረት 5:21-24፣ እብራውያን 11:5፣ ይሁዳ 14, 15) ይኹን እምበር፡ እዘን ጥቕስታት እዚአን ብዛዕባ እቲ ዓባይ እምነት ዝነበረቶ ሰብኣይ እኹል ሓበሬታ ይህባና እየን። ስድራ ቤት እትኣሊ ዲኻ፧ ቅኑዕ ምዃኑ ንእትኣምነሉ ነገር ጽኑዕ መትከል ምሓዝ ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ካብ እምነት ሄኖክ ብዙሕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

“ሄኖክ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”

ሄኖክ ኪውለድ ከሎ ደቂ ሰብ ብሕማቕ መገዲ ይመላለሱ ነበሩ። ካብ ኣዳም ሻውዓይ ወለዶ እዩ ነይሩ። ሓቂ እዩ፡ ሰባት ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮም እሞ ዘጥፍእዎ ኣካላዊ ፍጽምና ኣዝዮም ዝቐረቡ እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ንነዊሕ ዓመታት ዚነብሩ ነይሮም። ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ግና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት እዮም ነይሮም። ዓመጻ ኣስፋሕፊሑ ነይሩ። እዚ ኻብ ካልኣይ ወለዶ፡ ማለት ካብቲ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ዝቐተለሉ እዋን እዩ ጀሚሩ። ሓደ ኻብ ዘርኢ ቃየል፡ ካብ ቃየል ንላዕሊ ኣዝዩ ዓማጽን ፈዳይ ሕነን ብምዃኑ ዚሕበን ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኣብ ሳልሳይ ወለዶ ድማ፡ ሓድሽ እከይ ጀመረ። ሰባት፡ ስም የሆዋ ኺጽውዑ ጀመሩ፣ እዚ ግና ኣኽብሮት ዝመልኦ ኣምልኾ ኣይነበረን። ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ብዜርክስን ኣኽብሮት ብዘየርእን መገዲ ይጥቀሙሉ ዝነበሩ እዩ ዚመስል።—ዘፍጥረት 4:8, 23-26

ከምዚ ዝኣመሰለ ብልሹው ሃይማኖት ኣብ ግዜ ሄኖክ እውን ልሙድ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሄኖክ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ሓደ ምርጫ ኺገብር ኣድለዮ። ከምቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ህዝቢ ድዩ ኪኸውን፡ ወይስ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ ኺደልዮ፧ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ባህ ብዜብል መገዲ ብምምላኹ ሰማእት ኰይኑ ዝሞተ ኣቤል ምፍላጡ ልቡ ተተንኪፉ ኪኸውን ኣለዎ። ሄኖክ ተመሳሳሊ መርገጺ ኺሕዝ ወሰነ። ዘፍጥረት 5:22፡ “ሄኖክ . . . ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ” ትብለና። እዚ ዜደንቕ መግለጺ እዚ፡ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም፡ ሄኖክ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ምንባሩ ይሕብር። መጽሓፍ ቅዱስ በዚ መገዲ እዚ ዝገለጾ ናይ ፈለማ ሰብ እዩ።

እዛ ፍቕዲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ እውን ምስ የሆዋ ኸም እተመላለሰ ትነግረና እያ። ሄኖክ ወዲ 65 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ እዩ ስድራ ቤት መስሪቱ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ስማ ዘይተጠቕሰ ሰበይትን ቍጽሮም ዘይፍለጥ ኣወዳትን ኣዋልድን ነይሮምዎ እዮም። ሓደ ኣቦ፡ ቈልዑ እናዕበየን ንስድራ ቤቱ ዜድልዮም እናኣማልአን ምስ ኣምላኽ ኪመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ንስድራ ቤቱ ብመገድታት ኣምላኽ ኪኣልዮም ኪጽዕር ኣለዎ። ሄኖክ ምስ ሰበይቱ ብተኣማንነት ኪጠብቕ የሆዋ ኸም ዚጽበዮ ይርዳእ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:24) ንደቁ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኪምህሮም እውን ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። እሞኸ፡ እዚ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ዝርዝር ሓሳባት ኣይህብን እዩ። ብዛዕባ እምነት እቲ ኽሳዕ እታ ማይ ኣይሂ ዝመጸላ ዓመት ብህይወት ዝጸንሐ፡ ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እቲ ዝነውሐ ዕምሪ ዝነበሮ ማቱሳላ ወዲ ሄኖክ እውን ዋላ ሓንቲ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ማቱሳላ፡ ላሜክ ዝስሙ ወዲ ወሊዱ እዩ። ላሜክ ንኣቦሓጎኡ ሄኖክ ኣርኪቡሉ እዩ፣ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ይነብሩ ነይሮም እዮም። ላሜክ እውን እተደንቕ እምነት ኣርእዩ እዩ። የሆዋ ንላሜክ ብዛዕባ ወዱ ኖህ ኪንበ ደረኾ፣ እቲ ትንቢት ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ተፈጸመ። ኖህ ልክዕ ከምቲ ኣቦ ኣቦሓጎኡ ዝዀነ ሄኖክ፡ ምስ ኣምላኽ ዚመላለስ ሰብ ምንባሩ ብፍሉይ ተገሊጹ እዩ። ኖህ ንሄኖክ ኣየርከበሉን። እንተዀነ ግና፡ ሄኖክ ክቡር ውርሻ እዩ ሓዲጉ። ኖህ ብዛዕባ እዚ ውርሻ እዚ ኻብ ኣቦኡ ላሜክ ወይ ካብ ኣቦሓጎኡ ማቱሳላ ምናልባት እውን ካብቲ ኖህ ወዲ 366 ዓመት ምስ ኰነ ዝሞተ ያሬድ ኣቦ ሄኖክ ፈሊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘፍጥረት 5:25-29፣ 6:9፣ 9:1

ኣብ መንጎ ሄኖክን ኣዳምን ብዛዕባ ዝነበረ ፍልልይ እሞ ሕሰብ። ኣዳም ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ በዲሉ፡ ንዘርኡ ድማ ዕልወትን ጸበባን ኣውሪስዎም እዩ። ሄኖክ ግና ዘይፍጹም ክነሱ፡ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱን ንዘርኡ ናይ እምነት ውርሻ ሓዲጉሎምን እዩ። ሄኖክ ወዲ 308 ዓመት ከሎ እዩ ኣዳም ሞይቱ። ስድራ ቤት ኣዳም ነዚ ኣዝዩ ስሱዕ ኣቦሓጎኦም ሓዚኖምሉ ድዮም፧ ብዛዕባ እዚ ኣይንፈልጥን ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሄኖክ “ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።”—ዘፍጥረት 5:24

ስድራ ቤት ትናቢ እንተ ኣሊኻ፡ ካብ እምነት ሄኖክ እንታይ ክትምሃር ከም እትኽእል መርምር። ንስድራ ቤትካ ብስጋዊ መገዲ ዜድልያ ኸተማልኣላ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ዜድሊ ዘበለ ኻብ ምምላእ ንላዕሊ ዜገድስ የለን። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ነዚ ኸኣ ብቓላትካ ጥራይ ዘይኰነስ ብተግባራትካ ኢኻ እተማልኦ። ልክዕ ከም ሄኖክ፡ ኣብ ህይወትካ ብመለክዒታት ኣምላኽ ክትምራሕ ብምፍቃድ ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ እንተ መሪጽካ፡ ንስኻ እውን ንስድራ ቤትካ ኽቡር ውርሻ ኽትሓድገሎም ኢኻ። እዚ ኸኣ ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ብዋጋ ዘይሽነን ኣብነት እዩ ዚዀኖም።

ሄኖክ “ብዛዕባኦም ተነብዩ እዩ”

ሄኖክ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ከም ናይ እምነት ሰብ መጠን በይኑ ኸም ዝዀነ ተሰሚዕዎ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኣምላኹ ኣስተብሂሉሉ ድዩ፧ እወ፡ ኣስተብሂሉሉ እዩ። የሆዋ ምስቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ዚዛረበላ መዓልቲ መጸት። የሆዋ ንሄኖክ ኣብ ግዜኡ ንዝነበሩ ሰባት ዜብጽሖ መልእኽቲ ሃቦ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንሄኖክ፡ መልእኽቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ናይ ፈለማ ነብዪ ገበሮ። ነዚ ኽንፈልጦ ዝኸኣልና ኸኣ እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ይሁዳ፡ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ብመንፈስ ተደሪኹ ንትንቢታዊ ቓላት ሄኖክ ብምጽሓፉ እዩ። *

ትንቢት ሄኖክ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ የሆዋ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ። ንዅላቶም ኪፈርዶም፡ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ብእኩይ መገዶም ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብሮም፡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሓጥኣን ከኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ ዜሰምብድ ዘረባ ኺረትዖም መጺኡ ኣሎ።” (ይሁዳ 14, 15) ኣብዚ፡ ሄኖክ ብዛዕባ ትንቢታት ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ ድሮ ኸም እተፈጸመ ገይሩ ምዝራቡ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። ድሕርዚ ቐጺሉ ዝመጸ ብዙሕ ትንቢታት እውን ነዚ ኣገባብ እዚ እዩ ስዒቡ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ ሓደ ኸም ዚፍጸም ምንም ዘየጠራጥር ነገር ይዛረብ ብምንባሩ፡ ድሮ ኸም እተፈጸመ ጌርካ ኺግለጽ ዚከኣል ስለ ዝዀነ እዩ።—ኢሳይያስ 46:10

ሄኖክ ኣብታ ተጻራሪት ዓለም ከይፈርሀ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ኣወጀ

ሄኖክ ንዚሰምዑ ዘበሉ ኸቢድ መልእኽቲ ኼብጽሓሎም ከሎስ፡ ከመይ ኰን ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ እቲ መጠንቀቕታ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምንባሩ እሞ ኣስተብህል። ነቶም ህዝብን ንግብርታቶምን ነዚ ግብርታት እዚ ንዝፈጸሙሉ መገድን ንምዅናን፡ “ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም” ከምኡ ድማ “እኩይ” ዚብል ቃላት እዩ ተጠቒሙ። እዚ ትንቢት እዚ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ እታ ኻብ ኤደን ድሕሪ ምስጓጎም ዝሃነጽዋ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ተበላሽያ ኸም ዝነበረት ኣጠንቂቕዎም እዩ። የሆዋ ምስ “ኣእላፋት ቅዱሳቱ፡” ማለት ምስቶም ንውግእ እተሰለፉ ጭፍራ ሰራዊት መላእኽቲ ምስ መጸ፡ እታ ዓለም እቲኣ ብመዓት ክትጠፍእ ነበራ። ሄኖክ ከይፈርሀ ነዚ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ሃበ፣ ነዚ ኸኣ በይኑ እዩ ገይርዎ! እቲ መንእሰይ ዝነበረ ላሜክ ኪዕዘብ ከሎ፡ ብትብዓት ኣቦሓጎኡ ይድነቕ ነይሩ ይኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ከም እተደነቐ ኺርድኣና ይኽእል እዩ።

እምነት ሄኖክ፡ ነዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ከምቲ ኣምላኽ ዚርእያ ጌርና ንርእያ እንተ ዄንና ንርእስና ኽንሓትታ ኽትድርኸና ትኽእል እያ። እቲ ሄኖክ ብትብዓት ዝኣወጆ ፍርዲ፡ ነታ ብግዜኡ ዝነበረት ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም እውን ይምልከታ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሄኖክ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸኣ የሆዋ ብግዜ ኖህ ኣብ ልዕሊ እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ማይ ኣይሂ ኣምጽአ። እቲ ጥፍኣት እቲ ግና ብዛዕባ እቲ ብሕጂ ዚመጽእ ዝዓበየ ጥፍኣት መሰክሒ እዩ ዀይኑ። (ማቴዎስ 24:38, 39፣ 2 ጴጥሮስ 2:4-6) ልክዕ ከም ሽዑ፡ ሎሚ እውን ኣምላኽ ምስቶም ኣእላፋት ቅዱሳቱ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ጽድቃዊ ፍርዲ ኼውርድ ተዳልዩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍና ንመጠንቀቕታ ሄኖክ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ንኻልኦት ከነካፍሎምን የድልየና። ስድራ ቤትናን ኣዕሩኽናን ካብ ናትና እተፈልየ መርገጺ ይሕዙ ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ እውን በይንና ኸም ዝዀንና ይስምዓና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሄኖክ ፈጺሙ ኣይጠንጠኖን፣ ነዞም ሎሚ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ እውን ፈጺሙ ኣይኪጥንጥኖምን እዩ!

‘ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ግዒዙ እዩ’

ሄኖክ ብኸመይ እዩ ሞይቱ፧ ካብ ህይወቱ ንላዕሊ ኣማውታኡ ብዙሕ ዘይፍለጥን መሳጥን እዩ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ሄኖክ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ስለ ዝወሰዶ፡ ኣይተራእየን” ጥራይ እዩ ዚብል። (ዘፍጥረት 5:24) ኣምላኽ ንሄኖክ ዝወሰዶ ብኸመይ እዩ፧ ድሕሪ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ” ብምባል ገለጸ። (እብራውያን 11:5) ጳውሎስ፡ ‘ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ግዒዙ እዩ’ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንሄኖክ ናብ ሰማይ ከም ዝወሰዶ እዩ ዚገልጽ። እዚ ግና ኪኸውን ዘይክእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈለማ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ዝኸደ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና።—ዮሃንስ 3:13

ሄኖክ ብኸመይ እዩ “ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ግዒዙ”፧ የሆዋ ንሄኖክ ብኢድ ጸላእቱ ኻብ ሙማት ኣናጊፉ፡ ብዘይ ስቓይ ካብ ህይወት ናብ ሞት ኣግዒዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ፈለማ ግና ሄኖክ “ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ።” ብኸመይ፧ ምናልባት ሄኖክ ቀቀድሚ ሙማቱ፡ ምድሪ ገነት ኰይና ዜርኢ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ራእይ ርእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕርዚ ስምረት የሆዋ ዜርኢ ንጹር ምልክት ድማ ሄኖክ ሞተ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ሄኖክን ካልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ኵሎም እዚኣቶም . . . ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም” በለ። (እብራውያን 11:13) ድሕርዚ፡ ጸላእቱ ሬሳኡ ንምርካብ ኣናድዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ የሆዋ ንሬሳ ሄኖክ ምእንቲ ኸየርክስዎ ወይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምስፍሕፋሕ ምእንቲ ኸይጥቀሙሉ ኢሉ ሰዊርዎ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ግና፡ ሬሳኡ “ኣይተረኽበን”። *

ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ህይወት ሄኖክ ብኸመይ ኣብቂዓ ኽትከውን ከም እትኽእል ብኣእምሮና ኽንስእሎ እስከ ንፈትን። እዚ ሓደ ኣብነት ጥራይ ምዃኑ ብምዝካር፡ ነዚ ኣጋጢሙ ኪኸውን ዚኽእል ፍጻመ እሞ ብሓሳብካ ስኣሎ። ሄኖክ ይሃድም እዩ ነይሩ፣ ሓይሉ ኸኣ እናተጸንቀቐ ይመጽእ ነበረ። ሰጐጕቱ፡ በቲ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብቝጥዓ ነዲዶም ይስዕብዎ ነበሩ። ሄኖክ ንግዜኡ ኺሕብኣሉን ኬዕርፈሉን ዚኽእል ቦታ ረኸበ፣ ከምኡ ኢሉ ንነዊሕ እዋን ኪሕባእ ከም ዘይክእል ግና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ዚቕተለሉ እዋን ኣዝዩ እናቐረበ እዩ ዚመጽእ ነይሩ። ኣብቲ ዘዕረፈሉ ቦታ ዀይኑ፡ ናብ ኣምላኹ ጸለየ፣ ውሽጣዊ ሰላም ከኣ ረኸበ። ኣዝዩ ህያው ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብኡ ዘሎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ዝገበረ ራእይ ድማ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ወሰዶ።

ሄኖክ፡ የሆዋ ኺወስዶ ኸሎ ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ

ካብታ ዚፈልጣ ዓለም ምሉእ ብምሉእ እተፈልየት ዓለም ብራእይ ኪርኢ ኸሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ጽባቐኣ ልክዕ ከም ገነት ኤደን ኰይና እያ ተራእያቶ፣ ሰባት ናብኣ ኸይኣትዉ ዚኽልክሉ ኪሩቤል ግና ኣይነበርዋን። ምሉእ ጥዕና ዘለዎምን ድልዱላትን፡ ሰብኡትን ኣንስትን ብዙሓት እዮም ነይሮም። ኣብ መንጎኦም ከኣ ሰላም ሰፊኑ ነበረ። እቲ ሄኖክ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ጽልእን ሃይማኖታዊ መስጐጕትን፡ ኣሰሩ እኳ ኣይነበረን። ሄኖክ፡ ፍቕርን ስምረትን የሆዋ ኸም ዝረኸበ ተገንዘበ፣ በቲ የሆዋ ዝሃቦ መረጋገጺ ኸኣ ተኣማመነ። እዚ ቦታ እዚ ናቱ ኸም ዚኸውን፡ ኣብኡ እውን ከም ዚነብር ምሉእ ምትእምማን ነበሮ። ሄኖክ በብቝሩብ ዝያዳ ሰላም እናተሰምዖ ምስ ከደ፡ ኣዒንቱ ዓመተ፣ ዓሚቝን ሕልሚ ዘይብሉን ጥዑም ድቃስ ከኣ ወሰዶ።

ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ዝኽሪ የሆዋ ኣምላኽ ተዓቂቡ ሞይቱ ኣሎ። ከምቲ የሱስ ጸኒሑ ዝሃቦ ተስፋ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ድምጺ የሱስ ዚሰምዑላን ካብ መቓብር ዚወጹላን መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ ሽዑ ኣዒንቶም ምስ ከፈቱ፡ ጽብቕትን ሰላም ዝሰፈናን ሓዳስ ዓለም ኪርእዩ እዮም።—ዮሃንስ 5:28, 29

ኣብኡ ኽትህሉ ትደሊዶ፧ ንሄኖክ ምስ ረኸብካዮ ዚስምዓካ ሓጐስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኻብኡ ኽንምሃሮ እንኽእል መሳጢ ነገራት እሞ ሕሰብ! እቲ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ኣጋጢምዎ ይኸውን ኢልና ብኣእምሮና ዝሰኣልናዮ ፍጻመ ምስቲ ዜጋጠሞ ዚመሳሰል እንተ ነይሩ ኺነግረና ይኽእል እዩ። ሕጂ ብህጹጽ ካብኡ ኽንምሃሮ ዜድልየና ነገር ግና ኣሎ። ጳውሎስ ብዛዕባ ሄኖክ ኪዛረብ ድሕሪ ምጽናሕ ቀጺሉ፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ” በለ። (እብራውያን 11:6) እዝስ ከመይ ዝበለ ነቲ ትብዓት ዝመልኦ እምነት ሄኖክ ክንቀድሓ ዚድርኽ ሓያል ምኽንያት ኰን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 14 ገሊኦም ምሁራት፡ ይሁዳ ኻብቲ መጽሓፍ ሄኖክ ዚብሃል ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፍ ከም ዝጠቐሰ ይገልጹ እዮም፣ እዚ መጽሓፍ ግና ንሄኖክ ዚጠቅስ ምንጩ ዘይተረጋገጸ ጽውጽዋይን ናይ ሓሶት ጽሑፍን እዩ። ንትንቢት ሄኖክ ብልክዕ እኳ እንተ ጠቐሶ፡ እዚ ኻብቲ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይንኽእል ዝጠፍአ ጥንታዊ መወከሲ፡ ማለት እተሰነደ ጽሑፍ ወይ ትውፊት እተወስደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይሁዳ ነዚ ጥንታዊ መወከሲ እዚ ተጠቒሙ ይኸውን እዩ፣ ምናልባት እውን ብዛዕባ ሄኖክ ካብቲ ንህይወት ሄኖክ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዝረኣዮ የሱስ ፈሊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 20 ብተመሳሳሊ፡ ሰባት ንሬሳ ሙሴን የሱስን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይግቡእ መገዲ ምእንቲ ኸይጥቀሙሉ፡ ኣምላኽ ንሬሳኦም ሰዊርዎ እዩ።—ዘዳግም 34:5, 6፣ ሉቃስ 24:3-6፣ ይሁዳ 9