ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ብንእስነቱ ዝገበሮ ውሳነ ኣየጣዓሶን

ብንእስነቱ ዝገበሮ ውሳነ ኣየጣዓሶን

እቲ ንኣቦይ ኣኮኡ ዝዀነ ኒኮላይ ዱቦቪንስኪ ኣብቲ ብህይወት ዝነበረሉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ዘሕለፎ ዜሐጕስን ዜጨንቕን ተመክሮታቱ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሕብረት ሶቭየት ነበር ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ዘሕለፎ ተመክሮታት መዝጊብዎ እዩ። ብድሆታትን ጸገማትን እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ እሙንን ንህይወት ዜስተማቕራን እዩ ነይሩ። ሓወቦይ ኒኮላይ ብዙሕ ግዜ መንእሰያት ታሪኽ ህይወቱ ኺሰምዕዎ ኸም ዚደሊ ይዛረብ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ገለ ኻብኡ ኸካፍል እደሊ እየ። ብ1926 ኣብ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ቸርኒቭትሲ፡ ኣብ ቍሸት ፖድቪሪቭካ፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ እዩ ተወሊዱ።

ኒኮላይ ንሓቂ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝረኸባ

ሓወቦይ ኒኮላይ ከምዚ ኢሉ ታሪኹ ይጅምር፦ “ብ1941፡ ሓደ መዓልቲ ዓብዪ ሓወይ ኢቫን ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስን ዘርእስተን መጻሕፍትን እተወሰነ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ሒዙ ናብ ገዛና መጸ። ኣነ ኸኣ ንዅለን ኣንበብክወን። ምንጪ ዅሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ፡ ድያብሎስ እምበር፡ ኣምላኽ ዘይምዃኑ ምፍላጠይ ገረመኒ። ኣብ ርእሲ እቲ ጽሑፋት ድማ፡ ወንጌላት ምስ ኣንበብኩ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ፈለጥኩ። ንተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብውዕዉዕ መንፈስ ንኻልኦት ከካፍል ጀመርኩ። ነዚ ጽሑፋት እዚ ምስ ኣጽናዕክዎ፡ ብዛዕባ ሓቂ ዘሎኒ ግንዛበ ዓበየ፡ ኣገልጋሊ የሆዋ ንምዃን እውን ሓያል ባህጊ ኣሕደርኩ።

“ብሰንኪ እምነተይ መከራ ኸም ዝጸግብ ተረዲኡኒ ነበረ። ግዜኡ፡ ግዜ ውግእ ነበረ፡ ኣነ እውን ንሓደ እኳ ኸይቀትል ወሲነ ነበርኩ። ነቲ ዚመጸኒ ፈተናታት ንምድላው፡ ከም ማቴዎስ 10:28⁠ን 26:52ን ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮይ ሸምደድዎ። ክሳዕ ሞት እውን እንተ ዀነ፡ ወትሩ ንየሆዋ እሙን ክኸውን ቈሪጸ ነበርኩ!

“ብ1944፡ 18 ዓመት ስለ ዝመላእኩ፡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጸዋዕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ እየ ንፈለማ ግዜ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ክራኸብ ዝኸኣልኩ፣ ንሳቶም እውን ኣብቲ ወተሃደራት ዚኽተቡሉ ነቝጣ ተኣኪቦም ዝነበሩ ዕድሚኦም ንውትህድርና ዝኣኸለ መንእሰያት ኣሕዋት እዮም ነይሮም። ነቶም ሰበ ስልጣን ከኣ ኣብቲ ውግእ ከም ዘይንሳተፍ ብቘራጽነት ነገርናዮም። እቶም ወተሃደራት ድማ ስለ ዝነደሩ፡ ከም ዘጥምዩና፡ ወይ ድፋዕ ከም ዜዅዕቱና፡ ወይ ከም ዚርሽኑና እናገለጹ ኼፈራርሁና ፈተኑ። ንሕና ግና ከይፈራህና፡ ‘ኣብ ኢድኩም ኢና። ዝገበርኩም እንተ ገበርኩም እኳ፡ ነቲ “ኣይትቕተል” ዚብል ሕጊ ኣምላኽ ኣይነፍርስን ኢና’ በልናዮም።—ዘጸ. 20:13

“ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣነን ክልተ ኻልኦት ኣሕዋትን ኣብ ሕርሻ ኽንዓይን ዝፈራረሰ ኣባይቲ ኽንጽግንን ናብ በላሩስ ተሰደድና። ኣብ ወሰናስን ሚንስክ ነቲ ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ ክርኢ ትዝ ይብለኒ። ብሓዊ ዝሓረረ ኣእዋም ነቲ ጐደና መሊእዎ ነበረ። ከይተቐብረ ዛሕ ዝበለ ሬሳታትን ዝተነፍሐ ገምቢ ኣፍራስን ኣብ ካናለታትን ኣብ ዱርን ተዛሕዚሑ ነበረ። ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ተጐተትቲ ዓረብያታትን መዳፍዕን ዝወደቐት ነፋሪትን እውን ረኣኹ። ትእዛዛት ኣምላኽ ምፍራስ ዜስዕቦ ሳዕቤናት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ነበረ።

“እቲ ውግእ ብ1945 ኣብቅዐ፣ ንሕና ግና ክንዋጋእ ፍቓደኛታት ብዘይምዃንና፡ ንዓሰርተ ዓመት ክንእሰር ተፈሪዱና ነበረ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣኼባታት ወይ እተሓትመ መንፈሳዊ ምግቢ ኣይነበረናን። ምስ ገሊአን ኣሓት ብደብዳበ ርክብ ክንጅምር እኳ እንተ ኸኣልና፡ ንሳተን እውን ተኣስራ፡ ን25 ዓመት ኣብ ደምበ ሸቕሊ ኺዳጐና ድማ ተፈርደን።

“ድሕሪኡ፡ ብ1950 ነቲ ማእሰርትና ኸይወዳእና ተፈቲሕና ናብ ዓድና ተመለስና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣደይን ማርያ ሓብተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነን ነበራ! ዓበይቲ ኣሕዋተይ እውን ገና እኳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዘይኰኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ነበሩ። ብንጥፈት እሰብኽ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣባላት ጸጥታ ሶቭየት ከም ብሓድሽ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኼእትዉኒ ደለዩ። ሽዑ፡ እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሕዎ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ብሕቡእ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዀይነ ጽሑፋት ኣብ ምድላው ክሕግዝ ሓተቱኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ወዲ 24 ዓመት እየ ነይረ።”

ጽሑፋት ምድላው

“እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ባይታ እንተ ተኸልኪሉ፡ ኣብ ትሕቲ ባይታ ኪቕጽል እዩ’ ዚብል ብሂል ይፈትዉ ነይሮም እዮም። (ምሳ. 28:28) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መብዛሕትኡ ሕትመትና፡ ኣብ ትሕቲ ባይታ ኣብ ዚርከብ ሕቡእ ቦታታት እዩ ዚግበር ነይሩ። እታ ናይ ፈለማ ‘ቦታ ስራሐይ፡’ ኣብ ትሕቲ እታ ድሚትሪ ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ ዚነብረላ ቤት እትርከብ ክፍሊ ነበረት። ሓድሓደ ግዜ ንኽልተ ሰሙን ምሉእ ኻብታ ኽፍሊ ኸይወጻእኩ እቕኒ ነበርኩ። እታ ብላምባ እትሰርሕ መብራህቲ ብዋሕዲ ኦክስጅን እንተ ጠፊኣ፡ እታ ኽፍሊ ብጽሩይ ኣየር ክሳዕ እትመልእ፡ በጥ ኢለ እጽበ ነበርኩ።

ስእሊ እታ ኒኮላይ ጽሑፋት ዜባዝሓላ ዝነበረት ኣብ ትሕቲ ባይታ እትርከብ ሕብእቲ ኽፍሊ

“ሓደ መዓልቲ፡ ምሳይ ዝሰርሕ ሓው፡ ‘ኒኮላይ፡ ተጠሚቕካ ዲኻ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ን11 ዓመት ንየሆዋ እኳ እንተ ኣገልገልክዎ፡ ክሳዕ ሽዑ ኣይተጠመቕኩን። ስለዚ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ኣመያየጠኒ፡ ኣብ 26 ዓመት ዕድመይ ኣብ ሓደ ቐላይ ተጠመቕኩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ኣባል ኮሚተ ሃገር ክኸውን ተወሳኺ ሓላፍነት ተዋህበኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዘይተኣስሩ ኣሕዋት ነቶም እተኣስሩ ኣሕዋት ተኪኦም ነቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕጻል ይሽየሙ ነበሩ።”

ኣብ ትሕቲ ባይታ ምስራሕ ዜምጽኦ ጸገማት

“እቲ ኣብ ትሕቲ ባይታ ኴንካ ዚዕየ ዕዮ ሕትመት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝገደደ እዩ ነይሩ! ከይ.ጂ.ቢ. ምእንቲ ኸይከታተሉኒ ኸኣ፡ ንሸውዓተ ዓመት ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ክኸይድ ኣይከኣልኩን፣ ስለዚ፡ ንመንፈሳውነተይ ባዕለይ ክከናኸን ነበረኒ። ንስድራ ቤተይ ድማ ሳሕቲ ኽብጽሖም ክኸይድ ከለኹ ጥራይ እየ ዝርእዮም ነይረ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዅነታትይ ይርድኦም ነበረ፡ እዚ እውን የተባብዓኒ ነበረ። እቲ ቐጻሊ ውጥረትን እናተጠንቀቕካ ምንባርን ንሓይለይ ጸንቀቖ። ንዅሉ ድሉዋት ክንከውን ነበረና። ንኣብነት፡ ሓደ ምሸት ክልተ ወተሃደራት ፖሊስ ናብታ ዝነበርክዋ ገዛ መጹ። ኣነ ድማ በቲ ዝባን እታ ገዛ ዘሎ መስኮት ዘሊለ ወጺአ፡ ናብ ጫካ ሃደምኩ። ናብ ሜዳ ኽወጽእ ከለኹ፡ ፍልይ ዝበለ ፋጻታት ሰማዕኩ። ተዅሲ ምስ ሰማዕኩ ከኣ፡ እቲ ፋጻ ናይ ጠያይት ምዃኑ ተረድኣኒ። ሓደ ኻብቶም ዚጐይዩኒ ዝነበሩ ድማ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ እናሰዓበ፡ ጠያይቱ ኽሳዕ ዚውድእ ተኰሰለይ። ሓንቲ ኻብተን ጠያይት እውን ኢደይ ወቕዓትኒ። ኣብ መወዳእታ፡ ንሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ምስ ጐየዩኒ፡ ኣብ ዱር ተሓቢአ ኣምለጥክዎም። ካልእ ግዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብኩሉ እዋን፡ 32 ሳዕ ከም ዝተኰሱለይ ተነግረኒ!

“ኣብ ትሕቲ ባይታ ተሓቢአ ነዊሕ ግዜ እጸንሕ ብምንባረይ፡ ጸማልያ እመስል ነበርኩ። እዚ ድማ እንታይ እገብር ከም ዝነበርኩ የኽሽሓኒ ነበረ። ስለዚ፡ ብእተኻእለኒ መጠን ጸሓይ እጽሎ ነበርኩ። ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝሕልፎ ዝነበርኩ ህይወት፡ ንጥዕናይ እውን ጸልይዎ እዩ። ሓደ ግዜ፡ ብኣፍንጫይን ብኣፈይን እደሚ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኣብ ዚግበር ኣገዳሲ ኣኼባ ኽእከብ ኣይከኣልኩን።”

ኒኮላይ ተኣስረ

ብ1963 ኣብ ሞርድቪኒያ ኣብ ዚርከብ ደምበ ሸቕሊ

“ብ26 ጥሪ 1957፡ ከኣ ተተሓዝኩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዩክረይን ብይኑ ሃበ። ክርሸን ተፈርደኒ፣ ኣብታ ሃገር መቕጻዕቲ ሞት ስለ ዝተረፈ ግና፡ እቲ ፍርዲ ናብ ናይ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተቐየረ። ሸሞንቴና ብድምር 130 ዓመት ኣብ ደምበ ሸቕሊ ኽንዳጐን ተፈርደና። ናብቲ 500 ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበርዎ ኣብ ሞርድቪኒያ ዚርከብ ደምበታት ተሰደድና። ግምቢ ዘብዐኛ ንምጽናዕ በብንኣሽቱ ጕጅለታት ኴንና ብምስጢር ንእከብ ነበርና። ሓደ ሓላዊ ንገሊኡ እተገበተ መጽሔታትና ድሕሪ ምርኣዩ፡ ‘ነዚ ምንባብ እንተ ቐጺልኩም፡ ዘይትምብርከኹ ኽትኰኑ ኢኹም!’ በለ። ወትሩ ብቕንዕና ንዓዪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ካብቲ እተመደበልና ዕዮ ንላዕሊ ንዓዪ ነበርና። ኰይኑ ግና፡ ኣዛዚ እቲ ደምበ፡ ‘እቲ ኣብዚ እትገብርዎ ዕዮ ንዓና ዜገድሰና ኣይኰነን። ተኣማንነትኩምን ተኣዛዝነትኩምን ኢና እንደሊ’ ይብል ነበረ።”

“ወትሩ ብቕንዕና ንዓዪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ካብቲ እተመደበልና ዕዮ ንላዕሊ ንዓዪ ነበርና”

ንጽህናኡ ኣይቀሃመን

ኣብ ቨሊኪየ ሉኪ እትርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

ሓወቦይ ኒኮላይ ብ1967 ካብ ደምበ ሸቕሊ ምስ ተፈትሐ፡ ኣብ ኢስቶንያን ኣብታ ኣብ ሩስያ እትርከብ ሰይንት ፒተርስበርግን ጉባኤታት ንምውዳብ ሓጊዙ እዩ። ኣብ መጀመርታ 1991 ድማ፡ እቲ እተኸስሰሉ ገበን ብዘይ እኹል መርትዖ ብምንባሩ፡ ካብቲ ብ1957 እተበየነ ብይን ሓራ ዀነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብሰበ ስልጣን ግፍዒ ወሪድዎም ዝነበረ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ኽሶም ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዀኑ። ብ1996፡ ኒኮላይ ናብታ ካብ ሰይንት ፒተርስበርግ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ኣውራጃ ፕስኮቭ እትርከብ ከተማ ቨሊኪየ ሉኪ ገዓዘ። ንእሽቶ ቤት ከኣ ዓደገ፣ ብ2003 ድማ ኣብ መሬቱ ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸት። ሎሚ፡ ጽቡቕ ዕቤት ዚገብራ ኽልተ ጉባኤታት ኣብኣ ይእከባ ኣለዋ።

ኣነን ሰብኣየይን ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና እነገልግል። ኣብ መጋቢት 2011፡ ሓወቦይ ኒኮላይ ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ ሙማቱ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኺበጽሓና መጺኡ ነይሩ። ኣብ ኣዒንቱ ሓጐስ እናተንብበ ኸኣ፡ “ካብዚ ዅሉ እንርእዮ ዘለና ነገር፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንያሪኮ እንዞረላ ሻውዐይቲ መዓልቲ ጀሚራ ኸም ዘላ ይርኣየኒ ኣሎ” ምባሉ ልብና እዩ ተንክዩና። (እያ. 6:15) ወዲ 85 ዓመት እዩ ነይሩ። ህይወቱ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ በዚ ዚስዕብ ቃላት ግና እዩ ገሊጽዎ፦ “ብንእስነተይ ንየሆዋ ኸገልግል ምውሳነይ ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰኒ። ብእኡ ኸቶ ኣይጠዓስን እየ!”