ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሽኮርያ—ንገዛእ ርእስኻ ኽትከላኸለላ ትኽእል ዲኻ፧

ሽኮርያ—ንገዛእ ርእስኻ ኽትከላኸለላ ትኽእል ዲኻ፧

ቍጽሪ እቶም ብሽኮርያ ዚተሓዙ ሰባት ብቕልጡፍ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ እዚ ሕማም እዚ ዓለምለኻዊ ለበዳ ዀይኑ ኣሎ። ክልተ ቐንዲ ዓይነት ሽኮርያ እዩ ዘሎ። ቀዳማይ ደረጃ ሽኮርያ፡ ብቐንዱ ኣብ ግዜ ቝልዕነት እዩ ዚጅምር፣ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፡ ሓካይም ብኸመይ ከም ዚከላኸልዎ ኣይፈልጡን እዮም። ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ ኸኣ፡ ካብ ብምሉኦም ሕሙማት ሽኮርያ ንዳርጋ 90 ሚእታዊት ዜጠቓልል እዩ፣ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ እያ እተተኵር።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ሽኮርያ ንኣባጽሕ ጥራይ ከም ዜጥቅዕ ጌርካ ይርአ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ግና፡ ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ ንቘልዑ እውን እንተ ዀነ የጥቅዖም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ ንገዛእ ርእስና ኻብ ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ ኽንከላኸለላ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እዚ ሓደገኛ ሕማም እዚ ንእሽቶ እውን እንተ ዀነ ምፍላጥካ፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። a

ሽኮርያ እንታይ እዩ፧

ሽኮርያ፡ ኣብ ደም ሓደ ሰብ ዘሎ መጠን ሽኮር ከም ዚውስኽ ዚገብር ሕማም እዩ። እዚ ሕማም እዚ፡ ነቲ ሽኮር ካብ ሰራውር ደም ናብቶም ጕልበት ዜድልዮም ዋህዮታት ንምብጻሕ ዚገብሮ መስርሕ ይዓናቕፎ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ንቐንዲ ኣካላት ሰብነትና ጕድኣት የጋጥሞ፣ ምትሕልላፍ ደም ብግቡእ ኣይሰርሕን፣ እዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ፡ ኣጻብዕቲ እግሪ ወይ ከኣ እግሪ ብሓፈሻኡ ኸም ዚቝረጽ ኪገብር ይኽእል እዩ፣ ዑረትን ሕማም ኵሊትን እውን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት፡ ብሰንኪ ድኻም ልቢ ወይ ወቕዒ እዮም ዚሞቱ።

ቀንዲ ጠንቂ ኻልኣይ ደረጃ ሽኮርያ፡ ኣብ ሰብነት ዚእከብ ስብሒ እዩ። ምሁራት፡ ኣብ ከብድን ሽምጥን ዚእከብ ስብሒ፡ ነቲ ብሽኮርያ ንኽትተሓዝ ዘሎ ኣጋጣሚ ብዝያዳ ኸም ዚውስኾ እዮም ዚኣምኑ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ላልሽን (ወይ ጣፍያ) ኣብ ጸላም ከብድን ዚእከብ ስብሒ፡ ነቲ ሰብነትና ኣብ ደም ንዘሎ ሽኮር ዚቈጻጸረሉ መስርሕ እዩ ዚዓናቕፎ። እሞኸ ንገዛእ ርእስኻ ኻብዚ ንኽትከላኸለላ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንገዛእ ርእስኻ ኻብ ሽኮርያ ኽትከላኸለሉ እትኽእል ሰለስተ መገዲ

1. ካብቶም ብሽኮርያ ብቐሊሉ ዚጥቅዑ እንተ ዄንካ፡ መጠን እቲ ኣብ ደምካ ዘሎ ሽኮር ንምፍላጥ ተመርመር። ሓደ ሰብ ብኻልኣይ ደረጃ ሽኮርያ ኸይተታሕዘ ኸሎ፡ ፕሪዳያቤትስ (ቅድመ ሽኮርያ) የጥቅዖ እዩ፣ ኣብዚ ደረጃ እዚ፡ ኣብ ደም ዘሎ ሽኮር ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ይውስኽ። ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ ዀነ ቕድመ ሽኮርያ ንጥዕና ጐዳኢ እኳ እንተ ዀነ፡ ክልቲኡ ግና ፍልልይ ኣለዎ፣ ሽኮርያ ኽትቈጻጸሮ ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ክሳዕ ሎሚ ግና ዜሕዊ ፈውሲ ኣይተረኽበሉን። ብኣንጻሩ ግና፡ ቅድመ ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ኣብ ደሞም ዘሎ መጠን ሽኮር ናብ ንቡር ኪመልስዎ ይኽእሉ እዮም። ቅድመ ሽኮርያ ንጹር ምልክት ከይህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሰባት ብዙሕ ኣየስተብህሉሉን ይዀኑ። ጸብጻባት ከም ዚገልጾ፡ ኣብ መላእ ዓለም 316 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ቅድመ ሽኮርያ እኳ እንተ ሃለዎም፡ ብዛዕባኡ ግና ኣይፈልጡን እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጥራይ፡ ካብቶም ቅድመ ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ኣስታት 90 ሚእታዊት ዚዀኑ፡ ብዛዕባ ሕማሞም ኣይፈልጡን እዮም።

ይኹን እምበር፡ ቅድመ ሽኮርያ ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። ከመይሲ፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ሽኮርያ ዚመርሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከቢድ ሕማም ኣእምሮ እውን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። መጠኑ ዝሓለፈ ኽብደት እንተ ኣልዩካ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ዘይትገብር እንተ ዄንካ፡ ወይ ከኣ ካብ ቤተ ሰብካ ሽኮርያ ዘለዎ እንተ ኣልዩ፡ ምናልባት ቅድመ ሽኮርያ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ንምፍላጥ መርመራ ደም ክትገብር ኣሎካ።

2. ንጥዕናኻ ዚጠቅም ምግቢ ምረጽ። ብዚከኣለካ ዓቕሚ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ክትትግብሮ እንተ ጽዒርካ፡ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ፦ ካብቲ ብልሙድ እትበልዖ መጠን ምግቢ ዝወሓደ ብላዕ። ሽኮር ዝበዝሖ ጽማቝን ልስሉስ መስተን ዘይኰነስ፡ ማይ፡ ሻሂ፡ ወይ ቡን ስተ። ካብ ዘይተዃእኵአ እኽሊ እተሰንከተ ባንን ሩዝን ፓስታን ብመጠኑ ብላዕ። ብዙሕ ስብሒ ዘይብሉ ስጋን ዓሳን ካዕካዕን ጥረምረን ብላዕ።

3. ኣካላዊ ምውስዋስ ግበር። ኣካላዊ ምውስዋስ ነቲ ኣብ ደምካ ዘሎ ሽኮር ኬጕድሎ፡ ግቡእ ክብደት ሰብነት ከም ዚህልወካ ድማ ኪገብር ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሓደ ኽኢላ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ነቲ ቲቪ ኣብ ምርኣይ እተሕልፎ ግዜ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ኣብ ምግባር ኣሕልፎ።

ንጂንካ ኽትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ንኣነባብራኻ ግና ክትልውጦ ትኽእል ኢኻ። ንጥዕናና ንምምሕያሽ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ጻማ ኣለዎ።

a ንቕሑ! ንዝዀነ ይኹን ኣመጋግባ ወይ ምውስዋስ ኣካላት ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ጥዕና ዚተሓሓዝ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ፡ ንኣማራጺታት ሕክምና ኺምርምርን ንሓኪም ኬማኽርን ኣለዎ።