ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ናይ ዩካል’ ማሕተም

‘ናይ ዩካል’ ማሕተም

‘ናይ ዩካል’ ማሕተም

ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. እቲ ከለዳዊ ገዛኢ ዝነበረ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ብምስዓር ነታ ኸተማ ኣንደዳ: ንመካበብያኣ ድማ ኣፍረሶ። ነቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ጼድቅያስ ሒዙ ኸኣ ኣዒንቱ ኣንቈሮ። ኣብ ርእሲ እዚ “ንዅሎም እቶም ከበርቴ ይሁዳ ኸኣ ንጉስ ባቢሎን ሐረዶም።”—ኤርምያስ 39:1-8

ሓደ ኻብቶም ብኢድ ባቢሎናውያን ዝሞቱ ኸበርቴ ወይ መሳፍንቲ ይሁዳ: ዩካል ወዲ ሸልምያ ነበረ። ታሪኽ ዩካል ዜደንቕ መዛዘሚ ተረኺቡሉ ኣሎ። ቅድሚ ነዚ ምርኣይና ግን ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዩካልን ብዛዕባ እቲ ዝነበረሉ እዋንን ዚብሎ እስከ ንርአ።

“ኣይኪስዕሩኻን እዮም”

የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ፍርዲ ንኺእውጅ መዘዞ። ነገስታትን ሹማምትን ካህናትን ህዝብን ይሁዳ ‘ኺዋግእዎ’ ምዃኖም እውን ነገሮ። የሆዋ ግን “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይኪስዕሩኻን እዮም” በሎ።—ኤርምያስ 1:17-19

ባቢሎናውያን ነታ ርእሲ ኸተማ ይሁዳ ዝነበረት የሩሳሌም ከቢቦምዋ ኸለዉ: ንጉስ ጼድቅያስ: ነቡካድነጻር ካብታ ኸተማ ኼንሳሕብ እንተ ዀይኑ ንምሕታት ከምኡውን ምእንቲ ኼንሳሕብ ንኺጽሊ ኽልተ ሳዕ ናብ ኤርምያስ ልኡኻት ለኣኸ። ሓደ ኻብዞም ልኡኻት ንጉስ እቲ ዮካል ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ዩካል ነበረ። እቲ ኣምላኽ ንኤርምያስ ዝሃቦ መልእኽቲ: ባቢሎናውያን ወይ ከለዳውያን ነታ ኸተማ ኸም ዜዕንውዋ ዚገልጽ ነበረ። ዝዀነ ይኹን ኣብኣ ዚተርፍ ነባሪ የሩሳሌም: ብጥሜትን ብፌራን ብሰይፍን ኪመውት እዩ። እቶም ንከለዳውያን ኢዶም ዚህቡ ሰባት ግን ካብዚ ኺድሕኑ እዮም። እዚ ቓላት ኤርምያስ ነቶም መሳፍንቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣሕሪቕዎም ኪኸውን ኣለዎ!—ኤርምያስ 21:1-10፣ 37:3-10፣ 38:1-3

ዩካል ሓደ ኻብቶም ንንጉስ ጼድቅያስ: “[ኤርምያስ] ኣእዳው እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእ[ቲ] . . . የድክም አሎ እሞ: ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣቕትሎ” ብምባል ዘደፋፈርዎ መሳፍንቲ ነበረ። እዚ እኩይ ዝነበረ ዩካል ንኤርምያስ ናብቲ ጭቃ ዝመልአ ዒላ ኣብ ምድርባይ ኢድ ነበሮ: እቲ ነብዪ ግን ብደሓን ወጸ። (ኤርምያስ 37:15፣ 38:4-6) ኤርምያስ ንየሆዋ ብምእዛዙ ኻብ ጥፍኣት የሩሳሌም ደሓነ: ዩካል ግን እቲ ዚተኣማመነሉ ዝነበረ ስርዓት ኪጠፍእ ከሎ ተቐቲሉ ኪኸውን ኣለዎ።

ዜደንቕ መዛዘሚ

ብ2005 ሓደ ብዛዕባ ዩካል ዚገልጽ ሓድሽ ሓበሬታ ኣብ የሩሳሌም ተረኽበ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብ ሓደ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ ዳዊት ንኺረኽቡ ተስፋ ዝገበሩሉ ቦታ ይዅዕቱ ነበሩ። ኣብኡ ድማ ሓደ ዓብዪ ብእምኒ እተሃንጸ ነገር ረኸቡ: ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብግዜ ኤርምያስ ኣብ ዘዕነውዋ እዋን ዝፈረሰ እዩ ዚብል እምነት ድማ ነበሮም።

እቲ ቦታ ቤተ-መንግስቲ ዳዊት ይኹን ኣይኹን እተረጋገጸ ነገር የለን። እቶም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ግን ነቲ ኣብ ገጽ 14 ዚርአ ዘሎ 1 ሳንቲ ሜተር ዝስፍሓቱ ኣሰር ናይ ሓደ ማሕተም ካይላ ረኸቡ። ከይተበላሸወ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ሰነድ በዚ ማሕተም እዚ ተሓቲሙ ነበረ። እቲ ኣሰር ድማ “ናይ የሁካል ወዲ ሸለምያሁ ወዲ ሾቪ” ዚብል ነበረ። እዚ ኣሰር እዚ በቲ ተቓዋሚ ኤርምያስ ዝነበረ የሁካል: ወይ ዩካል ወዲ ሸልምያ እተዳለወ ማሕተም ኪኸውን ኣለዎ።

እቲ ኣሰር እንታይ ከም ዚብል ዝረኣየት ተመራማሪት ስነ-ጥንቲ ዝዀነት ኤላት ማሳር: ዮካል ድሕሪ ገማርያ ወዲ ሻፋን ዚስራዕ “ካልኣይ ሚኒስተር ንጉስ” እዩ ነይሩ፣ ስም ገማርያ እውን ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ዳዊት እተረኽበ ማሕተም ተረኺቡ እዩ። a

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና እምነት ኣብ ርኽበት ኢደ-ስርሓት እተመርኰሰ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢት ምፍጻሙ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና እምነት ድልዱል መሰረት ይኾኖ እዩ። ታሪኻዊ ሓቅታት: ኤርምያስ ንጥፍኣት የሩሳሌም ብልክዕ ከም እተነበየ ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ዜሕፍር መወዳእታ እቶም ተቓወምቲ ኤርምያስ ድማ ንሕናውን ከም ኤርምያስ እሙናት እንተ ዄንና: ‘የሆዋ ምሳና ስለ ዝዀነ:’ ጸላእትና ‘ኸም ዘይስዕሩና’ ዘሎና ምትእምማን ዜደልድል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ገማርያን ሻፋንን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነታ ብ15 ታሕሳስ 2002 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ንሻፋንን ስድራቤቱን ትፈልጦምዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ ገጽ 19-22 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኤርምያስ ነቲ ዝመጾ ጸቕጢ ብምፍራህ ንመልእኽቲ ኣምላኽ ኣየፍኰሶን

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Gabi Laron/Institute of Archaeology/ Hebrew University ©Eilat Mazar