ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንኽንደይ ዓመት ኢኻ ኽትነብር እትኽእል፧

ንኽንደይ ዓመት ኢኻ ኽትነብር እትኽእል፧

ሃርየት ብ2006 ክትመውት ከላ፡ ጓል 175 ዓመት እያ ነይራ። ሓቂ እዩ፡ ሃርየት ሰብ ኣይኰነትን። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዚርከብ መካነ እንስሳታት እትነብር ዝነበረት ጎብየ ጋላፓጎስ እያ። ምስቲ ናትና ንውሓት ዕድመ ኺወዳደር ከሎ፡ ሃርየት ነዊሕ ዓመት እያ ገይራ። ኰይኑ ግና፡ ንውሓት ዕድሚኣ ምስ ካልኦት ህያዋን ነገራት ኪወዳደር ከሎ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ኣይኰነን። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  • ኣብ ፊንላንድ ዚነብሩ ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ እቲ ኣብ ዘይጨዋም ማይ ዚርከብ ፐርል ሙሰል ዚብሃል ዛዕጐል፡ ን200 ዓመት ኪነብር ይኽእል እዩ።

  • ኣብ ውሽጢ ባሕሪ፡ ቦታ ብምፍሓር ዚነብር ክላም ዚብሃል እንስሳ፡ መብዛሕትኡ እዋን ልዕሊ 100 ዓመት ዚነብር እኳ እንተ ዀነ፡ ልዕሊ 400 ዓመት ኪነብር ከም ዚኽእል ዚገልጽ ጸብጻባት እውን ኣሎ።

  • ንኸም ብዓል ብሪስትልኮንን ሰኮያን ዝኣመሰሉ ዓሌት ጽሕዲ ዜጠቓልሉ እተፈላለዩ ዓይነት ኣእዋም፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም።

ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ህያዋን ፍጥረታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዚርከቡ ደቂ ሰብ፡ ንነዊሕ ዓመታት ንኺነብሩ ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ካብ 80 ወይ 90 ዓመት ኣይሓልፉን እዮም።

እሞኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣኺሉና ኻብ 80 ዓመት ክንሓልፍ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ድዩ፧ ወይስ ልዕሊኡ ኽንነብር ንኽእል ኢና፧ ብዙሓት ሰባት፡ ነዊሕ ዓመታት ናይ ምንባር መፍትሕ፡ ኣብ ኢድ ስነ ፍልጠትን ሕክምናዊ ተክኖሎጅን ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።

ስነ ፍልጠት ኪሕግዝ ይኽእል ድዩ፧

ስነ ፍልጠት ኣብ ዓውዲ ጥዕናን ሕክምናዊ ተክኖሎጅን ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ሳይንቲፊክ ኣመሪካን ዘርእስታ መጽሔት፡ “[ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡] ቍጽሪ እቶም ብሰንኪ ተላባዒ ሕማም ወይ ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ግዜ ውልደት ዜጋጥም ጸገማት ዚሞቱ ሰባት ኣዝዩ ሒደት እዩ። ሞት ሕጻናት እውን ካብ 1960 ንነጀው ብ75 ሚእታዊት ነክዩ እዩ” በለት። ዕድመ ኣብ ምንዋሕ ግና፡ ስነ ፍልጠት ብዙሕ ኣይተዓወተን። ካልእ ሕታም እታ ሳይንቲፊክ ኣመሪካን ዘርእስታ መጽሔት፡ “ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ እተገብረ ምርምር እውን እንተ ዀነ፡ እርጋን ምስጢር እዩ ዀይኑና ዘሎ” በለት። ይኹን እምበር፡ “መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ንዕቤት ዋህዮታት ዚቈጻጸር ጂናዊ መምርሒታት ብግቡእ ምስራሕ ኬቋርጽ ከሎ እዩ እርጋን ዜጋጥም።” እታ መጽሔት ኣስዕብ ኣቢላ፡ “እርጋን ብቐንዱ ምስ ጂን ዚተሓሓዝ መስርሕ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ መዓልቲ፡ እርጋን ዘይህልወሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ” በለት።

“ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ እተገብረ ምርምር እውን እንተ ዀነ፡ እርጋን ምስጢር እዩ ዀይኑና ዘሎ”

ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ንጠንቂ እርጋንን ምስ እርጋን ተተሓሒዙ ዚመጽእ ሕማማትን ንምፍላጥ ኣብ ዚገብርዎ ዘለዉ ምርምር፡ ኢፒጀነቲክስ ዚብሃል ዓውዲ የጽንዑ ኣለዉ። ኢፒጀነቲክስ እንታይ እዩ፧

ህያዋን ዋህዮታት፡ ሓደስቲ ዋህዮታት ንምድላው ዜድሊ ጀነቲካዊ ሓበሬታ ዝሓዙ እዮም። መብዛሕትኡ እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ኣብ ጂኖም እዩ ዚርከብ፣ እዚ ጂኖም ዚብል ቃል እዚ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሓደ ዋህዮ ዚርከብ ዲ.ኤን.ኤ. እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ውሽጢ ዋህዮ ኣብ ዜጋጥም ካልእ እተፈላለየ መስርሓት ኬተኵሩ ጀሚሮም ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ኢፒጂኖም ይብሃል፣ እዛ ቓል እዚኣ፡ “ልዕሊ ጂኖም” ማለት ክትከውን ትኽእል እያ። ስለዚ እምበኣር፡ ኢፒጀነቲክስ፡ ብዛዕባ እዚ እተጠቕሰ ሓባራዊ መስርሓትን ብዛዕባ ከሚካዊ ዕዮኡን ዚግበር መጽናዕቲ እዩ።

እቲ ነቲ ኢፒጂኖም ዜቕውም ሞለክዩላት፡ ምስ መልክዕ ዲ.ኤን.ኤ. ፈጺሙ ኣይመሳሰልን እዩ። ዲ.ኤን.ኤ. ንእተጠዋወየ መሳልል እዩ ዚመስል፣ ኢፒጂኖም ግና ምስ ዲ.ኤን.ኤ. ዚጣበቕ ከሚካዊ ምንቅስቓሳት ዚቈጻጸር ምልክት እዩ። ዕዮ ኢፒጂኖም እንታይ እዩ፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንናይ ሙዚቃ ኦርኬስትራ ዚመርሖም፡ ኢፒጂኖም ከኣ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. ዚርከብ ጀነቲካዊ ሓበሬታ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ኸም ዚውዕል እዩ ዚቈጻጸር። እቲ ሞለክዩላዊ ምልክታት፡ ብመሰረት እቲ ነቲ ዋህዮ ዜድልዮ ነገራት ከምኡውን ከም ምግብን ጭንቀትን መርዝን ንዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንእተወሰኑ ጕጅለ ጂን ይኸፍቶም ወይ ይዓጽዎም። ምስ ኢፒጂኖም ዚተሓሓዝ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽበ ርኽበታት፡ ነቲ ብዛዕባ ባዮሎጅያዊ ስነ ፍልጠት፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ምስ ኢፒጂኖም ዚተሓሓዝ ብዛዕባ ገሊኡ ሕማማትን ብዛዕባ እርጋንን ዝነበረ ኣረኣእያ ቐዪርዎ እዩ።

ተመራማሪት ኢፒጀነቲክስ ዝዀነት ኒሳ ካሪ፡ “[ምስ ኢፒጀነቲክስ ዚተሓሓዝ ረቛሒታት] ጠንቂ ሕማም ኣእምሮን ሪሕን ከምኡውን ጠንቂ መንሽሮን ሕዱር ቃንዛን እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ኣብ እርጋን እውን ዓብዪ ግደ ኣለዎ” በለት። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኢፒጀነቲክስ ዚግበር ምርምር፡ ጥዕና ኣብ ምምሕያሽን ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ሕማማት ኣብ ምቅላስን ውጽኢታዊ ኪኸውን፡ ንህይወት ድማ ኬናውሕ ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና፡ ምስ ኢፒጀነቲክስ ዚተሓሓዝ ዓብዪ ለውጢ ኣይተገብረን። ካሪ፡ ‘ሕጂ እውን ከም ቀደምና ንእርጋን “ብዙሕ ኣሕምልቲ ምብላዕ” ከምኡውን “ብዙሕ ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባር” ኢና ኽንቃለሶ ዘሎና’ በለት።

ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት ንምንባር ክንድዚ ሒዅ ዚብሉ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ ስለምንታይ ኢና ንዘለኣለም ክንነብር እንደሊ፧ ኣብ ብሪጣንያ እትሕተም ዘ ታይምስ እትብሃል ጋዜጣ፡ “ዘለኣለማውነት፡ ትንሳኤ፡ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ወይ ሪኢንካርነሽን እናበልና ኻብ ሞት ክንሃድም ፋሕተርተር እንብል ስለምንታይ ኢና፧” ዚብል ሕቶ ኣቕሪባ ነበረት። ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ፡ መልሲ እታ ሕቶ፡ ንቐንዲ ጠንቂ እርጋን ዜብርህ እዩ።

ንዘለኣለም ክንነብር እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

ብዙሓት ኣስተውዓልቲ ሰባት፡ ንኣሽሓት ዓመታት ነዛ ሕቶ እዚኣ ኺምልስዋ ጽዒሮም እዮም። እሞኸ ምስ ተፈጥሮናን ምስቲ ንዘለኣለም ንኽንነብር ዘሎና ባህግን ዚሳነ ርትዓውን ዜዕግብን መልሲ ተረኺቡዶ፧ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣፎም መሊኦም ‘እወ’ ኢሎም ይምልሱ እዮም። ስለምንታይ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብኣዊ ባህርይ ዚገልጽ ዜዕግብ መልሲ ስለ ዝረኸቡ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ደቂ ሰብ ምስ ካልኦት ፍጥረታት ዜመሳስሎም ነገር እኳ እንተ ሃለዎም፡ እተፈልዩ ምዃኖም ብንጹር ገሊጹ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዘፍጥረት 1:27 ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብመልክዑ ኸም ዝፈጠሮም ነንብብ ኢና። ብኸመይ፧ ፍቕርን ፍትሕን ጥበብን ኬርእዩ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንባዕሉ ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ውሽጥና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ተኺሉልና እዩ። መክብብ 3:11፡ “ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ትብል።

ሓንጎልና ንኺፈልጥ ዘለዎ ዓቕሚ፡ ደቂ ሰብ ካብዚ ሕጂ ዚነብሩሉ ዓመታት ንላዕሊ ኺነብሩ ኸም እተፈጥሩ ዚሕብር ሓደ ተፈጥሮኣዊ መርትዖ እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዘ ብረይን ኤንድ ብረይን ዲስኦርደርስ (ኢንሳይክሎፔድያ ሓንጎልን ሕማማት ሓንጎልን) ከም ዝገለጾ፡ ሓንጎልና ዘለዎ ናይ ምዝካር ዓቕሚ፡ “ደረት ኣልቦ እዩ።” ንኽንጥቀመሉ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ከምኡ ዓይነት ዓቕሚ ምሃለወናዶ፧ ስለዚ እምበኣር፡ ደቂ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ንዓታቶም ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ እዮም ዜንጸባርቑ። ስለምንታይ ደኣ ኢና እሞ እንኣርግን እንሳቐን እንመውትን፧

ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧

እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ፍጹም ኣካልን ናይ ምምራጽ ናጽነትን ነበሮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ካብ ፈጣሪኦም ብምዕላው፡ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብዘይ ግቡእ ተጠቕሙሉ። a (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:6-11) እቲ ዘይተኣዛዝነቶም ወይ ሓጢኣቶም ድማ፡ ዓሚቝ ጸጸትን ውርደትን ኣስዓበሎም። ኣካላቶም ስለ እተበላሸወ ኸኣ፡ ኣሪጎም ሞቱ። ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:56፡ “መንደፍ ሞትሲ ሓጢኣት እዩ” ትብል።

ብመሰረት እቲ ንውርሻ ዚምልከት ተፈጥሮኣዊ ሕጊ፡ ኵሎም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ዘይፍጽምናን ሓጢኣት ወይ ጌጋ ናይ ምግባር ባህርይን ወሪሶም እዮም። ሮሜ 5:12፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ” ትብል።

እሞኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም ንኽእል፧ ምስጢር ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ኣብ ቤተ ምከራ ኺርከብ ኣይከኣልን እዩ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነቲ ሓጢኣት ዜምጽኦ ጕድኣት ኬጥፍኦ ዚኽእል። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኺገብር ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እወ’ ዚብል መልሲ እዩ ዚህብ።

“ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ”

ኣምላኽ ንሓጢኣትን ሞትን ንምጥፋእ፡ ድሮ ዓብዪ ስጕምቲ ወሲዱ ኣሎ። ንየሱስ ክርስቶስ፡ ህይወቱ ኣብ ክንዳና ንኺህብ ልኢኽዎ እዩ። ሞት የሱስ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ፍጹም ኰይኑ ስለ እተወልደ፡ “ሓጢኣት ኣይገበረን።” (1 ጴጥሮስ 2:22) ስለዚ፡ ንዘለኣለም ዚጸንሕ ፍጹም ህይወት ናይ ምርካብ መሰል ነበሮ። እሞኸ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ብኸመይ ተጠቕመላ፧ ንሓጢኣትና ንምድምሳስ፡ ብፍታው ህይወቱ ሃበ። እወ፡ የሱስ ንህይወቱ፡ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ገይሩ ሃበ። (ማቴዎስ 20:28) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቲ በጃ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኺውዕል እዩ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመካ፧ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ፦

  • “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።”—ዮሃንስ 3:16

  • “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8

  • “እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።”1 ቈረንቶስ 15:26

  • “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ . . . እዩ፣ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን . . . እዩ።”ራእይ 21:3, 4

ንኽንደይ ዓመት ኢኻ ኽትነብር እትኽእል፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ንጹር እዩ፣ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልዎም ይኽእል እዩ፣ እዚ ተስፋ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኻብ ኵሉ ኽፍኣት ምስ ኣጽረያ ኺፍጸም እዩ። (መዝሙር 37:28, 29) የሱስ ነዚ ተስፋ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ እዩ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ዝበሎ።—ሉቃስ 23:43

እወ፡ እቲ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ንምንባር ዘለዎም ባህጊ፡ ርትዓውን ባህርያውን እዩ። ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ብዘይካዚ፡ ነቲ ባህግና ኺፍጽሞ እዩ። (መዝሙር 145:16) ይኹን እምበር፡ ንሕና እውን እጃምና ኽንገብር ኣሎና። ንኣብነት፡ ብኣምላኽ ክንኣምን ኣሎና። እብራውያን 11:6፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ” ትብል። ከምዚኣ ዓይነት እምነት፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ምስ ምእማን እተተሓሓዘት ኣይኰነትን፣ የግዳስ፡ ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እያ። (እብራውያን 11:1) ከምኣ ዓይነት እምነት ክትህልወካ እንተ ደሊኻ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘራርቦም፣ ወይ ከኣ ነቲ www.dan124.com ዚብል ወብ ሳይትና ርኣዮ።

a ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን፡ ንኣምላኽ ዚምልከት ረዚን ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ከም ዚለዓል ገይሩ እዩ። እዚ ጕዳያት እዚ፡ ኣምላኽ ንግዜኡ እከይ ኪህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ዜብርህ እዩ፣ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ መጽሓፍ ድማ ተገሊጹ ኣሎ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ www.dan124.com ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።