ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ትርኢት ቀላይ ኒከራግዋ ደሴት ኦማቴፔ እያ፣ ኣብታ ደሴት ልሙዕ ዝዀነ፡ ብኽሳድ መሬት ድማ እተራኸበ ኽልተ ዓበይቲ እሳተ ጎመራዊ ጎቦታት ይርከብ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኒከራግዋ እተገብረ ምብጻሕ

ናብ ኒከራግዋ እተገብረ ምብጻሕ

ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኒከራግዋ ‘ምድረ ቐላያትን እሳተ ጎመራን’ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ። እቲ ኣብዛ ሃገር ዚርከብ ቀላይ ኒከራግዋ፡ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ቐላይ እዩ። እቶም ደቀባት ዝዀኑ ዓሌታት ድማ ኮቺቦልካ ኢሎም ይጽውዕዋ፣ ትርጉሙ ኸኣ “ምቍር ባሕሪ” እዩ። ቀላይ ኒከራግዋ ብኣማእታት ዚቝጸር ደሴታት ዚርከቦ ዀይኑ፡ ንኸም ከልቢ ዓሳን ስዎርድፊሽታርፖንን ዝኣመሰሉ ኣብ ውቅያኖስ ዚነብሩ ዓይነት ዓሳ ዝሓዘ ጨዋም ዘይኰነ እንኮ ቐላይ እዩ።

ሳኵዋንጆቸ (ፍራንጂፓኒ) ሃገራዊ ዕምባባ ኒከራግዋ እዩ

ኣብ ኒከራግዋ፡ ገማግም ሞስኪቶ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሓደ ኻብቲ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ግሉል ዝዀነ ቦታታት እውን ይርከብ እዩ። እዚ ገማግም እዚ፡ 65 ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ዀይኑ፡ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ምብራቓዊ ገማግም እታ ሃገር ዚሽፍንን ክሳብ ጐረቤት ሃገር ሆንዱራስ ዚዝርጋሕን እዩ። ሚስኪቶ (ወይ ሞስኪቶ) ሓደ ኻብቶም ብርክት ዝበሉ ጕጅለ ደቀባት ኒከራግዋ ዀይኖም፡ ኤውሮጳውያን ኣብ መበል 16 ዘመን ናብቲ ኸባቢ ቕድሚ ምምጻኦም ኣትሒዙ ዝጸንሐ ታሪኽ ዘለዎም እዩ።

ሚስኪቶ ድልዱል ማሕበራዊ ርክባትን ፍሉይ ልምድታትን ኣለዎም። ንኣብነት፡ ቋንቋ ሚስኪቶ ኸም “ኣቶ” ወይ “ወይዘሮ” ዝኣመሰለ ወግዓዊ መጸውዒ ዝዀነ ቓላት የብሉን። ኣብ ገጠር ዚቕመጡ ማሕበረ ሰብ፡ እቶም ንኣሽቱ ንዓበይቲ ሰባት፡ ኣዝማዶም ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ “ሓወቦይ” ወይ “ኣሞይ” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎም። ደቂ ኣንስትዮ ሚስኪቶ ምስ ናይ ቀረባ ፈተውተንን ኣዝማደንን ሰላምታ ኺለዋወጣ ኸለዋ ምዕጕርቲ ንምዕጕርቲ እየን ዚሰዓዓማ፣ እዚ ድማ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝጸንሐ ባህሊ እዩ። ድሕሪዚ፡ እታ ሰላምታ ዘበገሰት ሰበይቲ ገና ኣብ ምዕጕርቲ እናሰዓመት ከላ ብኣፍንጫኣ ኣየር ትስሕብ።

ደቀባት

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብቛንቋ ማያንጋን ሚስኪቶን