ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንመራኸቢ ብዙሓን ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

ንመራኸቢ ብዙሓን ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

ብዙሓት ሰባት፡ በቲ ኣብ ዜና ዜንብብዎን ዚሰምዕዎን ነገራት ይጠራጠሩ እዮም። ንኣብነት፡ ብ2012 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ ፍቕዲ ድምጺ ጋለፕ፡ እቶም ተኻፈልቲ፡ እቲ ኣብ ጋዜጣታትን ኣብ ተለቪዥንን ኣብ ረድዮን ዚቐርብ ጸብጻባት ዜና፡ ልክዕን ሚዛናውን ምሉእን ኰይኑ ዚስምዖም እንተ ዀይኑን ‘ክሳዕ ክንደይ ከም ዚተኣማመኑሉን’ ተሓቲቶም ነበሩ። ካብ ዓሰርተ እቶም ሽዱሽተ፡ “ብዙሕ ከም ዘይተኣማመኑሉ” ወይ ከኣ “ፈጺሞም ከም ዘይተኣማመኑሉ” ገለጹ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ምጥርጣር እዚ ኣብ ብቑዕ ምኽንያት እተመርኰሰ ድዩ፧

ብዙሓት ጋዜጠኛታትን እቲ ዚሰርሑሉ ውድባትን፡ ልክዕን ሓበሬታውን ጸብጻባት ከም ዚህቡ ቓል ይኣትዉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ዜተሓሳስበና ነገር ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ረቛሒታት እስከ ንርአ፦

  • ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ንቐንዲ ምንጪ ጸብጻባት ዜና ዚቈጻጸራኦ ሒደት ግናኸ ሓያላት ማዕከናት ዜና ኣለዋ። እዘን ማዕከናት ዜና እዚአን፡ ኣየናይ ጸብጻባት ከም ዚቐርብን ብኸመይ ከም ዚቐርብን ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጐልሕን ኣብ ምውሳን ሓያል ጽልዋ ኣለወን። ዕላማ መብዛሕትአን ማዕከናት ዜና ንመኽሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ምስ ጸብጻባት ዜና ተተሓሒዙ ዚግበር ውሳነ፡ ኣብ ገንዘባዊ ጥቕሚ ዘተኰረ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንመኽሰብ እተን ማዕከናት ዜና ዚጐድእ ጸብጻብ ከይቀረበ ኺተርፍ ይኽእል እዩ።

  • መንግስትታት መብዛሕትኡ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እንሰምዖ ዜና፡ ምስ ህዝብን ምስ ጕዳያት መንግስትን ዚተሓሓዝ እዩ። መንግስትታት ድማ ንህዝበን፡ ነቲ ንሳተን ዜውጽኣኦ ፖሊሲታትን ነቶም ብኣታተን ዚሽየሙ ሰበ ስልጣናትን ንኺድግፍ ኬእምናኦ እየን ዚደልያ። ማዕከናት ዜና ንሓበሬታአን ካብ መንግስቲ ስለ ዚረኽባኦ፡ ሓድሓደ ግዜ ጋዜጠኛታትን መንግስትን ንሓድሕዶም ይተሓባበሩ እዮም።

  • መወዓውዒ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዚርከባ ማዕከናት ዜና፡ ስራሐን ንኼካይዳ ናይ ግድን ገንዘብ የድልየን እዩ፣ መብዛሕትኡ እዚ ገንዘብ እዚ ኸኣ ካብ መወዓውዒ እዩ ዚርከብ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብ 50 ክሳዕ 60 ሚእታዊት ዚኸውን ኣታዊ መጽሔታትን 80 ሚእታዊት ዚኸውን ኣታዊ ጋዜጣታትን 100 ሚእታዊት ዚኸውን ኣታዊ ተለቪዥንን ረድዮን ካብ መወዓውዒ እዩ ዚርከብ። መወዓዋዕቲ ኸኣ፡ ነቲ ዚሸጥዎ ፍርያት ወይ ከኣ ንምምሕዳሮም ዜቈናጽብ መደባት ኪምዉሉ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ማዕከን ዜና ዚገብሮ ዘሎ እንተ ዘየሐጒስዎም፡ ናብ ካልእ ማዕከን ዜና ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም። ኣሰናዳእቲ ዜና ነዚ ስለ ዚፈልጡ፡ ነቶም ዚምውልዎም ትካላት ዜነኣእስ ዝዀነ ይኹን ዜና ኸም ዘይቀርብ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።

  • ቅጥፈት ኵሎም ጋዜጠኛታት ቅኑዓት እዮም ማለት ኣይኰነን። ገሊኣቶም ናይ ሓሶት ጸብጻባት የቕርቡ እዮም። ንኣብነት፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ሓደ ጃፓናዊ ጋዜጠኛ፡ እቶም ናብ ባሕሪ ዚጠልቁ ሰባት ነቲ ኣብ ኦኪናዋ ዚርከብ መርጀን ብኸመይ ከም ዜበላሽውዎ ዚገልጽ ጸብጻብ ኬቕርብ ደለየ። እተበላሸወ መርጀን ምስ ሰኣነ ግና፡ ንእተወሰነ መርጀን ባዕሉ ኣበላሽዩ ስእሊ ሰኣሎ። ንህዝቢ ንምትላል፡ ትምዩን ስእልታት ኪዳሎ ይኽእል እዩ። ንስእልታት ከም ድላይካ ንኽትገብሮ ዜኽእል ተክኖሎጂ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እናዀነ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ገሊኡ ትምዩን ስእልታት ናይ ሓቂ እዩ ዚመስል።

  • ኣቀራርባ ዜና ገሊኡ ዜና ሓቅነቱ እተረጋገጸ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዚቐርበሉ መገዲ ግና፡ ማለት “ኣብቲ ዜና ኣየናይ ሓቅታት እዩ ኪቐርብ ዘለዎ፧ ኣየናይከ እዩ ኺተርፍ ዘለዎ፧” ዚብል ሕቶታት ኣብ ርእይቶ እቲ ጋዜጠኛ እዩ ዚምርኰስ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ጋንታ ዅዕሶ እግሪ ብኽልተ ጎል ትሰዓር ትኸውን። እዚ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እታ ጋንታ እተሳዕረትሉ ምኽንያት ከከም እቲ ዜቕርቦ ጋዜጠኛ ኺፈላለ ይኽእል እዩ።

  • ምጕዳል ሓበሬታ ኣዝዩ ዚስሕብ ዜና ንምቕራብ ኣብ ዚግበር ምሽብሻብ፡ ጋዜጠኛታት ነቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ወይ ከኣ ጥርጣረታት ኬስዕብ ዚኽእል ዝርዝር ጕዳያት ይገድፍዎ እዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ገሊኡ ሓቅታት ኣመና ይጋነን፡ ገሊኡ ኸኣ ከምቲ ግቡእ ከይቀረበ ይተርፍ። ኣቕረብቲ ዜናን ጋዜጠኛታትን ንሓደ ሕልኽልኽ ዝበለ ጸብጻብ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ኬቕርብዎ ስለ ዚግደዱ፡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ኪጐድል ይኽእል እዩ።

  • ውድድር ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ቍጽሪ ማዕከናት ዜና ኣዝዩ ስለ ዝበዝሐ፡ ህዝቢ ንሓንቲ መደበር ተለቪዥን ዚርእየሉ ዝነበረ ግዜ ነክዩ እዩ። ስለዚ፡ ሓደስቲ መደበራት ተለቪዥን፡ ኣቓልቦ ተዓዘብተን ሒዘን ምእንቲ ኪቕጽላ፡ ፍሉይ ወይ ከኣ ዜዘናግዕ ነገራት ኬቕርባ ይግደዳ እየን። ሜድያ ባያዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “እቲ ኣብ [ተለቪዥን] ዚቐርብ ዜና፡ ንተዓዘብቲ ኼሰንብዶም ወይ ስምዒቶም ኬለዓዕል ብዚኽእል ብዙሕ ስእልታት ዝመልአ እዩ፣ እቲ ጸብጻባት ዜና ድማ ነቶም [ብዙሕ ዓቕሊ ዘይብሎም] ተዓዘብቲ ተባሂሉ፡ ብዝያዳ ኸም ዚሓጽር እዩ ዚግበር።”

  • ጌጋታት ጋዜጠኛታት እውን ሰባት ስለ ዝዀኑ፡ ከይፈለጡ ኺጋገዩ ይኽእሉ እዮም። ብጌጋ እተጻሕፈ ቓል፡ ኣብ ዘይግቡእ ቦታኡ ዝኣተወ ስርዓተ ነጥቢ፡ ወይ ከኣ ግጉይ ሰዋስው፡ ንትርጕም ሓደ ምሉእ ሓሳብ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ገሊኡ ሓቅታት ብጥንቃቐ ምርምር ዘይተገብረሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ኣሃዛት ብእተተሓሓዘ እውን ጌጋታት ኬጋጥም ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ሓደ ጋዜጠኛ ንሓደ ጸብጻብ ኣብ እዋኑ ንኺዛዝሞ ኺጓየ ኸሎ፡ ኣብ ክንዲ 100,000 ኢሉ ዚጽሕፍ፡ 10,000 ኪብል ይኽእል እዩ።

  • ግጉይ ግምታት ከምቲ ገሊኣቶም ዚሓስብዎ፡ ጸብጻብ ብልክዕ ምቕራብ ቀሊል ኣይኰነን። ሎሚ ኸም ሓቂ ጌርካ ዚርአ ነገራት፡ ኣብ መጻኢ ሓሶት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን፡ ምድሪ ኣብ ማእከል እዚ ዘለናሉ ስርዓተ ጸሓይ ከም ዘላ ጌርካ ይእመን ነበረ። ሕጂ ግና፡ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር ንፈልጥ ኢና።

ሚዛንና ንሓሉ

ንብምሉኡ እቲ ኣብ ዜና እነንብቦ ነገራት ክንኣምኖ ጥበባዊ ኣይኰነን፣ ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ፈጺምና ኽንኣምኖ እንኽእል የልቦን ማለት ኣይኰነን። ጥንቁቓት ክንከውን ከም ዘሎና ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ክፉት ኣእምሮ እውን ኪህልወና ኣለዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዘስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧” ይብል። (እዮብ 12:11) ነቲ እንሰምዖን እነንብቦን ቃላት ንኸነለልዮ ኺሕግዘና ዚኽእል ገለ ነጥብታት እስከ ንርአ፦

  • ዜቕርቦ ኣካል፦ እቲ ጸብጻብ ካብ ኪእመን ዚኽእል ሰብ ወይ ውድብ ድዩ ቐሪቡ፧ እቲ መደብ ወይ እቲ ሕታም፡ ርዝነት ዘለዎ ጸብጻብ ብምቕራብ ድዩ ዚፍለጥ ወይስ ብስምዒት እዩ ዚምራሕ፧ ነቲ ማዕከን ዜና ዚምውሎ መን እዩ፧

  • ምንጪ፦ ዓሚቝ ምርምር ከም እተገብረሉ ዚሕብር መርትዖ ኣሎ ድዩ፧ እቲ ጸብጻብ ኣብ ሓደ ምንጪ ጥራይ እተመርኰሰ ድዩ፧ ምንጩኸ ዜተኣማምንን ፍትሓውን ልክዕን ድዩ፧ ሚዛናዊ ጸብጻብ ድዩ ዚህብ ወይስ ንሓደ ርእይቶ ንምድጋፍ ተባሂሉ እዩ ተመሪጹ፧

  • ዕላማ፦ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ፦ ‘ዕላማ እዚ ዜና እዚ፡ ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ድዩ ወይስ ንምዝንጋዕ፧ ሓደ ምህርቲ ኸም ዚሽየጥ ወይ ከኣ ሓደ ነገር ከም ዚድገፍ ኪገብር ድዩ ዚጽዕር ዘሎ፧’

  • ዚፈጥሮ ስምዒት፦ እቲ ዜና፡ ቍጥዐን ጽልእን ሓያል ነቐፌታን ብዜንጸባርቕ መገዲ እንተ ቐሪቡ፡ ሚዛናዊ ጸብጻብ ኪህብ ዘይኰነስ፡ ንሓደ ነገር ኬጥቅዕ ተባሂሉ እዩ ዚቐርብ ዘሎ።

  • ስኒት፦ እቲ ዚቐርብ ዘሎ ሓቅታት፡ ምስቲ ኣብ ካልእ ዓንቀጻት ዘሎ ሓሳባት ወይ ምስ ካልእ ጸብጻባት ይሳነ ድዩ፧ እቲ ጸብጻባት ንሓድሕዱ ዚጋጮ እንተ ዀይኑ፡ ተጠንቀቐሉ!

  • እዋናዊ፦ እቲ ሓበሬታ እዋናዊ ድዩ፧ ቅድሚ 20 ዓመት ከም ቅኑዕ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ነገራት፡ ሎሚ ዘይረብሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰበር ዜና ይቐርብ እንተ ኣልዩ፡ እቲ ሓበሬታ ምሉእን ሰፊሕን ከይከውን ይኽእል እዩ።

እሞኸ ንመራኸቢ ብዙሓን ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧ ካብቲ ሰሎሞን ዝጸሓፎ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት፡ ጽቡቕ ምኽሪ ኽንረክብ ንኽእል ኢና፣ ንሱ፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” በለ።—ምሳሌ 14:15