ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ብሞባይል መልእኽቲ ኽትልእኽ ከለኻ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ጠባይ ከም እተርኢ

ብሞባይል መልእኽቲ ኽትልእኽ ከለኻ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ጠባይ ከም እተርኢ

ጸገም

ምስ ፈታዊኻ ብኣካል ተራኺብኩም ከተዕልል ከለኻ፡ ብሞባይልካ መልእኽቲ መጺኡካ ንበል። እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

  1. ሀ፦ ምስ ፈታዊኻ እናተዛረብካ ነቲ መልእኽቲ ተንብቦ።

  2. ለ፦ ንፈታዊኻ “ይቕረታ” ኢልካ፡ ነቲ መልእኽቲ ተንብቦ።

  3. ሐ፦ ነቲ መልእኽቲ ሸለል ኢልካ፡ ምስ ፈታዊኻ ዕላልካ ትቕጽል።

እቲ እትገብሮ ምርጫ የገድስ ድዩ፧ እቲ መልሲ፡ ‘እወ’ ዚብል እዩ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ምስ ፈታዊኻ እናኣዕለልካ ንኻልእ ፈታዊኻ ብሞባይል መልእኽቲ ምልኣኽ፡ ንእትፈትዎ ጸወታ ብዘይ ሕጊ ኸም ምጽዋት እዩ ዚቝጸር። ‘ግና እኮ ፈተውተይ እዮም’ ትብል ትኸውን። ከምኡ ስለ ዝዀኑ ድማ ኢኻ ጽቡቕ ጠባይ ከተርኢ ዘሎካ። ጥብቂ ኽትከውንን ንነገራት ከተኽብዶን ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ህይወት ሓደ ኽትፈልጦ ዘሎካ ሓቂ ኣሎ፦ ምስ ፈተውትኻ ጽቡቕ ጠባይ ዘይተርኢ እንተ ዄንካ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ብዘይ ፈታዊ ኽትተርፍ ኢኻ።

ስለምንታይ፧ ሰባት ስነ ስርዓት ዘይብሉ ሰብ ስለ ዘይፈትዉ እዩ። በት a ዝስማ ጐርዞ፡ “ንመሓዛይ እናኣዕለልኩዋ ኸለኹ፡ ዓሰርተ ሳዕ ሞባይላ ትርኢ እንተ ዀይና፡ ካባይ ንላዕሊ ዝሓሸ ነገር ትጽበ ኸም ዘላ ዀይኑ ስለ ዚስምዓኒ፡ የሕርቐኒ እዩ” በለት። በትን መሓዛኣን ምሕዝነተን ንነዊሕ እዋን ዚቕጽልዶ ይመስለካ፧

ነቲ ምስ ኣጠቓቕማ ሞባይል ዚተሓሓዝ ጠባይካ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ትሕቲ እቲ “ጸገም” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ንዘሎ ኣብነት እስከ ርኣዮ። ዝበለጸ መልሲ ዀይኑ ዚስምዓካ ኣየናይ እዩ፧ ምናልባት ንምርጫ “ሀ” ኸም ነውሪ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን። ብዛዕባ ምርጫታት “ለ”“ሐ”ንከ እንታይ ይመስለካ፧ ነቲ ብሞባይል እተላእከልካ መልእኽቲ ንምርኣይ ኢልካ ንዕላልካ ኸተቋርጾ ነውሪ ድዩ፧ ንዕላልካ ምእንቲ ኸይተቋርጾ ኢልካ ነቲ መልእኽቲ ሸለል ምባልከ ነውሪ ድዩ፧

ጽቡቕ ጠባይ ዚብሃል ደኣ እሞ ኣየናይ እዩ፧ እዚ እተሓላለኸ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም” ይብል። (ሉቃስ 6:31) ነዚ ምኽሪ እዚ፡ ኣብቲ ብሞባይል እትልእኮ መልእኽቲ እውን ከተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣብ ግቡእ እዋን ጥራይ መልእኽቲ ልኣኽ። ሪቻርድ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ሓድሓደ ሳዕ፡ ኣዝዩ ምስ መሰየ እውን እንተ ዀነ መልእኽቲ ይመጸኒ እዩ። እቲ መልእኽቲ፡ ስቕ ኢልካ ሃጠው ቀጠው እዩ፣ ድቃስ ድማ እዩ ዚኸልኣኒ” በለ። ‘ንሰባት ኣብ እዋን ዕረፍቶም መልእኽቲ እልእከሎም ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 3:1

ትሑት ኩን። ብኣካል ከተዕልል ከለኻ፡ ብቓላትን ብቓና ድምጽን ኣብ ገጽ ብዚርአ መግለጺታትን ብኣካላዊ ምንቅስቓስን መልእኽቲ ተመሓላልፍ ኢኻ። ብሞባይል መልእኽቲ ኽትልእኽ ከለኻ ግና፡ እዚ ዅሉ የለን። ብኸመይ ደኣ ኢኻ እሞ ጽቡቕ ጠባይ ከተርኢ እትኽእል፧ ጃዝሚን ዝስማ ጐርዞ፡ “ጽቡቕ ጠባይ ዜንጸባርቕ ልሙድ ዝዀነ ኣዘራርባ ተጠቐም። ንኣብነት፡ ‘ከመይ ኣለኻ፧’ ኢልካ ሕተት፣ ከም ‘በጃኻ’ን ‘አመስግነካ’ን ዝበለ ቓላት ከኣ ተጠቐም” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 4:6

ኣስተውዓሊ ኹን። ኣብ ትሕቲ እቲ “ጸገም” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ንዘሎ ኣብነት እስከ እንደገና ርኣዮ። ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ ትጽበ እንተ ኣሊኻ፡ ይቕረታ ብምሕታት ነቲ መልእኽቲ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ነቲ መልእኽቲ ጸኒሕካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ጓል 17 ዓመት ዝዀነት ኤሚ፡ “ፈታዊኻ ዘረባኡ ኽሳዕ ዚውድእ ተጸበዮ፣ ሞባይልካ ኣበይ ከይትኸደካ እያ፣ ንፈታዊኻ ዘረባኡ ኣቋሪጽካ ብሞባይልካ መልእኽቲ ትልእኽ እንተ ዄንካ ግና፡ ፈታዊኻ ሓዲጉካ ኪኸይድ ይኽእል እዩ” በለት። ምስ ብዙሓት ሰባት ተኣኪብካ እንተ ኣሊኻ እውን፡ ኣስተውዓሊ ኹን። ጀይን ዝስማ ጓል 18 ዓመት ጐርዞ፡ “ብዘይምቍራጽ ብሞባይልካ መልእኽቲ ኣይትልኣኽ። ከምኡ ምግባር፡ ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት፡ ‘ምሳይ ሃለኹም ኣይሃለኹም ኣይግድሰንን እዩ፣ ካብ ምሳኻትኩም፡ ኣብ ካልእ ቦታ እንተ ዝኸውን ምሓሸኒ’ ትብሎም ከም ዘለኻ እዩ ዚቝጸር” በለት።

መልእኽቲ ቕድሚ ምስዳድካ ሕሰብ። ሰባት ነቲ ኽትልእኮ ዝሓሰብካ መልእኽቲ ብጌጋ ኺርድእዎ ይኽእሉ ድዮም፧ ስምዒት ዚገልጽ ምልክታት ምጥቃምካ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ስምዒትካ ኺገልጾ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ ጓል 21 ዓመት ዝዀነ ኣምበር፡ “ትዋዘ እንተ ኣሊኻ፡ ንፍሽኽታ ዜመልክት ምልክት ተጠቐም። ምኽንያቱ፡ ሰባት ንሓደ ብዋዛ እተዘርበ ዘረባ፡ ናይ ሓቂ ኺገብርዎን ስምዒቶም ኪጕዳእን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኬባእስ ይኽእል እዩ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 12:18

ብንጹር እምበኣር፡ ሞባይል ክትጥቀም ከለኻ እተርእዮ ጠባይ ኣገዳሲ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ጽቡቕ ጠባይ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። ነዛ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ከተንጸባርቓ ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡ ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን [እያ]” ይብል። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) እሞኸ ነየናይ መዳይ ፍቕሪ ኢኻ ኽትዓይየሉ ዘሎካ፧

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።