ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ምስ ኣምላኽን ምስ ኣደይን ኣብ ዘሎኒ ርክብ ሰላም ረኺበ

ምስ ኣምላኽን ምስ ኣደይን ኣብ ዘሎኒ ርክብ ሰላም ረኺበ

ኣደይ፡ “ስለምንታይ ኢኺ ንኣቦታትኪ ዘይተምልኺ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ብሳላኦም ህይወት ከም ዝረኸብኪዶ ኣይትፈልጥን ኢኺ፧ ኣይተመስግንን ዲኺ፧ ካብ ወለዶታት እናተወራረሰ ዝመጸ ልምድታት ከመይ ጌርኪ ትድርብይዮ፧ ንኣቦታትና ኸተኽብሪ ፍቓደኛ ዘይምዃንኪ፡ ንኣምልኾና ኸም ዕሽነት ትርእይዮ ኣለኺ ማለት እዩ” በለትኒ። ሽዑ፡ ስምዒታ ምቍጽጻር ኣብይዋ በኸየት።

ኣደይ ከምዚ ዓይነት ዘረባ እትዛረብ ሰብ ኣይነበረትን። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዝቐረበላ ዕድመ ኽትነጽጎ ኸላ፡ ከይተቐይሞም ኢላ ንዓይ መጽናዕቲ ኽገብር መሰናድዎ ገበረትለይ። ወትሩ እእዘዛ ስለ ዝነበረኩ፡ መጽናዕቲ ኽሓድጎ ምስ ደለየት ምእባያ ኸቢዱኒ ነይሩ። ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸብሎ ግና፡ ክኣብያ ነበረኒ። ብዘይ እቲ ንሱ ዚህበኒ ሓይሊ፡ ከምኡ ኽገብር ኣይምኸኣልኩን።

ክርስትያን ኰንኩ

ንሕና ኸም መብዛሕትኦም ህዝቢ ጃፓን ሰዓብቲ እምነት ቡድህና ነበረና። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክልተ ወርሒ ምስ ኣጽናዕኩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ኣመንኩ። ሰማያዊ ኣቦ ኸም ዘሎኒ ምስ ፈለጥኩ፡ ብዛዕባኡ ኽፈልጥ ተሃንጠኹ። ኣነን ኣደይን ብዛዕባ እቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ተሓጒስና ንመያየጥ ነበርና። ኣብቲ ኣብ ሰናብቲ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት እውን ክእከብ ጀመርኩ። ብዛዕባ ሓቂ ዘሎኒ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ጽምብል ቡድህና ኸም ዘይሳተፍ ነገርክዋ። ብሃንደበት፡ ኣረኣእያኣ ተቐየረ። “ንኣቦታትና ዘይፈቱ ሰብ ኣብ ስድራ ቤትና ኺህሉ ውርደት እዩ” ኢላ ተዛረበትኒ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣኼባታትን ክሓድጎ ሓተተትኒ። ኣደይ ከምዚ ትብል እያ ዚብል ትጽቢት ኣይነበረንን! ካልእ ሰብ ኰይና እያ ተራእያትኒ።

ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 6፡ የሆዋ ንወለደይ ክእዘዝ ከም ዚደልየኒ ተማሂረ ነይረ እየ። ኣቦይ እውን ብወገን ኣደይ ኰነ። ኣብ ፈለማ፡ እንተ ሰሚዐዮም፡ ከም ዚሰምዑንን ኣብ ስድራና ሰላም ከም ዚኸውንን ሓሲበ ነይረ። ብዘይካዚ፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዜእቱ መርመራ ቐሪቡ ነበረ፣ ኣነ እውን ክዳሎ ነበረኒ። ስለዚ፡ ንሰለስተ ወርሒ ኸምቲ ዝበልዎ ኽገብር ተሰማማዕኩ፣ እዋኑ ምስ ኣኸለ ናብ ኣኼባታት ከም ዝኸይድ ግና ንየሆዋ ቓል ኣተኹሉ።

ውሳነይ ግና ብኽልተ መገዲ ሕማቕ እዩ ነይሩ። ቀዳማይ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ስምዒተይ ዘይቅየር መሲሉኒ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ ብቕልጡፍ እናደኸመ ኸይዱ። ካልኣይ፡ ኣደይን ኣቦይን ቍሩብ ሕድገታት ኣብ ክንዲ ዚገብሩ፡ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ከቋርጽ ዝያዳ ጸቕጢ ገይሮምለይ እዮም።

ደገፍን ምጽራርን

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ስድራ ቤቶም ምስ ዚጻረርዎም ብዙሓት ሰባት ተራኸብኩ። ንሳቶም ከኣ የሆዋ ኸም ዜበርትዓኒ ኣረጋገጹለይ። (ማቴ. 10:34-37) ኣነ ንየሆዋ እምንቲ እንተ ዀይነ፡ ስድራ ቤተይ ብዛዕባኡ ኺምሃሩ ኸም ዚኽእሉ ኣረድኡኒ። ስለዚ፡ ከመይ ገይረ ናብ የሆዋ ኸም ዝጽጋዕ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ብጽኑዕ ክጽሊ ጀመርኩ።

ስድራ ቤትና ብእተፈላለየ መገዲ እዮም ዚጻረሩኒ ነይሮም። ኣደይ ትልምነንን ከተረድኣኒ ትፍትንን ነበረት። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ስቕ እብላ ነበርኩ። ክዛረባ ኸለኹ፡ ክልቴና መገድና ቕኑዕ ምዃኑ ኸነረድእ እንጽዕር ስለ ዝነበርና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንቋየቝ ነበርና። ንስምዒታታን ንእምነታታን ብዝያዳ ኣኽብሮት እንተ ዘርኢ፡ ሃዲእና ምተዛራረብና ኔርና። ወለደይ ካብ ገዛ ምእንቲ ኸይወጽእ ኢሎም ዕዮ ገዛ የብዝሑለይ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ገዛ ዓጽዮም ኣብ ግዳም የሕድሩኒ ወይ ምግቢ ኣይሓድጉለይን ነበሩ።

ኣደይ ካብ ካልኦት እውን ሓገዝ ሓተተት። ንኣብነት፡ ንመምህረይ ሓተተቶ፣ ንሱ ግና ኣብቲ ጕዳይ ገለልተኛ ዀነ። ኵሉ ሃይማኖት ዘይጠቅም ምዃኑ ምእንቲ ኼእምነኒ ኢላ ድማ፡ ናብ ኣካያዲ ስራሕ እቲ እትሰርሓሉ ቦታ ወሰደትኒ። ኣብ ገዛ ኸኣ ናብ እተፈላለዩ ኣዝማድናን እናደወለት ኪሕግዝዋ እናነብዐት ትልምኖም ነበረት። እዚ ድማ የበሳጭወኒ ነበረ፣ ኣብ ኣኼባታት ዚርከቡ ሽማግለታት ግና፡ ኣደይ ከይተፈለጣ ነዞም ኵሎም ሰባት ትምስክረሎም ከም ዘላ ነገሩኒ።

ድሕሪኡ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ምእታው ምስሕሓብ ተፈጥረ። ወለደይ ነቲ ንሳቶም ኣብ ህይወት ብሉጽ መፈለምታ ኢሎም ዚሓስብዎ ነገር ኪህቡኒ መዲቦም ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ጽቡቕ ስራሕ ዝረክብ መሲልዎም ነበረ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብህድኣት ክንዘራረብ ስለ ዘይከኣልና፡ ንኣደይን ንኣቦይን ብዛዕባ ሸቶታተይ ዚገልጽ ደብዳበታት ጸሓፍኩሎም። ኣቦይ ከኣ በዚ ነዲሩ፡ “ስራሕ ክትረኽቢ እትኽእሊ እንተ መሲሉኪ፡ ወይ ክሳዕ ጽባሕ ርኸቢ ወይ ካብዛ ገዛ ውጺ” ኢሉ ኣፈራርሃኒ። ነዚ ጕዳይ እዚ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣቕረብክዎ። ንጽብሒቱ ኣብ ኣገልግሎት ከለኹ፡ ክልተ ኣሓት በብርእሰን ኣንቂደን ንደቀን ብግሊ ኽምህረለን ሓተታኒ። ኣቦይ በዚ ስለ ዘይተሓጐሰ፡ ምሳይ ምዝርራብ ሓደጎ፣ ካብኡ ንደሓር ኪጐስየኒ ጀመረ። ኣደይ ከኣ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን፡ ገበነኛ ክኸውን ከም ዚሕሻ ነገረትኒ።

የሆዋ፡ ሓሳበይ ከነጽርን ኣንፈተይ ክፈልጥን ሓገዘኒ

ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ንድሌት ወለደይ ክሳዕ ክንድዚ ኽጻረር ዚደልየኒ እንተ ዀይኑ እሓስብ ነበረኩ። ዝያዳ ብዝጸለኹን ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ንዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዘስተንተንኩሉን መጠን ግና፡ ኣወንታዊ ክኸውንን ወለደይ ብእተወሰነ ደረጃ ኻብ ሓልዮት ተላዒሎም ከም ዚቃወሙኒ ኸስተውዕልን ከኣልኩ። የሆዋ፡ ሓሳበይ ከነጽርን ኣንፈተይ ክፈልጥን ሓገዘኒ። ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ብእተሳተፍኩ መጠን ከኣ፡ ብዝያዳ እናፈተኽዎ ኸድኩ። እወ፡ ፈላምነት ሸቶይ ኰነ።

ፈላሚት ኰይነ ኣገልገልኩ

ገሊአን ኣሓት ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ኸም ዝደሊ ምስ ፈለጣ፡ ወለደይ ክሳዕ ዚሃድኡ ኽጸንሕ መኸራኒ። ኣነ ድማ ጥበብ ኪውሃበኒ ጸለኹ፡ ምርምር ገበርኩ፡ ውሽጣዊ ድራኸይ ፈተሽኩ፡ ምስ ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ተመያየጥኩ። ንየሆዋ ባህ ከብሎ ኸም ዝደሊ ኸኣ ደምደምኩ። ብዘይካዚ፡ ፈላሚት ንምዃን ዝነበረኒ ሸቶ ዋላ እኳ እንተ ኣደናጐኽዎ፡ ኣረእእያ ወለደይ ከም ዚቕየር ውሕስነት ኣይነበረንን።

ኣብታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝነበርኩላ ናይ መወዳእታ ዓመት ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ንእተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምግልጋለይ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይደ ናይ ምግልጋል ሸቶ ኣውጻእኩ። ኣደይን ኣቦይን ግና ካባታቶም ክፍለ ኣይደለዩንን። ስለዚ፡ ጓል 20 ዓመት ክሳዕ ዝኸውን ጸናሕኩ። ድሕሪኡ፡ ንኣደይ ምእንቲ ኽትቀስን ኢለ፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብቲ ኣዝማድና ዝነበርዎ ደቡባዊ ጃፓን ኪምድበኒ ሓተትክዎ።

ኣብቲ ምድበይ ከኣ፡ ገሊአን መጽናዕቲ ዝመራሕኩለን ሰባት ኪጥመቓ ብምርኣየይ ተባሪኸ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣገልግሎተይ ምእንቲ ኸስፍሕ ኢለ፡ እንግሊዝኛ ተምሃርኩ። ኣብታ ዝነበርኩላ ጉባኤ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዝዀኑ ኽልተ ኣሕዋት ነበሩ። ቅንኣቶምን ከመይ ገይሮም ንኻልኦት ከም ዚሕግዙን ድማ እርኢ ነበርኩ። ስለዚ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ናይ ምዃን ሸቶ ኣውጻእኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣደይ ክልተ ሳዕ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጠማ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ክኣልያ ናብ ገዛ ተመለስኩ። እዚ ዘይተጸበየቶ ብምንባሩ፡ ኣረኣእያኣ ብእተወሰነ ተቐየረ።

በረኸት ኣብ ልዕሊ በረኸት

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ካብቲ ኣትሱሺ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎም ፍሉያት ፈለምቲ ደብዳበ መጸትኒ። ኪምርዖ ይሓስብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምስዚ ብእተተሓሓዘ ዅነታተይን ስምዒተይን ከመይ ምዃኑ ሓተተኒ። ንኣትሱሺ ብዓይኒ ፍቕሪ ርእየዮ ኣይፈልጥን እየ ነይረ፣ ንሱ ንዓይ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ከም ዝነበሮ እውን ኣይፈለጥኩን ነይረ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ፡ ብዝያዳ ኽንፋለጥ ፍቓደኛ ምዃነይ መለስኩሉ። ብዙሕ ሓባራዊ ነገር ከም ዘሎና ተገንዘብና፣ ክልቴና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንስዕብ፡ ኣብ እተመደብናሉ ዘበለ ድማ ከነገልግል ንደሊ ነበርና። ድሕሪ ግዜ፡ ተመርዓና። ኣደይን ኣቦይን ገሊኦም ኣዝማደይን ኣብ መርዓይ መጺኦም ምስ ረኣኽዎም፡ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ!

ነፓል

ስሩዓት ፈለምቲ ዄንና እናኣገልገልና ኸለና፡ ብዙሕ ከይጸናሕና ኣትሱሺ ተተካኢ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ተሸመ። ቀጺሉ ኸኣ ካልእ በረኸት ረኸብና እሞ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ተሸምና፡ ድሕሪኡ እውን ናብ ስሩዕ ዕዮ ወረዳ ተመደብና። ነተን ኣብ ወረዳና ዝነበራ ዅለን ጉባኤታት ሓሓንሳእ ምስ በጻሕናየን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተሌፎን ተደወለልና። ናብ ነፓል ኬድና ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ፍቓደኛ እንተ ዄንና ድማ ተሓተትና።

ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ምግልጋለይ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ምሂሩኒ

ናብ ርሑቕ ብዛዕባ ምኻድ፡ ወለደይ ከመይ ከም ዚስምዖም ኣተሓሳሲቡኒ ነበረ። ስለዚ፡ ተሌፎን ደወልኩሎም። ኣቦይ ነታ ተሌፎን ኣልዓላ እሞ ዘረባይ ድሕሪ ምስማዕ፡ “ናብ ጽቡቕ ቦታ ኢኺ ኽትከዲ” በለኒ። ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ፡ ሓደ ኻብ ኣዕሩኹ ብዛዕባ ነፓል እትገልጽ መጽሓፍ ሂብዎ ነይሩ፣ ኣቦይ ከኣ ናብታ ሃገር ንምብጻሕ ኪኸይድ ተመንዩ ነይሩ።

ኣብ መንጎ እቶም ምቕሉላት ነፓላውያን ከነገልግል ከለና ኸኣ፡ ካልእ በረኸት ረኸበና። ወረዳና ንባንግላደሽ ከም ዜጠቓልል ተገብረ። ባንግላደሽ ጥቓ ነፓል እትርከብ እኳ እንተ ዀነት፡ ብብዙሕ መዳያት ግና ኣዝያ እተፈልየት እያ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እተፈላለየ ነገር የጓንፈና ነበረ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ከም ብሓድሽ ናብ ጃፓን ተመደብና፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ዕዮ ወረዳ ተሓጒስና ነገልግል ኣለና።

ኣብ ጃፓንን ነፓልን ባንግላደሽን ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋን ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ እየ ተማሂረ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነናታ ፍሉይ ልምድን ባህልን ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እውን ፍሉይ ዚገብሮ ነገር ኣለዎ። የሆዋ ንሰባት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከመይ ገይሩ ኸም ዚሓልየሎምን ከም ዚቕበሎምን ከም ዚሕግዞምን ከም ዚባርኾምን ርእየ እየ።

ንዓይ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብዛዕባኡ ኽፈልጥ ኣጋጣሚ ብምኽፋት፡ ዕዮ ብምምዳብ፡ ንፉዕ ክርስትያን ሰብኣይ ድማ ብምሃብ ባሪኹኒ እዩ። ቅኑዕ ውሳነታት ክገብር እውን መምርሒ ሂቡኒ እዩ፣ ሕጂ ኸኣ ምስኡን ምስ ስድራ ቤተይን ጽቡቕ ርክብ ኣሎኒ። ሳላ የሆዋ፡ ሕጂ ኣነን ኣደይን መሓዙት ኴንና ኣለና። ምስ ኣምላኽን ምስ ኣደይን ኣብ ዘሎኒ ርክብ ሰላም ብምርካበይ ብዙሕ አመስግን እየ።

ኣብ ዕዮ ወረዳ ብዙሕ ሓጐስ ንረክብ ኢና