ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ—ኒው ዮርክ

ፈትዮም ይመጹ—ኒው ዮርክ

ሒደት ዓመታት ይገብር፡ ሰይዛርን ሰበይቱ ሮሲኦን ኣብ ካሊፎርንያ ምሹእ ናብራ ይነብሩ ነበሩ። ሰይዛር ኣብ ዓውዲ መውዓይን መዝሓልን መመሻሸውን ኣየር ምሉእ መዓልቲ ኺዓዪ ኸሎ፡ ሮሲኦ ኸኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓደ ሓኪም፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ እያ እትሰርሕ ነይራ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ዚውንንዎ ገዛ ኣለዎም፣ ቈልዑ ግና ኣይነበርዎምን። ይኹን እምበር፡ ንህይወቶም ዚቕይር ኵነታት ኣጋጠሞም። እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

ኣብ ጥቅምቲ 2009፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዎልኪል ኒው ዮርክ ዚርከብ ህንጻታት እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንምስፋሕ ኣብ ዚግበር ዕዮ ምእንቲ ኺድግፉ፡ ኣብ ኵለን እተን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ጉባኤታት ዚርከቡ ኽኢላታት ዝዀኑ ወለንተኛታት፡ ግዝያውያን ቤት-ኤላውያን ንኪዀኑ ዚዕድም ደብዳበ ለኣኸ። እቶም ዕድሚኦም ካብቲ ቤት-ኤል ንምእታው ዚድለ ዕድመ ዝሓለፉ እውን ከይተረፈ፡ ንኼመልክቱ ተዓዲሞም እዮም። ሰይዛርን ሮሲኦን፡ “እዚ ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ፡ ብምኽንያት ዕድመና፡ ካልእ ግዜ ኽንረኽቦ ዘይንኽእል ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኼምልጠና ኣይደለናን” በሉ። ብኡብኡ ድማ ኣመልከቱ።

ገለ ኻብቶም ኣብ ዎርዊክ ዚዓይዩ ዘለዉ ወለንተኛታት

ካብ ዚምዝገቡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቢሉ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ሰይዛርን ሮሲኦን ግና ናብ ቤት-ኤል ኣይተዓደሙን። ይኹን እምበር፡ ናብራኦም ብምቕላል ሸቶኦም ንኺወቕዑ ዜኽእሎም ተወሳኺ ስጕምታት ወሰዱ። ሰይዛር፡ “ንቤትና ምእንቲ ኸነካርዮ፡ ንጋራዥና ሓንቲ ኽፍሊ ጥራይ ናብ ዘለዎ መንበሪ ቤት ቀየርናዮ። ስለዚ፡ ካብቲ ገለ ዓመታት ይገብር ዝሃነጽናዮ 200 ትርብዒት ሜተር ስፍሓት ዘለዎ እንፈትዎ ቤትና ወጺእና፡ ናብቲ 25 ትርብዒት ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ቤት ገዓዝና። እዚ ለውጢ እዚ፡ ናብ ቤት-ኤል ክንኣቱ ምስ እንዕደም ብቐሊሉ ንኽንቅበሎ ዜኽእለና እዩ ነይሩ” በለ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኣጋጠመ፧ ሮሲኦ፡ “ናብታ ንእሽቶ ቤትና ኻብ እንግዕዝ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ፡ ግዝያውያን ወለንተኛታት ኴንና ኣብ ዎልኪል ንኸነገልግል ዕድመ ቐረበልና። ናብራና ብምቕላል፡ የሆዋ ንኺባርኸና ኣጋጣሚ ሂብናዮ ኢና” በለት።

ጀይሰንን ሰይዛርን ዊልያምን

ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋኦም ይባረኹ ኣለዉ

ከም ሰይዛርን ሮሲኦን ዝኣመሰሉ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ህንጸት እጃሞም ንኼበርክቱ መስዋእቲ ኸፊሎም እዮም። ሓያሎ ኻባታቶም ኣብ ዎልኪል ኣብ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ህንጸት ይድግፉ ኣለዉ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ኣብቲ ኣብ ዎርዊክ ዚግበር ዘሎ ህንጸት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል ረኺቦም ኣለዉ። * ሓያሎ ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ነቲ ጽቡቕ ኣባይቶምን ስራሖምን ንዚፈትውዎም እንስሳታትን ከይተረፈ ገዲፎም እዮም። እሞኸ የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ባሪኽዎ ድዩ፧ እወ ባሪኽዎ።

ዌይ

ንኣብነት፡ ዌይ ዝስሙ ኣብ ዕዮ ኤለክትሪክ ዚዓይን ዴብራ ሰበይቱን፡ ኣብ መወዳእታ 50ታት ዕድሚኦም እዮም ዚርከቡ፣ ነቲ ኣብ ካንዛስ ዚርከብ ቤቶምን ንመብዛሕትኡ ጥሪቶምን ሸይጦም ኣብ ቤት-ኤል እናተመላለሱ ንኼገልግሉ ኢሎም ድማ ናብ ዎልኪል ገዓዙ። * ነዚ ለውጢ እዚ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ናብራኦም ኬተዓራርዩ እኳ እንተ ኣድለዮም፡ መስዋእቲ ምኽፋሎም ግና የሐጕሶም እዩ። ዴብራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት-ኤል እተዋህባ ዕዮ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ፡ ኣብ ገነት ዕዮ ህንጸት ኪካየድ ከሎ ዜርኢ ስእሊ ዝካፈል ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

ኣብ ሳውዝ ካሮላይና ዚነብሩ ዝነበሩ መልቪንን ሻሮንን፡ ኣብ ዎርዊክ ምእንቲ ኺሕግዙ ቤቶምን ጥሪቶምን ሸጡ። ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ምኽፋል ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ኣብዚ ታሪኻዊ ፕሮጀክት እዚ ምክፋሎም ከም ክቡር መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። “ንዓለምለኻዊ ውድብ ዚጠቅም እተወሰነ ነገር ተበርክት ከም ዘለኻ ምፍላጥ፡ ፍሉይ ሓጐስ ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር” በሉ።

ኬነት

ኣብ ዕዮ ህንጸት ዚዓዪ ዝነበረ እሞ ጥሮታ ዝወጸ ኬነትን ሰበይቱ ሞሪንን ኣብ መፋርቕ 50ታት ዕድሚኦም እዮም ዚርከቡ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ካብ ካሊፎርንያ ናብቲ ኣብ ዎርዊክ ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ህንጸት ኬገልግሉ ኸዱ። ቅድሚ ምኻዶም ግና፡ ኣባል ጉባኤኦም ንዝዀነት ሓንቲ ሓብቲ ንቤቶም ክትኣልየሎም መሰናድዎ ገበሩ፣ ንቤተ ሰቦም ከኣ ነቲ ብዕደመ ዝደፍአ ኣቦ ኬነት ኣብ ምክንኻን ሓገዞም ኬበርክቱ ሓተትዎም። እሞኸ ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ኢሎም መስዋእቲ ምኽፋሎም የጣዕሶም ድዩ፧ ኣይፋልን። ኬነት፡ “እዚ ዘይብሃል ጥቕሚ ኢና እንረክብ ዘለና። ጸገማት ዚብሃል የብልናን ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣዝዩ ዜዕግብ ህይወት ኢና እንነብር ዘለና፣ ካልኦት እውን ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኺካፈሉ ኻብ ልቢ ንላበዎም ኢና” በለ።

ብድሆታት ምስጋር

መብዛሕትኦም እቶም ኣብዚ ዕዮ ህንጸት እዚ ንኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት፡ ንገሊኡ ዕንቅፋታት ኪሰግርዎ ኣድልይዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ 60ታት ዕድሜኦም ዚርከቡ ዊልያምን ሳንድራን ኣብ ፐንስልቨንያ ጥጡሕ ናብራ ይነብሩ ነበሩ። ዓሰርተው ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ተቘጺሮም ዚዓይዩሉ፡ ኣቝሑ ማሽናት ዚሰርሕ ፋብሪካ ነበሮም። ኣብታ ዝዓበዩላ ጉባኤ የገልግሉ ነበሩ፣ መብዛሕትኦም ኣዝማዶም ድማ ኣብቲ ኸባቢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ስለዚ፡ እናተመላለሱ ኣብ ዎልኪል ኬገልግሉ ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተሎም፡ ንዚፈልጥዎም መብዛሕትኦም ሰባትን ንዝለመድዎ ነገራትን ራሕሪሖም ኪኸዱ ኸም ዘለዎም ተገንዚቦም እዮም። ዊልያም፡ “ነቲ ዝዓበናሉ ምሹእ ከባቢ ገዲፍና ምኻድ ኣዝዩ ዝዓበየ ብድሆ ዀይኑና ነበረ” በለ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ብዙሕ ጸሎት፡ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ኪግዕዙ ወሰኑ፣ ብውሳነኦም ከኣ ኣይጥዓሱን እዮም። ዊልያም ኣስዒቡ፡ “ምስ ስድራ ቤት-ኤል ሓቢርካ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ መወዳድርቲ የብሉን። ኣነን ሳንድራን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሕጉሳት ኢና” በለ።

ገለ ኻብቶም ኣብ ዎልኪል ዚዓይዩ ዘለዉ ሰብ ሓዳር

ኣብ ሃዋይ፡ ኣካያዲ ፕሮጀክት ህንጸት ኰይኑ ዚዓዪ ሪኪ፡ ኣብ ዎርዊክ ኣብ ዚካየድ ዘሎ ፕሮጀክት ህንጸት ምእንቲ ኺሕግዝ፡ ናብ ቤት-ኤል እናተመላለሰ ንኼገልግል ዕድመ ቐረበሉ። ሰበይቱ ኬንድራ፡ ነቲ ዕድመ ኪቕበሎ ኣተባብዓቶ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ወዲ 11 ዓመት ዝዀነ ወዶም ጃኮብ ተሻቐሉ። ስድራ ቤቶም ናብ ኒው ዮርክ ክትግዕዝ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ፡ ወዶም እውን ነቲ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ኣከባቢ ኺለምዶ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሰቦም።

ሪኪ፡ “ሓደ ኻብቲ ብቐዳምነት ዝሰራዕናዮ ነገራት፡ ጽቡቕ መንፈሳውነት ዘለዎም መንእሰያት ዘለዉዋ ጉባኤ ምርካብ እዩ ነይሩ። ጃኮብ ወድና፡ ጽቡቕ ምሕዝነት ኪረክብ ኢና እንደልዮ ኔርና” በለ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እታ ዝዓረፉላ ጉባኤ ብዙሓት ቈልዑ እኳ እንተ ዘይነበርዋ፡ ሓያሎ ቤት-ኤላውያን ግና ነበርዋ። ሪኪ ኸምዚ በለ፦ “ድሕሪ እታ ናይ መጀመርታ ኣኼባና ንጃኮብ፡ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ጉባኤ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክሊ ዕድሚኡ ዚርከቡ ቘልዑ ብዘይምህላዎም፡ ከመይ ከም እተሰምዖ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ባባ ኣይትጨነቕ፡ እቶም ቤት-ኤላውያን ዝዀኑ መንእሰያት ኣሕዋት ኣዕሩኸይ ኪዀኑ እዮም’ በለኒ።”

ጃኮብን ወለዱን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓደ ቤት-ኤላዊ ባህ ኢልዎም ኺዘራረቡ ኸለዉ

እቶም መንእሰያት ዝዀኑ ቤት-ኤላውያን ምስ ጃኮብ ብሓቂ ተዓራሪኾም እዮም። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ሪኪ፡ “ሓደ ምሸት ብጥቓ ኽፍሊ ወደይ ክሓልፍ ከለኹ፡ መብራህቲ ተወሊዑ ረኣኹ። ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ኪጻወት ዘምሰየ መሲሉኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዜንብብ ነይሩ። እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ምስ ሓተትክዎ ድማ፡ ‘ከም ቤት-ኤላውያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከንብቦ እየ’ ኢሉ መለሰለይ” በለ። ስለዚ፡ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ሪኪ ኣብቲ ኣብ ዎርዊክ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ህንጸት ኪካፈል ብምኽኣሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብኡ ምግዓዞም ንመንፈሳዊ ዕቤት ወዶም ኣበርክቶ ብምግባሩ እውን ተሓጒሶም እዮም።—ምሳ. 22:6

ብዛዕባ መጻኢ ኣይተጨነቑን

ሉኢስን ደይልን

እቲ ኣብ ዎልኪልን ኣብ ዎርዊክን ዚዕይየ ዘሎ ፕሮጀክትታት ህንጸት፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኺዛዘም እዩ። ስለዚ፡ እቶም ንኺሕግዙ እተዓደሙ፡ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚዓይዎ ዕዮ ግዝያዊ ምዃኑ ይግንዘቡ እዮም። እሞኸ፡ እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣበይ ከም ዚኸዱ ወይ እንታይ ከም ዚገብሩ እምብዛ ይጭነቑ ድዮም፧ ኣይፋሎምን። መብዛሕትኦም ከምቶም ካብ ፍሎሪዳ ዝመጹ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዚርከቡ ሰብ ሓዳር እተሰምዖም ስምዒት እዩ ዘለዎም። ኣካያዲ ህንጸት ዝዀነ ጆንን ሰበይቱ ካርመንን ኣብ ዎርዊክ ግዝያውያን ወለንተኛታት ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ። “የሆዋ ኽሳዕ እዚ እዋን እዚ ዜድልየና ዘበለ ፍሉይ ነገራት ብኸመይ ከም ዘማልኣልና ርኢና ኢና። ጸኒሑ ንኺጥንጥነና ኢሉ ናብዚ ኸም ዘየምጽኣና ኸኣ ንግንዘብ ኢና” በሉ። (መዝ. 119:116) ኣብ መጥፍኢ ሓዊ ዚዓዪ ሉኢስን ሰበይቱ ኬንያን ኣብ ዎልኪል እዮም ዜገልግሉ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “የሆዋኢዱ ዘርጊሑ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ብልግሲ ኺህበና ኸሎ ርኢና ኢና። ኣብ ዚመጽእ እውን፡ ብኸመይ፡ መዓስ፡ ወይ ኣበይ ከም ዚገብሮ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ብቐጻሊ ኸም ዚሓልየልና ግና ንተኣማመን ኢና።”—መዝ. 34:10፣ 37:25

“በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ”

ጆንን መልቪንን

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚግበር ዕዮ ህንጸት ዚሕግዙ ኣስፋሕቲ፡ ወለንተኛታት ንኸይኰኑ ምኽንያት ዚዀኖም ነገራት ነይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ምስቲ የሆዋ፡ “መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዐዘቡኒ” ብምባል ዘቕረበልና ዕድመ ብምስምማዕ፡ ንየሆዋ ‘ተዓዚቦምዎ’ እዮም።—ሚል. 3:10

ንስኻኸ ንየሆዋ ኽትዕዘቦን በረኸቱ ኽትረክብን ዲኻ፧ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚግበር ዘሎ ይኹን ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ብምክፋል፡ ኣብዚ ባህ ዜብል ዕዮ እጃምካ ንኸተበርክት እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ብጸሎት ሕሰበሉ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዚባርኸካ ኸኣ ኽትርኢ ኢኻ።—ማር. 10:29, 30

ጋሪ

ሲቪላዊ መሃንድስ ዝዀነ ደይልን ካቲ ሰበይቱን ካብ ኣላባማ እዮም መጺኦም፣ ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ሕጂ ኣብ ዎልኪል ብወለንታ የገልግሉ ኣለዉ። “ነቲ ዝነበረካ ምሾት ክትሓድጎ እንተ ቘሪጽካ፡ መንፈስ የሆዋ ኺዓዪ ኸሎ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ኺህልወካ እዩ” በሉ። ፍቓደኛ ዄንካ ንኽትቀርብከ ኻባኻ ዚድለ እንታይ እዩ፧ ደይል፡ “ናብራኻ ኣጸቢቕካ ኣቕልል። ኣይክትጠዓሰሉን ኢኻ” በለ። ካብ ኖርዝ ካሮላይና ዝመጸ ጋሪ ኸኣ፡ ን30 ዓመት ዚኣክል ከም ኣካያዲ ህንጸት ኰይኑ ዓይዩ እዩ። ንሱን ሞሪ ሰበይቱን፡ “ምስቶም ንምሉእ ህይወቶም ኣብ ቤት-ኤል ኰይኖም ንየሆዋ ብምግልጋል ዘሕለፍዎ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ምእካብን ምስራሕን” ሓደ ኻብቲ ኣብ ዎርዊክ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ በረኸት ምዃኑ ገለጹ። ጋሪ ኣስዒቡ፡ “ኣብ ቤት-ኤል ንኸተገልግል ቀሊል ናብራ ኽትነብር ኣሎካ። እዚ ኸኣ፡ ነዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንኽትሰግሮ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብሉጽ መገዲ እዩ” በለ። ምስ ሓደ ብኰንትራት ዚዓዪ ዓራይ ኤለክትሪክ ዚሰርሕ ዝነበረ ጀይሰንን ጀኒፈር ሰበይቱን እውን ካብ ኢሊኖይ ዝመጹ ሰብ ሓዳር እዮም። ንሳቶም ኣብ ዎልኪል ኣብ ፕሮጀክት ቤት-ኤል ምዕያይ፡ “ምስቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ዚቀራረብ እዩ” በሉ። ጀኒፈር ኣስዕብ ኣቢላ፡ “የሆዋ ንዅሉ እንገብሮ ነገራት ከም ዜማስወሉን ነባሪ ረብሓ ኸም ዘለዎ ገይሩ ኸም ዚርእዮን ምፍላጥ ዜሐጕስ እዩ። የሆዋ ብዘይ ልክዕ እዩ ዚባርኸካ” በለት።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2014 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 12-13 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ ቤት-ኤል እናተመላለሱ ናይ ክፍለ ግዜ ዕዮ ዚዓይዩ ቤት-ኤላውያን፡ ኣብ ሰሙን ንሓደ ወይ ዝያዳ መዓልትታት ኣብ ቤት-ኤል እናዓየዩ ንቤቶምን ንመነባብሮ ዜድልዮምን ወጻኢታት ባዕሎም እዮም ዚሽፍንዎ።