ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧

ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧

ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ህይወት: ዕላማ ወይ ትርጕም የብላን ዚብልዎ ሓሳብ ንደቂ ሰብ ካብ ዜጨንቖም ነገራት እቲ ዝዓበየ እዩ። እቲ ዕላማ ህይወት ብንጹር ዚፈልጥ ሰብ ግን ንጸገማት ተጸሚሙ ኺሓልፎ ይኽእል እዩ። ናይ ስነ-መትኒ ምሁርን ካብቲ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ዝደሓነን ቪክቶር ፍራንክል: “ኣብዛ ዓለም: ህይወት ትርጕም ዘለዋ ምዃኑ ኸም ምፍላጥ ገይሩ ንሓደ ሰብ ኣብ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኺነብር ዝሕግዞ ኻልእ ነገር የለን ኢለ ደፊረ ኽዛረብ እኽእል እየ” ኢሉ ጸሓፈ።

ይኹን እምበር: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣዝዩ ብዙሕን ንሓድሕዱ ዚጋጮን ኣረኣእያታት እዩ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ባዕሉ ዕላማ ህይወቱ ኺውስን ኣለዎ ኢሎም ይሓስቡ። ገሊኦም ኣብ ትምህርቲ ፍልቀት ዚኣምኑ ሰባት ግን ህይወት ናይ ሓቂ ትርጕም የብላን ኢሎም ይምህሩ።

ንዕላማ ህይወት ብዚምልከት ግን: ነቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እንተ ተወከስካ እዩ ርትዓዊ ኪኸውን ዚኽእል። ቃሉ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኪፈጥር ከሎ: ንጹር ዕላማ ኸም ዝነበሮ ይምህር እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ድማ ኣዘዞም።

ዘፍጥረት 1:28 “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ።”

ኣምላኽ: ኣዳምን ሄዋንን ምስ ውሉዳቶም ኰይኖም ንብምልእታ ምድሪ ገነት ኪገብርዋ እዩ እምበር: ኪኣርጉን ኪሞቱን: ከምኡውን ንኣካባቢኦም ኬበላሽዉ ኣይኰነን ፈጢርዎም። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ብሰሪ ዝገበርዎ ሕማቕ ምርጫ ግን: ሓጢኣትን ሞትን ወረስና። (ዘፍጥረት 3:2-6፣ ሮሜ 5:12) ዕላማ የሆዋ ግን ኣይተለወጠን። ድሕሪ ሓጺር እዋን: ምድሪ መሊሳ ገነት ክትከውን እያ።—ኢሳይያስ 55:10, 11

የሆዋ: ነቲ ዘውጸኦ ዕላማ ንምፍጻም ዜኽእለና ኣካላውን ኣእምሮኣውን ክእለት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። ካብኡ ርሒቕና ብገዛእ ርእስና ኽንነብር ኣይኰንናን ተፈጢርና። እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ኣብዚ ስዒቡ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተገልጸ ኣስተብህል።

መክብብ 12:13 “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”

ሚክያስ 6:8 “እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”

ማቴዎስ 22:37-39 “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

ሓንቲ ሕልኽልኽ ዝበለት ማሽን ብግቡእ ንኽትዓዪ: ነቲ እቲ ሰራሒኣ ዝዓለሞ ዕዮን በቲ ንሱ ዝሓበሮ መገድን ኪዕየየላ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: ብመንፈሳዊ: ብኣእምሮኣዊ: ብስምዒታዊ: ከምኡውን ብኣካላዊ መዳይ ንርእስና ኽንጐድእ እንተ ዘይደሊና: ንህይወትና በቲ እቲ ገባሪና ዝሓሰቦ መገዲ ኽንመርሓ ኣሎና። ንዕላማ ኣምላኽ ምፍላጥና: ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ህይወት ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ዜምጽኣልና ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ነገራት ክንሰርዕ ከለና:- ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንህይወቶም ሃብቲ ኣብ ምእካብ የውዕልዋ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ: “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ . . . ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ኢሉ የጠንቅቕ።—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

እቶም ንገንዘብ ዘይኰነስ: ንየሆዋ ኼፍቅርዎ እተማህሩ ሰባት ግን: ይኣኽለኒ ምባል ይፈልጡ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:7, 8) ሓቂ እዩ: ነቲ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ዘለዎ ኣገዳስነትን ብስጋዊ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡ ኸም ዘለዎምን ይፈልጡ እዮም። (ኤፌሶን 4:28) ኰይኑ ግን: ነዚ ዚስዕብ የሱስ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ ቓላት ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ:- “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ: ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ: ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።”—ማቴዎስ 6:24

ስለዚ: እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት: ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ዚሕዝ እቲ ዓለማዊ ስራሖም ወይ ከኣ ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብ ዘይኰነስ: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እዩ። ህይወቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዘማእከለ እንተ ዀይኑ: የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚሓልየሎም ይፈልጡ እዮም። አረ የሆዋ እውን ከምዚ ንምግባር ንርእሱ ኣብ ግዴታ የእትዋ እዩ።—ማቴዎስ 6:25-33

ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ:- ብዙሓት ሰባት ንርእሶም ኬቐድሙ እዮም ዚደልዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ሰላም ስኢና ዘላ: ብዙሓት ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ስለ ዝዀኑ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:2, 3) ሓደ ሰብ ኬጕህዮም ከሎ ወይ ከኣ በቲ ኣረኣእያኦም ዘይሰማማዕ እንተ ዀይኑ: “ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን” ይቕድሞም። (ኤፌሶን 4:31) ርእስኻ ዘይምግታእ “ቈየቛ የልዕል” ደኣ እምበር: ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣየምጽእን እዩ።—ምሳሌ 15:18

እቶም ነቲ ንብጻዮም ከም ነፍሶም ገይሮም ኬፍቅሩ ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዝ ዚእዘዙ ሰባት ግን: ‘ንሓድሕዶም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ይቕረ በሃልትን’ እዮም። (ኤፌሶን 4:32፣ ቈሎሴ 3:13) ካልኦት ሕያውነት ኣብ ዘየርእይዎም እዋን እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ምስ ጸረፍዎ “መሊሱ ዘይጸረፈ” የሱስ ኪስዕብዎ እዮም ዚጽዕሩ። (1 ጴጥሮስ 2:23) እዞም ሰባት እዚኣቶም ልክዕ ከም የሱስ ንኻልኦት ሰባት: እንተላይ ነቶም ነቲ ዚግበረሎም ዘየማስዉ ሰባት ምግልጋል ናይ ሓቂ ዕግበት ከም ዚህብ ይፈልጡ እዮም። (ማቴዎስ 20:25-28፣ ዮሃንስ 13:14, 15፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) የሆዋ ኣምላኽ ድማ ነቶም ንወዱ ዚመስልዎ ሰባት መንፈሱ ይህቦም እዩ: እዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ኣብ ህይወቶም ናይ ሓቂ ሰላም የፍሪ።—ገላትያ 5:22

ግናኸ: እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ኣረኣእያ ነቲ ናይ ኣእምሮ ሰላምካ ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ንጹር ዕላማ ኺህልዎ ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ናይ ኣእምሮ ሰላም ዚርከበሉ መገዲ መሃረና