ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

2 ጸገማት ክትፈትሕ ይሕግዝ

2 ጸገማት ክትፈትሕ ይሕግዝ

ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ገሊኡ ጸገማት ንነዊሕ እዋን፡ አረ ንዓመታት እውን ይቕጽል እዩ። ከይተረድኣና ኸኣ ሱር ኪሰድድ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንገለ ኻብዚ ቐጻልን ተስፋ ዜቝርጽን ጸገማትና ኽንፈትሕ ዚሕግዘና ጥበብ ይህበና ድዩ፧ ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ።

መጠኑ ዝሓለፈ ጭንቀት

ሮዚ፡ “ገሊኡ ኣብ ኣእምሮይ ካብቲ ብሓቂ ዝዀኖ ንላዕሊ ኣዕብየ ዝሰኣልክዎ ጸገማት ብቐጻሊ የጨንቐኒ ነይሩ” ትብል። ኣየናይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ እሞ ሓጊዝዋ፧ ሓንቲ ኻብዚ ማቴዎስ 6:34 እያ፣ “እምበኣር፡ ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ” ድማ ትብል። ሕጂ ሮዚ፡ እዘን ቃላት የሱስ እዚአን ጽባሕ ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት ምጭናቕ ክትሓድጎ ኸም ዝሓገዛኣ ትገልጽ። ወሲኻ ኸኣ፡ “ብዛዕባ ዘየጋጠመ፡ ምናልባት ከኣ ብዛዕባ ፈጺሙ ዘየጋጥም ነገራት ዝሓድረኒ ጭንቀት ከይወሰኽኩሉ እውን ከይተረፈ፡ ድሮ ብዙሕ ጸገማት ነይሩኒ እዩ” በለት።

ያስሚን እውን ብጭንቀት እተዋሕጠት ኰይኑ እዩ ዚስምዓ ነይሩ። “ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዘሎ ገሊኡ መዓልትታት እበኪ ነይረ፣ ኣብ ገሊኡ ለይትታት ከኣ ክድቅስ ኣይክእልን እየ ነይረ። ብኣሉታዊ ሓሳባት እሳቐ ነይረ” ድማ ትብል። እሞ፡ ኣየነይቲ ጥቕሲ ሓጊዛታ፧ እታ፡ “ንሱ [ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” እትብል 1 ጴጥሮስ 5:7 ምዃና ትገልጽ። ያስሚን ከምዚ ትብል፦ “ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ናብ የሆዋ ብቐጻሊ እጽሊ ነይረ፣ ንሱ ድማ ጸሎተይ መሊሱለይ እዩ። ከቢድ ጾር እተራገፈለይ ኰይኑ ድማ እዩ ተሰሚዑኒ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣሉታዊ ሓሳባተይ ይምለሰኒ እዩ፣ ሕጂ ግና ብኸመይ ከም ዝቈጻጸሮ እፈልጥ እየ።”

ዕዮኻ ምውዛፍ

ኢዛቤላ ዝስማ መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “ዕዮኻ ናይ ምውዛፍ ልማድ፡ ናይ ተወርሶ ጕዳይ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ፣ ከመይሲ፡ ባባ እውን ከምኡ ዓይነት ልማድ ኣለዎ። ክዛነ ወይ ተለቪዥን ክርኢ ኢለ ጥራይ፡ ክዓዮ ንዚግብኣኒ ኣገደስቲ ነገራት ናብ ካልእ እዋን አመሓላልፎ እየ። ውጥረት ስለ ዚውስኽን ጽቡቕ ዕዮ ኸም ዘይትዓዪ ስለ ዚገብርን ድማ እዚ ልማድ እዚ ጐዳኢ እዩ።” ንኢዛቤላ ዝሓገዛ፡ እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:15 ዚርከብ፡ “ዜሕፍር ዘይብሉ ብቕዓቱ ዘመስከረ ዓያዪ ጌርካ፡ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተቕርብ ጽዓር” ዚብል ስርዓት እዩ። ኢዛቤላ፡ “ክገብሮ ዝግብኣኒ ነገራት ብምውዛፈይ ጥራይ የሆዋ ብዕዮይ ኪሓፍር ኣይደለኹን” ትብል። ኢዛቤላ ሕጂ ብዙሕ ተመሓይሻ እያ።

ከልሲ እውን ብተመሳሳሊ ኸምዚ ትብል፦ “ዕዮይ ክውድኣሉ ዘሎኒ ምዱብ እዋን ምስ ዚውሃበኒ፡ ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት እየ ዝጽበ። ሽዑ እበክን ድቃስ እስእንን እጭነቕን እየ። እዚ ንዓይ ጽቡቕ ኣይነበረን።” ንከልሲ እታ ኣብ ምሳሌ 13:16 ዘላ፡ “ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር፣ ዓሻ ግና ገዛእ ዕሽነቱ ይቐልዕ” እትብል ጥቕሲ ሓጊዛታ እያ። ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስትንታና እንታይ ከም ዝመሃራ ኽትገልጽ ከላ ኸኣ፡ “ኣቐዲምካ ኽትምድብን ግብራዊ ስጕምቲ ኽትወስድን ጥበባዊ እዩ። ሕጂ ኣብ ሰደቓይ መደብ እቲ ኽዓይዮ ዘሎኒ ዕዮ ዝምዝግበሉ መዝገብ እሕዝ እየ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኽሳዕ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝጽበ፡ ብመደብ ክዓዪ ይሕግዘኒ እዩ” ትብል።

ጽምዋ

ኪርስተን፡ “ብዓል ቤተይ ሓዳርና ጠንጢኑ ንዓይ ምስ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ቘልዑ ሓዲጉኒ ኸይዱ” ትብል። ኣየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት እዩ እሞ ሓጊዝዋ፧ ምሳሌ 17:17፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ትብል። ኪርስተን፡ ከምኣ ንየሆዋ ምስ ዜገልግሉ ሰባት ተቐራረበት። እሞ እንታይ ረኺባ፧ ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ፈተውተይ ብብዙሕ መገድታት ሓጊዞምኒ እዮም። ገሊኣቶም ኣብ ኣፍ ደገ ቤተይ ኣስቤዛን ዕንባባታትን ይሓድጉ ነይሮም። ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት፡ እተወሰኑ ሰባት ንዓይን ንደቀይን ካብ ሓደ ቤት ናብ ካልእ ቤት ክንግዕዝ ሓጊዞምና እዮም። ሓደ ሰብ ከኣ ስራሕ ክረክብ ሓጊዙኒ እዩ። ፈተውተይ ወትሩ ኣብ ጐድነይ እዮም ነይሮም።”

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ደልፊን እውን ምስ ጽምዋ ተቓሊሳ እያ። ድሕሪ እቲ ዅሉ ዘጋጠማ ነገራት፡ “ካልኦት ሰባት ምስ ስድራ ቤቶም ኰይኖም ህይወቶም ኪመርሑ ኸለዉ እርኢ ነይረ፣ ኣነ ግና ብጽምዋ እየ ተበሊዐ ነይረ” ብምባል ተዘንቱ። ንደልፊን ዝሓገዘታ ጥቕሲ መዝሙር 68:6 እያ፦ “ኣምላኽ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ዚቕመጡሉ ቤት ይህቦም” ድማ ትብል። ደልፊን ከምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “እታ ጥቕሲ ቓል ብቓሉ ንቤት ጥራይ ከም ዘይተመልክት ፈሊጠ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ናይ ሓቂ ሕውነትን ስምዒታዊ ምትእስሳርን እንረኽበሉ፡ ናይ ሓቂ ቕሳነት ድማ ከም ዚስምዓና ዚገብር መንፈሳዊ ቤት ከም ዚህበና ተረዲአ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኸይቀረብኩዎ ንኻልኦት ክቐርቦም ከም ዘይክእል እውን ፈሊጠ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እታ ‘ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣ ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ’ እትብል መዝሙር 37:4 ሓጊዛትኒ እያ።”

ኣብ መደምደምታ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ናብ የሆዋ ኣጸቢቐ ክቐርብ ከም ዘሎኒ ተገንዚበ እየ። ከመይሲ፡ ንሱ እቲ ዝበለጸ ፈታዊ እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ምስ ዜፍቅሩ ሰባት ምሕዝነት ምእንቲ ኽምስርት፡ ምሳታቶም ተሓጒሰ ኽገብሮ ዝኽእል ዝርዝር ንጥፈታት ኣዳልየ። ኣብቲ ኻልኦት ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ነገራት ጥራይ ከተኵር፡ ንዘይፍጽምናኦም ድማ ሸለል ክብሎ እውን ተማሂረ እየ።”

ርግጽ እዩ፡ እቶም ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ፈተውትና ፍጹማት ኣይኰኑን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት ምስ እተፈላለየ ጸገማት ይቃለሱ እዮም። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚረኽብዎ ስልጠና ግና ንኻልኦት ብእተኻእሎም ኪሕግዝዎም ይድርኾም እዩ። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዕርክነት ክትምስርት ጥበባዊ እዩ። ግናኸ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸም ሕዱር ሕማምን ሓዘንን ዝኣመሰለ ሎሚ ኺፍታሕ ዘይከኣል ጸገማት እውን ክንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል ድዩ፧

ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ዚድግፉኻ ፈተውቲ ኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ