ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ሃሎዊን—ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ

ሃሎዊን—ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ

ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ፡ በዓል ሃሎዊን ይብዓል ድዩ፧ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ካናዳን፡ ሃሎዊን ህቡብን በብዓመቱ ብ31 ጥቅምቲ ዚብዓልን በዓል እዩ። ኣብቲ በዓል ዚግበር ነገራት ግና፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም እውን ይግበር እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ስማት እቲ በዓል እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ ፍረ ነገሩ ግና ተመሳሳሊ እዩ፣ ብመናፍስቲ ምዉታት ኣቢልካ ምስ መንፈሳዊ ዓለም ምርኻብ፡ ደቂ ሕድርትና፡ ጠንቈልቲ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ድያብሎስን ኣጋንንትን ዜጠቓልል እዩ።—ነታ፡  “ኣብ መላእ ዓለም ዚብዓል ምስ ሃሎዊን ዚመሳሰል በዓላት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ብውልቅኻ ልዕለ ባህርያውያን ኣብ ዝዀኑ መናፍስቲ ኣይትኣምንን ትኸውን። ምናልባት ኣብ ሃሎዊንን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝበለ በዓላትን ምክፋል፡ ከም መዘናግዕን ንደቅኻ ነቲ ናይ ምምሃዝ ክእለቶም ንኺጥቀሙሉ ኸም እትምህረሉ ኣጋጣምን ጌርካ ጥራይ ትርእዮ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት፡ ነቲ በዓላት ከም ጐዳኢ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፦

  1. ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣመሪካን ፎልክሎር፡ “ሃሎዊን ብቐንዱ ምስ መብዛሕትኦም እቶም ዜጕባዕብዑ ወይ ዜፍርሁ መንፈሳውያን ሓይልታት ኣብ ምርኻብ ዘተኰረ እዩ” በለ። (ነታ፡  “ሰሌዳ ግዜ ሃሎዊን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ምስ ሃሎዊን ዚመሳሰል ብዙሕ በዓላት እውን፡ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎን ኣብ ኣምልኾ ኣቦሓጎታት እተመስረተን እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ኣብተን እቲ በዓላት ዚብዓለለን መዓልትታት ምስ መናፍስቲ ምዉታት ኪራኸቡ ይጽዕሩ እዮም።

  2. ሃሎዊን ከም ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዚብዓል በዓል ጌርካ እኳ እንተ ተራእየ፡ በብዓመቱ ቝጽረን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሃገራት፡ ነቲ በዓል ይቕበላኦ ኣለዋ። መብዛሕትኦም ተኻፈልቲ እቲ በዓል ግና፡ እቲ ምስ ልዕለ ባህርያውያን ኣካላትን ምስ ስሒራዊ ሓይልታትን ዚተሓሓዝ ምልክታትን መመላኽዒታትን ልምድታትን ሃሎዊን፡ ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ ኣይፈልጡን እዮም።—ነታ፡  “ካበይ እዩ መጺኡ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

  3. ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ዊካውያን ዚብሃሉ ጽምብላት ጥንታውያን ሰልታውያን ዚስዕቡ ሰባት፡ ንሃሎዊን በቲ ናይ ጥንቲ ስሙ “ሳምሃይን” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ፣ ከም ኣዝዩ ቕዱስ ምሸት ገይሮም ከኣ እዮም ዚርእይዎ። ዩ.ኤስ.ኤ. ቱደይ እትብሃል ጋዜጣ፡ ሓደ ህቡብ ጠንቋሊ፡ “ክርስትያናት ‘ኣይተረድኦምን ደኣ እምበር፡ ምሳና ዀይኖም እዮም በዓልና ዜብዕሉ፣ . . . ንሕና በዚ ሕጉሳት ኢና’” ኸም ዝበለ ገሊጻ ነበረት።

  4. ከም ሃሎዊን ዝኣመሰሉ በዓላት፡ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጨዉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ” ኢሉ እዩ ዜጠንቅቕ።—ዘዳግም 18:10, 11፣ ዘሌዋውያን 19:31፣ ገላትያ 5:19-21

ብመሰረት እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነጥብታት፡ ብዛዕባ ሕማቕ መበቈል ሃሎዊንን ካልእ ተመሳሳሊ በዓላትን ክትፈልጥ ኣሎካ። ምናልባት ምሉእ ምርዳእ ምጥራይካ፡ ምስቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ በዓላት ዘይካፈሉ ሰባት ንኽትሓብር ይድርኸካ ይኸውን።

“ክርስትያናት ‘ኣይተረድኦምን ደኣ እምበር፡ ምሳና ዀይኖም እዮም በዓልና ዜብዕሉ፣ . . . ንሕና በዚ ሕጉሳት ኢና።’”—ዩ.ኤስ.ኤ. ቱደይ እትብሃል ጋዜጣ ንሓደ ህቡብ ጠንቋሊ ብምጥቃስ ዝበለቶ

a እታ “ሃሎው” እትብል ቃል፡ “ቅዱሳት” (ሰይንት) ዝትርጕማ ናይ ቀደም ናይ እንግሊዝኛ ቓል እያ። እቲ “ኦል ሰይንትስ ደይ” ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ “ኦል ሃሎውስ ደይ” (“መዓልቲ ዅላቶም ቅዱሳት”) ዚብሃል በዓል፡ ነቶም ዝሞቱ ቕዱሳት ሰባት ንምኽባር ዚግበር በዓል እዩ። እታ ድሮ እቲ በዓል ዘላ ምሸት፡ ኦል-ሃሎው-ኢቭን ተባሂላ እያ እትጽዋዕ ነይራ፣ እዚ ኸኣ ጸኒሑ ብሓጺሩ ሃሎዊን ተባሂሉ ኺጽዋዕ ጀመረ።