ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከይረኣኻ ምንባር

ከይረኣኻ ምንባር

“ኣብ ዓይኒ ዚነጥብ ብርቱዕ መድሃኒት ምስ ተዋህበኒ፡ ኣዒንተይ ደኺሙ። ጐርዞ ምስ ኰንኩ ኸኣ፡ ጠሪሰ ዓዊረ፡ ብጭንቀት እውን ተዋሒጠ።”—ብዓል ቤታ እውን ዓይነ ስዉር ዝዀነ ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ፓኲ።

ዑረት ወይ ከቢድ ናይ ምርኣይ ጸገም ካብ ከም ማህሰይትን ሕማምን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ጠንቂ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። እዚ ጠንቅታት ድማ ንኣዒንቲ፡ ንመትኒ ኣዒንቲ፡ ወይ ንሓንጎል ኪጐድእ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ወይ ብምሉኡ ናይ ምርኣይ ክእለቶም ዚስእኑ ሰባት፡ ነቲ ዝወረዶም ምቕባል ይኸብዶምን ይጕህዩን ይፈርሁን እዮም። ብዙሓት ግና ንዘጋጠሞም ሽግር ክኢሎም ዜዕግብ ህይወት ይመርሑ እዮም።

ከም ንቡር፡ ኣዒንትና ነቲ ኻብታ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ሓበሬታ እንእክበሉ ቐንዲ ምንጪ ዀይኑ እዩ ዜገልግለና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ኺስእን ከሎ፡ ብዝያዳ ኣብቲ ዝተረፈ ህዋሳቱ፡ ማለት ኣብ ምስማዕን ምሽታትን ምድህሳስን ምስትምቃርን እዩ ዚምርኰስ።

ብመሰረት መጽሔት ሳይንትፊክ ኣመሪካን፡ ኣብ ተዓጻጻፍነት ኣእምሮ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓንጎል “ብተመክሮ ናይ ምቕያር” ክእለት ከም ዘለዎ ይሕብር እዩ። እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሓንጎል ካብ ሓደ ህዋስ ዚረኽቦ ዝነበረ ሓበሬታ ምስ ሰኣነ፡ ነቲ ኻልእ ህዋሳት ንምድጋፍን ዓቕሙ ንምውሳኽን ብዜኽእል መገዲ ባዕሉ ዳግመ ውዳበ ኺገብር ይኽእል እዩ” ትብል። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ህዋሳት እስከ ንርአ።

ምስማዕ፦ ሰብ ብድምጹ፡ ብኣረጋግጻኡ፡ ወይ ብኻልእ ደሃዩ ኺልለ ይከኣል እዩ። ፈርናንዶ ዝስሙ ዓይነ ስዉር፡ “ንሰባት ብድምጾም ወይ ብኣካይዳኦም ምዝካርን ምልላይን ክኢለ እየ” ይብል። ህዋን ዝስሙ ዓይነ ስዉር ድማ፡ “ንዓይነ ስዉር፡ ድምጺ ሰብ ከም መንነት እዩ” ይብል። ዓይነ ስዉራን ከም ካልኦት ሰባት ነቲ እተፈላለየ ስምዒታት ዜመሓላልፍ ቃና ድምጺ የተኵሩሉ እዮም።

ሓደ ዓይነ ስዉር፡ ኣእዛኑ ምልላይ ምስ ለመዳ፡ ደሃይ ብምስማዕ ጥራይ ብዛዕባ ኸባቢኡ ይፈልጥ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣንፈት ዋሕዚ ትራፊክ፡ ስፍሓት ክፍሊ፡ ከምኡ ድማ ዕንቅፋት ኣበይ ከም ዘሎ ኼለሊ ይኽእል እዩ።

ምሽታት፦ ናይ ምሽታት ህዋስ እውን ብዙሕ ሓበሬታ ኺርከበሉ ይከኣል እዩ። እዚ ህዋስ እዚ ግና ብዛዕባ ምንጪ እቲ ሽታ ጥራይ ኣይኰነን ዚሕብር። ንኣብነት፡ ሓደ ዓይነ ስዉር ብሓደ መገዲ ኪኸይድ ከሎ፡ በቲ ናይ ምሽታት ህዋሱ ተጠቒሙ፡ ንካፈተርያን ቤት መግብን ዕዳጋን ካልእ ነገራትን ዜጠቓልል ኣእምሮኣዊ ካርታ ይሰርሕ እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ዚፈልጦ ደሃያትን ብምድህሳስ ዚረኽቦ ሓበሬታን እውን ኣብቲ ካርታ ይውሰኽ እዩ።

ምድህሳስ፦ ፍራንሲስኮ፡ “ኣጻብዐይ ኣዒንተይ እየን” እዩ ዚብል። ንውሓት እዘን “ኣዒንቲ” እዚአን ከኣ ብበትሪ ኺናዋሕ ይኽእል እዩ። ብዕዉሩ እተወልደ፡ ብቝልዕነቱ ድማ በትሪ ምጥቃም እተማህረ ማናሰስ፡ “ሳላ ኻልእ ህዋሳተይን ሳላ ተዘክሮይን ሳላ እቲ ኣብ መገዲ ኣጋር ዘሎ ብሓገዝ በትረይ ዘለልዮ ነገራትን ብልክዕ ኣበይ ከም ዝለኹ ይፈልጥ እየ” ኢሉ እዩ።

ብብረይል እተዳለወ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ምንባብ

ብዘይካዚ፡ ዓይነ ስዉራን ብናይ ምድህሳስ ህዋሶም ተጠቒሞም፡ ብብረይል እተዳለወ ጽሑፋት የንብቡ እዮም። ሕጂ እሞ ኸኣ ንኣእምሮን መንፈሳዊ ህይወትን ዓይነ ስዉር ዚጠቅም እተፈላለየ መሰናድዎታት ኣሎ። እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብብረይል ዚዳሎ ጽሑፋት፡ ቅዳሓት ኣውድዮን ተክኖሎጂ ኮምፕዩተርን እውን የጠቓልል። ዓይነ ስዉራን ብሓገዝ እዚ መሰናድዎታት እዚ ገይሮም መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ እተፈላለየ ጽሑፋትን ኬንብቡ ይኽእሉ እዮም። *

እዚ መንፈሳዊ መሰናድዎታት እዚ፡ ነቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ፓኲን ብዓል ቤታን፡ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕን ተስፋን ኰይንዎም እዩ። ካብቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤቶም ዝዀኑ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከቡ ብጾቶም እውን ደገፍ ረኺቦም እዮም። ብዛዕባ እዚ ፓኲ፡ “ሕጂ ኣብ ህይወትና ብዙሕ እንገብሮ ነገር ኣሎና፡ ጽግዕተኛ ኻብ ምዃን ብመጠኑ ተላቒቕና ኢና” ትብል።

እወ፡ ዑረት ፍሉይ ብድሆታት የምጽእ እዩ። ሰባት ነዚ ብድሆታት እዚ ኽኢሎም ተሓጒሶም ኪነብሩ ኽንርኢ ኸለና ግና፡ እዚ ንተዓጻጻፍነትን ንብርታዐን ሰብ ከም እነድንቕ እዩ ዚገብረና።

^ ሕ.ጽ. 10 ናይ የሆዋ መሰኽኽር ብልዕሊ 25 ቋንቋ፡ ብብረይል ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋት የዳልዉ እዮም።