ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መላእኽቲ ብሓቂዶ ኣለዉ እዮም፧ ስለምንታይከ የገድሰና፧

መላእኽቲ ንህይወትካ ኺጸልውዎ ይኽእሉ ድዮም፧

መላእኽቲ ንህይወትካ ኺጸልውዎ ይኽእሉ ድዮም፧

ሰንበት ምሸት፡ ኣብ ኩራሳኦ ዚነብሩ ከነትን ፊሎሚናን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚመርሑሎም ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ኪበጽሕዎም ከዱ።

ከነት፡ “ኣብኡ ምስ በጻሕና፡ እቲ ገዛ ተዓጽዩ ጸኒሑና፣ እታ ማኪና እውን ኣይነበረትን። ገለ ነገር ግና ናብ ተሌፎን እታ ሰበይቲ ኽድውል ደሪኹኒ” ይብል።

እታ ሰበይቲ ነታ ተሌፎን ምስ ተቐበለታ፡ ሰብኣያ ኣብ ስራሕ ከም ዘሎ ገለጸትሎም። ከነትን ፊሎሚናን ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዘለዉ ምስ ፈለጠት ግና ናብ ማዕጾ ኸይዳ ኺኣትዉ ዓደመቶም።

ክትበኪ ኸም ዝጸንሐት ብኡብኡ ኣስተብሃሉ። ከነት ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ምስ ከፈቶ፡ እታ ሰበይቲ እንደገና ኽትበኪ ጀመረት። ስለዚ ድማ ከነትን ፊሎሚናን እንታይ ከም ዘጋጠማ ብሕያውነት ሓተትዋ።

እታ ሰበይቲ፡ በታ ምሸት እቲኣ ገዛእ ርእሳ ኽትቀትል ሓሲባ ኸም ዝነበረት፡ ንሰብኣያ ናይ ስንብታ ደብዳበ እናጸሓፈትሉ ኸላ ድማ ናይ ከነት ተሌፎን ደዊላ ኸም ዘቋረጸታ ገለጸትሎም። ብሕዱር ጭንቀት ትሳቐ ኸም ዝነበረት እውን ነገረቶም። ስለዚ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ ሓሳባት ኣካፈልዋ። በዚ ኸምዚ ህይወታ ደሓነ።

ከነት፡ “የሆዋነዛ እተጨነቐት ሰበይቲ ኽንሕግዛ ስለ ዘኽኣለና፡ ምናልባት እውን ብመልኣኽ ወይ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ኽንድውለላ ስለ ዝደረኸና ኣመስጊንናዮ ኢና” ይብል። *

ከነትን ፊሎሚናን፡ ኣምላኽ ብመልኣኽ ወይ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ጣልቃ ኸም ዝኣተወ ኺኣምኑስ ቅኑዕ ድዩ፡ ወይስ ከነት ኣብ ልክዕ ግዜ ምድዋሉ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ጥራይ እዩ ነይሩ፧

ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንሰባት ብመንፈሳዊ መገዲ ምእንቲ ኺሕግዞም መላእኽቱ ኸም ዚጥቀም ንፈልጥ ኢና። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ነቲ ክርስትያን ወንጌላዊ ዝነበረ ፊሊጶስ ናብ ሓደ መንፈሳዊ መምርሒ ኺረክብ ዚደሊ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ንምምራሕ መልኣኽ ከም እተጠቕመ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-31

እተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ልዕለ ባህርያዊ ሓይሊ ብዘለዎም መንፈሳውያን ፍጡራት ይኣምና እየን። ገለ ኻብዚኣቶም ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻም ወይ ሓለውቲ ውልቀ ሰብ ብምዃን ሰናይ ዚገብሩ ፍጡራት ከም ዝዀኑ ጌርካ እዮም ዚግለጹ። ብዙሓት ሰባት፡ መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት እዚኦም ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ኸም ዚጸልውዎም እውን ይኣምኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ዘይኣምኑ ብዙሓት ኣለዉ።

መላእኽቲ ብሓቂዶ ኣለዉ እዮም፧ እንተ ኣልዮም፡ ካበይ እዮም መጺኦም፧ ብዛዕባ መላእኽቲ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧ ንህይወትካኸ ኺጸልውዎ ይኽእሉ ድዮም፧ ነቲ መርትዖታት እስከ ንመርምሮ።

^ ሕ.ጽ. 8 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18