ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

 ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

“ናይ ምሕሳብ ክእለት” ብኸመይ ክሕልወካ ይኽእል፧ (ምሳሌ 1:4 NW )

ከም ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ናይ ጾታዊ ርኽሰት ፈተናታት ዝኣመሰለ ብመንፈስ ኣብ ሓደጋ ኸእትወና ኻብ ዝኽእል ነገራት ንኽንጥንቀቕ የንቅሓና: ጥበባዊ መገዲ ንኽንስዕብ መደብ ከም እነውጽእ ድማ ይገብረና። ክርስትያናት ብጾትና ዘይፍጹማት ምዃኖም ኣፍልጦ ንኽንህበሉ ይሕግዘና: እዚ ድማ ብእኦም ኣብ እንቝጥዓሉ ግዜ ብታህዋኽ ስጕምቲ ንኸይንወስድ ይሕግዘና። ብመንፈሳዊ መገዲ ኣንፈትና ኸስሕተና ዝኽእል ምስ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ዝተሓሓዝ ጸቕጥታት ንኽንጻወሮ ኸኣ የኽእለና።​—⁠⁠15/8 ገጽ 21-4

ሓደ ሰብ ንጐረባብቱ በረኸት ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሕያዋይ ጐረቤት ክትኰነሉ እትኽእል ክልተ መገድታት: ብልግሲ እትህብን ንእተገብረልካ እተማሱን ምስ እትኸውን እዩ። ኣብ እዋን ሽግር ሕያዋይ ጐረቤት ምዃን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን እከይ ንምጥፋእ ዝወስዶ ስጕምቲ መጠንቀቕታ ብምሃብ ሕያዎት ጐረባብቲ ክዀኑ እዮም ዝጽዕሩ።​—⁠1/9 ገጽ 4-7

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ቅዱሳን መን እዮም: ንደቅ​ሰብ ዝሕግዝዎምከ ብኸመይ እዮም፧

ኵሎም ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ ሓቂ ቅዱሳን እዮም ነይሮም: ቅዱሳን ዝገበሮም ከኣ ሰባት ወይ ማሕበራት ዘይኰነስ ኣምላኽ እዩ። (ሮሜ 1:⁠7) እቶም ቅዱሳን ካብ ሞት ተንሲኦም ናብ ሰማይ ምስ ከዱ: ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት በረኸት ኣብ ምፍሳስ ክካፈሉ እዮም። (ኤፌሶን 1:⁠18-21)​—⁠15/9 ገጽ 5-7

ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ብዛዕባ ዝግበር ዝነበረ ስፖርታዊ ውድድራት ምፍላጥ ንክርስትያናት ብኸመይ ይጠቕሞም፧

ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ኣብዚ ጥንታዊ ጸወታታት እተመስረተ መግለጺታት ወይ ንዕኡ ዝእምት ሓሳባት ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 9:⁠26፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠7፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠5፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠10) ሓደ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ተወዳዳሪ ጽቡቕ ልምምድ ክገብር: ርእሱ ኽቈጻጸር: ከምኡውን ንጻዕርታቱ ኣብ ግቡእ መዓላ ኸውዕሎ ነበሮ። ሎሚውን ክርስትያናት እቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ዝገብርዎ ጻዕርታት ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።​—⁠1/10 ገጽ 28-​31

ኣብ ወጻኢ ሃገር ቈልዑ ምዕባይ ዘለዎ ብድሆን ዓስብን እንታይ እዩ፧

ብዙሓት ቈልዑ ቕድሚ ወለዶም ቀልጢፎም ሓድሽ ቋንቋ ስለ ዝኽእሉ: ወለዲ ንናይ ውሉዳቶም ኣተሓሳስባን ጠባይን ንኽርድእዎ ኸጸግሞም ይኽእል እዩ። እቶም ውሉዳት ከኣ ነቲ ብናይ ወለዶም ቋንቋ ዝወሃቦም ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፎም ኣይርድእዎን ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ወለዲ ንውሉዳቶም ቋንቋኦም ምስ ዝምህርዎም ኣብታ ስድራ​ቤት ዝህሉ ማእሰር ይጠብቕ: እቶም ቈልዑ ድማ ኽልተ ቛንቋታትን ባህልታትን ይፈልጡ።​—⁠15/10 ገጽ 22-6

ይቕረታ ናይ ምሕታት ልምዲ ኸነጥሪ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ እዋን ካብ ልቢ ይቕረታ ምሕታት ንዝላሕልሐ ርክብ እተደልድለሉ መገዲ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይቕረታ ምሕታት ዘለዎ ሓይሊ ዘርኢ ኣብነታት ንረክብ ኢና። (1 ሳሙኤል 25:⁠2-35፣ ግብሪ ሃዋርያት 23:⁠1-5) ክልተ ሰባት ክጋጨዉ ኸለዉ: ዝበዝሕ ግዜ ብኽልቲኦም ወገን በደል ኣሎ። ስለዚ: በደላቶም ክተሓዳደጉን ይቐረ ኽበሃሃሉን የድሊ።​—⁠1/11 ገጽ 4-7

ብሒደት ገንዘብ እውን እንተዀነ ምጥላዕ ሕማቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምጥላዕ ርእስኻ ናይ ምውዳስን ናይ ምትሕርራቕን ናይ ስስዐን መንፈስ ከለዓዕል ይኽእል እዩ: ነዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይዅንኖ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10) መብዛሕትኦም ውሉፋት ተጣላዕቲ እውን ገና ብንኣሽትኦም ከለዉ እዮም ብሒደት ገንዘብ ዝጅምርዎ።​—⁠1/11 ገጽ 31

ብርክት ዝበለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ግሪኽ ስለ እተጻሕፈ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ምትርጓም ዘድለየ ስለምንታይ እዩ: እንታይ ፍረኸ ኣፍረየ፧

ዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ ካብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ግሪኽ ንምትርጓም ዘገልገለ ትርጕም ሰፕቱጀንት ከምኡውን ካብቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዘገልገለ ዓይነት ቋንቋ ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዘመናት ገሊኡ ኽፋል ወይ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ኣብ ዘረባ ዝዝውተር ቋንቋ ግሪኽ ንምትርጓም ሓያል ጻዕርታት ተገይሩ እዩ። ኣብዚ ግዜና ብምሉእ ወይ ብኸፊል 30 ዝኸውን ተራ ተዛራቢ ቛንቋ ግሪኽ ክርድኦ ዝኽእል ትርጕማት ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ጐሊሑ ዝርአ ድማ እቲ ብ1997 እተሓትመ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም እዩ።​—⁠15/11 ገጽ 26-9

ዕሽር ምሃብ ክርስትያናት ከማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ: ዕሽር ምሃብ ንነገድ ሌዊን ንስኡናትን ንምድጋፍ እተገብረ ምድላው እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 27:30፣ ዘዳግም 14:28, 29) የሱስ መስዋእታዊ ሞት ብሙማቱ ግን ነቲ ሕጊ ምስኡ ድማ ነቲ ዕሽር ብዛዕባ ምሃብ ዝምልከት ሕጊ ስዒርዎ እዩ። (ኤፌሶን 2:⁠13-15) ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ማሕበር ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከከም ዓቕሙን ብልቡ ኸም ዝሓለኖን ይህብ ነበረ። (2 ቈረንቶስ 9:​5, 7)​—⁠1/12 ገጽ 4-6

ብመሰረት ራእይ 20:⁠8: ሰይጣን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከስሕት እዩ ማለት ድዩ፧

እዛ ጥቕሲ እዚኣ እቶም ዝስሕቱ ቝጽሮም “ከም ሑጻ ባሕሪ” ምዃኑ ትገልጽ እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ መግለጺ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝሑ ብዘየገድስ ንዘይተፈልጠ ቝጽሪ እዩ ዘመልክት። እቶም “ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ” እተባህሉ ዘርኢ ኣብርሃም: ንየሱስ ክርስቶስ ከይሓወስካ ቍጽሮም 144,000 ኰይኑ እዩ ተረኺቡ። (ዘፍጥረት 22:⁠17፣ ራእይ 14:⁠1-4)​—⁠1/12 ገጽ 29