ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧

ሓገዝ ስለ ዘሎ

ሓገዝ ስለ ዘሎ

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7

ኵነታትካ ኸተመሓይሽ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ ብህይወት ምንባር፡ ሙማት ዝሓሸ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ኪሕግዘካ ዚኽእል መገዲ ንርአ።

ጸሎት። ጸሎት፡ ጽቡቕ ንኺስምዓካ ዚሕግዝ መገዲ ጥራይ ኣይኰነን፣ ወይ ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ እትጥቀመሉ መገዲ ኣይኰነን። ምስ የሆዋ a፡ ማለት ምስቲ ብዛዕባኻ ዚሓሊ ኣምላኽ እትራኸበሉ መትረብ እዩ። የሆዋ ሻቕሎትካ ኽትነግሮ ይደልየካ እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ይብለና እዩ።—መዝሙር 55:22

ንኣምላኽ ሎሚ ብጸሎት ንምንታይ ዘይትዛረቦ፧ ነቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ተጠቐም፡ ናይ ልብኻ ኣውጺእካ ድማ ተዛርቦ። (መዝሙር 62:8) የሆዋ፡ ከም ፈታዊ ጌርካ ኽትፈልጦ እዩ ዚደልየካ። (ኢሳይያስ 55:6፣ ያእቆብ 2:23) ጸሎት ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ክትጥቀመሉ እትኽእል መትረብ እዩ።

ርእሰ ቕትለት ንምክልኻል ረድኤት ዚህብ ትካል ኣመሪካ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፡ “ብርእሰ ቕትለት ዝሞቱ መብዛሕትኦም ሰባት—90% ወይ ዝያዳ—ኣብ እዋን ሞቶም ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዝነበሮም . . . መጽናዕቲ ይሕብር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማም ኣቐዲሙ ኣይተፈልጠን፡ ኣይተመርመረን፡ ወይ እኹል ሕክምና ኣይተገብረሉን”

ዚግደሱልካ ሰባት። ብህይወት ምንባርካ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ንኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ንፈተውትኻ የገድሶም እዩ፣ ድሮ እኳ ከም ዚግደሱልካ ነጊሮምኻ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካ እዚኣቶም፡ ቅድሚ ሕጂ ረኺብካዮም ዘይትፈልጥ ግናኸ ዚግደሱልካ ሰባት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣገልግሎት ኪኸዱ ከለዉ፡ ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት የጓንፍዎም እዮም። ገለ ኻብዞም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት፡ ሓገዝ ይደልዩን ህይወቶም ኬጥፍኡ ይሓስቡን ኸም ዝነበሩ ገሊጾም እዮም። እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዞም ሰባት እዚኦም ንኺሕግዝዎም ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ብዛዕባ ብጾቶም ይግደሱ እዮም። ብዛዕባኻ እውን ይግደሱ እዮም።—ዮሃንስ 13:35

ሓገዝ ሰብ ሞያ። ሓደ ሰብ፡ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብጭንቀት ይሳቐ ኸም ዘሎ ዜመልክት እዩ። ከምቲ ኣካላዊ ሕማም ኬጋጥመካ ኸሎ ዘየሕፍረካ፡ ብጭንቀት ትሳቐ እንተ ኣሊኻ እውን ኬሕፍረካ የብሉን። ጭንቀት ኣዝዩ ልሙድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ እኳ፡ “ጉንፋዕ ኣእምሮ” ተባሂሉ ኣሎ። ኵሉ ሰብ ጭንቀት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ፣ ኪሕከም እውን ይኽእል እዩ። b

ነዚ ዘክሮ፦ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ ዓሚቝ ጕድጓድ ምስ እትኣቱ ብገዛእ ርእስኻ ኽትወጽእ ዘይትኽእል፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብ ጭንቀት ብገዛእ ርእስኻ ኽትገላገል ኣይኽእልን ኢኻ። ብሓገዝ ካልኦት ግና፡ ክትገላገል ትኽእል ኢኻ።

ሎሚ ኽትገብሮ እትኽእል፦ ከም ጭንቀት ንዝኣመሰለ ሕማም ኣእምሮ ኺሕክም ዚኽእል ፍሉጥ ሓኪም ድለ።

a የሆዋ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።

b ርእሰ ቕትለት ንኽትፍጽም ብተደጋጋሚ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ናብ ትካል ሕክምና ኣእምሮ ብምኻድ ሓገዝ ኪውሃበካ ሕተት። ኣብዚ ትካል እዚ፡ ሓገዝ ንኺህቡ ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣለዉ።