ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንወጻኢታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ንወጻኢታትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ኣብ ርእሲ እቲ ነጋዶ ንኽንዕድግ ዚገብሩልና ጸቕጢ፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ስምዒትን ልምድን እውን ክንቃለስ ኣሎና። ቀጺልና እስከ ንወጻኢታትና ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ሽዱሽተ ነጥብታት ንርአ።

  1. ብሃውሪ ኣይትዓድግ። ዕዳጋ ምኻድን ተዋጊኻ ብሕሱር ምዕዳግን የሐጕሰካዶ፧ ዜሐጕሰካ እንተ ዀይኑ፡ ብሃውሪ ኽትዕድግ ትፍተን ትኸውን። ነዚ ስምዒት እዚ ኽትቃወሞ እንተ ደሊኻ፡ ህድእ በል፣ ነቲ ምስ ምዕዳግን ምውናንን ምጽጋንን እቲ ኣቕሓ ዚተሓሓዝ ነገራት ከኣ ሕሰበሉ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሃውሪ ምስ ዓደግካ ዘጠዓሰካ ነገራት ዘክሮ። ናይ መወዳእታ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ግዜ ወሲድካ ሕሰብ።

  2. ካብ ኣሉታዊ ስምዒት ንምንጋፍ ኢልካ ጥራይ ኣይትዓድግ። ናብ ዕዳጋ ኼድካ ምዕዳግ ንግዜኡ ንኣሉታዊ ስምዒትካ ኼጥፍኦ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣሉታዊ ስምዒት ካልእ እዋን ኪምለስ ከሎ፡ ናብ ዕዳጋ ኼድካ ንኽትዕድግ ዝያዳ ድፍኢት ይሓድረካ ይኸውን። ስምዒትካ ንምምሕያሽ፡ ክትዕድግ ዘይኰነስ፡ ዚድግፉኻ ፈተውቲ ኸተናዲ ወይ ከኣ ከም ብእግሪ ምጕዓዝ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር እዩ ዘሎካ።

  3. ንምዝንጋዕ ኢልካ ኣይትዓድግ። ሎሚ ሎሚ፡ ዓበይቲ ቦታታት ዕዳጋ፡ ንሸመታ ናብ ምዝንጋዕ እየን ቀይረናኦ ዘለዋ። ንምዝንጋዕ ኢልካ ናብ ቦታታት ዕዳጋ ኽትከይድ ወይ ኣብ ኢንተርነት ሃሰውሰው ክትብል ከለኻ፡ እቲ ኣብኡ እትርእዮ ነገራት፡ ንኽትዕድግ ዚዕድም እዩ። ስለዚ፡ ንዕዳጋ ኽትከይድ ከለኻ፡ ነቲ ኽትዕድጎ ዝሓሰብካ ጥራይ ዓድግ።

  4. ኣዕሩኽካ ብጥበብ ምረጽ። ኣነባብራን ዕላልን ኣዕሩኽካ ንባህግታትካ ኣዝዩ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ከም ኣዕሩኽካ ምእንቲ ኽትከውን ኢልካ ብዙሕ ገንዘብ ተውጽእ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ገንዘብን ኣብ ጥሪትን ብዙሕ ትዅረት ዘይገብሩ ኣዕሩኽ ምረጽ።

  5. ንክረዲት ካርድኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ። ክረዲት ካርድ ብሸለልትነት ከም እትዕድግ እዩ ዚገብረካ። ንስኻ ግና ነቲ ምስ ክረዲት ካርድ ዚተሓሓዝ ክትከፍሎ ዘሎካ መጠን ገንዘብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምሉእ ብምሉእ ክትከፍሎ ጽዓር። ንመጠን ወለድን ንኽፍሊትን ክረዲት ካርድኻ ፍለጦ፣ ነቲ ዝሓሰረ ካርድ ምእንቲ ኽትረክብ ድማ፡ እተፈላለየ ክረዲት ካርድ ኣረኣኢ። ነቲ ዝለዓለ መጠን ልቓሕ ዘለዎን መኽሰብ ከም እትረክብ ዚመባጻዕን ዓይነት ክቡር ክረዲት ካርድ ተጠንቀቐሉ። ብክረዲት ካርድ ኣብ ክንዲ እትዕድግ፡ ገንዘብ ብምውህላል፡ ጥረ ገንዘብ ተጠቐም።

  6. ኵነታት ገንዘብካ ፍለጥ። ብዛዕባ ዅነታት ገንዘብካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ እዋናዊ መዝገብ ይሃሉኻ፣ ኵነታት ገንዘብካ ድማ ፍለጥ። ኣብ ኣታዊኻን ኣብ ሕሉፍ ተመክሮኻን ተመርኲስካ፡ ባጀት ኣውጽእ። ነቲ ዘውጻእካዮ መጠን ገንዘብ ድማ ምስቲ ባጀት ኣነጻጽሮ። ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ዘይተረድኣካ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ምእንቲ ኺሕግዘካ ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ሕተቶ።