ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ገንዘብ ምክዋን

ገንዘብ ምክዋን

ንሱ ዚብሎ፦ “ሎራ * ሰበይተይ ኣብ ዘየድሊ ነገራት ገንዘብ እተጥፍእ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ክትቍጥብ ዘይትኽእል እያ እትመስል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዘይተጸበናዮ ወጻኢታት ክንገብር ኬድልየና ኸሎ፡ ጸገም ይፍጠር። ሰበይተይ ገንዘብ እንተ ሒዛ፡ ኣብ ኢዳ ኣይተጽንሖን እያ።”

ንሳ እትብሎ፦ “ገንዘብ ኣብ ምቝጣብ ንፍዕቲ ኸይከውን እኽእል እየ፣ ሰብኣየይ ግን ከም ምግብን ኣቕሑን ወጻኢታት ቤትን ዝኣመሰለ ነገራት ይኸብር ከም ዘሎ ዚርድኦ ኣይመስለንን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛ ዝውዕል ከኣ ኣነ እየ። እንታይ ከም ዜድልየና ስለ ዝፈልጥ፡ ዋላ እኳ ናብ ካልእ ‘ክርክር’ እንተ መርሐ፡ ካብ ምዕዳግ ድሕር ኣይብልን እየ።”

ገንዘብ ሓደ ኻብቲ ሰብኣይን ሰበይትን ብህድኣት ከም ዘይመያየጡ ዚገብር ጕዳያት ብምዃኑ፡ ኣብ ሓዳር ሽግር ዜምጽእ እንተ ዀነ ዜገርም ኣይኰነን።

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘይብሎም ሰብ ሓዳር፡ ውጥረትን ባእስን ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ፣ ስምዒታውን መንፈሳውን ጕድኣት እውን ይወርዶም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ንገንዘብ ዚምልከት ጸገም ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ዝያዳ ኺሰርሑ ስለ ዚግደዱ፡ ነቲ ንደቆምን ንመጻምድቶምን ኪህብዎ ዚግባእ ስምዒታውን መንፈሳውን ደገፍ ኣይህቡን። ብዘይካዚ፡ ደቆም ብዛዕባ ገንዘብ ዘይርትዓዊ ኣመለኻኽታ ኸም ዚህልዎም ይገብሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ገንዘብ ከም ዚሕሉ’ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 7:12 ትርጕም 1990) ኰይኑ ግን፡ ንሓዳርካን ንስድራ ቤትካን ምእንቲ ኺሕልዎ፡ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባኡ ንመጻምድትኻ ብኸመይ ከም እተዘራርቦ ኽትፈልጥ ኣሎካ። * ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብዛዕባ ገንዘብ እትገብርዎ ምይይጥ፡ ኣብ ክንዲ ዜከራኽር፡ ንርክብኩም ዜደልድል ኪኸውን እዩ።

ገንዘብ ኣብ ሓዳር ብዙሕ ጸገም ዜምጽእ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ገንዘብ እትገብርዎ ምምይጥ ቈየቛ ዝመልኦ ዘይኰነስ፡ ሃናጺ ንኪኸውን ዚሕግዘኩም እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስዱ ትኽእሉ፧

እቲ ብድሆታት እንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ እዋን፡ ቀንዲ ጠንቂ ዘይምስምማዕ፡ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ እቲ ገንዘብ ብዛዕባ ዚወጽኣሉ መገዲ ዘሎካ ፍርህን ዘይምትእምማንን እዩ። ንኣብነት፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ዘውጽኣታ ገንዘብ ዚቈጻጸር ሰብኣይ፡ ንገንዘብ እታ ስድራ ቤት ከተካውኖ ኸም ዘይትኽእል ዚገልጽ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ። ሰብኣያ ብዙሕ ከም ዘይቍጥብ እትገልጽ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ነገራት ነታ ስድራ ቤት ከም ዚጐድኣ እያ ፍርሃ እትገልጽ።

ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘይምስምማዕ ከም ዚለዓል ዚገብር ካልእ ጠንቂ ድማ ኣተዓባብያ እዩ። ካብ ዚምርዖ ሸሞንተ ዓመት ዝገበረ ማቲው ከምዚ በለ፦ “ብዓልቲ ቤተይ ንገንዘቦም ብግቡእ ኣብ ዜካውኑ ስድራ ቤት እያ ዓብያ። ከምቲ ኣነ ዚስምዓኒ ፍርሂ ድማ የብላን። ኣቦይ ሰኽራምን ሓያል ወልፊ ሽጋራን ነበሮ፡ ንነዊሕ እዋን ድማ ስራሕ ኣይነበሮን። መብዛሕትኡ እዋን ዜድልየኒ ነገራት ከይረኸብኩ ስለ ዝዓበኹ፡ ኣብ ዕዳ ኸይኣቱ እፈርህ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ፍርሂ እዚ ምስ ብዓልቲ ቤተይ ከም ዘይቃዶ ይገብረኒ እዩ።” ሻቕሎት ከም ዚህሉ ዚገብር ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ገንዘብ ንስድራ ቤትካ ዚድግፍ እምበር ጠንቂ ኽትዕ ከይከውን ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣርባዕተ መፍትሕ ዓወት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ዚገልጽ መጽሓፍ ኣይኰነን። ሰብ ሓዳር ንገንዘብ ብዚምልከት ካብ ዚፍጠር ጸገም ንኺርሕቁ ዚሕግዞም ግብራዊ ዝዀነ ጥበብ ግን ኣለዎ። ንምንታይ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ መርሚርካ ኣብ ግብሪ ዘይተውዕሎ፧

1. ብዛዕባ ገንዘብ ህድእ ኢልኩም ተዘራረቡ።

“ጥበብ . . . ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ።” (ምሳሌ 13:10) ብምኽንያት ኣተዓባብያኻ፡ ንኻልእ ሰብ ብሕልፊ ኸኣ ንመጻምድትኻ ብዛዕባ ገንዘብ ከተማኽሮ ይኸብደካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ምዝርራብካ ጥበባዊ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎካ ኣረኣእያ ብወለድኻ ተጸልዩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ንምንታይ ንመጻምድትኻ ዘይትነግሮ፧ መጻምድትኻ እውን ልክዕ ከማኻ ኣመለኻኽታኡ ተጸልዩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ክትርድኣሉ ጽዓር።

ብዛዕባ ገንዘብ ንምዝርራብ፡ ጸገም ክሳዕ ዚለዓል ክትጸንሕ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስ፡ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፧” ኢሉ ሓተተ። (ኣሞጽ 3:3) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ኣብ ዚግበር ምይይጥ ዚውዕል ብኸመይ እዩ፧ ንገንዘብ ዚምልከት ጕዳያት ንምዝርራብ ውሱን ግዜ እንተ መዲብካ፡ ነቲ ብምኽንያት ዘይምርድዳእ ኪለዓል ዚኽእል ባእሲ ተጕድሎ።

ነዚ ፈትኖ፦ ንገንዘብ እታ ስድራ ቤት ዚምልከት ጕዳያት እትዘራረበሉ ስሩዕ ግዜ መድብ። ነዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ዘላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ወይ ከኣ ኣብ ሰሙን ኣብ ዘላ ዝዀነት መዓልቲ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ምይይጥ ክሳዕ 15 ደቂቕ ወይ ካብኡ ዚውሕድ ብምግባር ሓጺር ግበሮ። ክልቴኹም ህድእ እትብሉሉ ግዜ ምረጽ። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ማለት ምግቢ ኽትበልዑ ኸለኹም ወይ ምስ ደቅኹም ክትዘናግዑ ኸለኹም ብዛዕባ ገንዘብ ከይትመያየጡ ተሰማምዑ።

2. ብዛዕባ ኣታዊኹም ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃልኹም።

‘ንሓድሕድኩም ንምክብባር ተቐዳደሙ።’ (ሮሜ 12:10) ደሞዝ ዘሎካ ንስኻ ጥራይ እንተ ዄንካ፡ ነቲ እትረኽቦ ኣታዊ ኸም ናይ ብሕትኻ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ስድራ ቤት ኣታዊ ጌርካ ብምርኣይ ንመጻምድትኻ ኸተኽብር ትኽእል ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

ንስኻን መጻምድትኻን ደሞዝ እንተ ኣልዩኩም፡ ብዛዕባ ኣታዊኹምን ዓበይቲ ወጻኢታትኩምን ብምዝርራብ ንሓድሕድኩም ክትከባበሩ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ኻብ መጻምድትኻ ትሓብኦ እንተ ዄንካ ግን፡ ነቲ ኣብ ንሓድሕድኩም ዝነበረኩም እምነት ኬዳኽሞ፡ ንርክብኩም ድማ ኪሃስዮ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እተውጽኣ ገንዘብ ንመጻምድትኻ ኸተማኽሮ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ወጻኢታት ትመያየጡ እንተ ዄንኩም፡ ንርእይቶ መጻምድትኻ ኸም እተኽብር ዜርኢ እዩ።

ነዚ ፈትኖ፦ ንሓድሕድኩም ከይተመያየጥኩም ከተውጽኦ ብዛዕባ እትኽእል መጠን ገንዘብ ተሰማምዑ። እዚ ኸኣ 20 ቕርሺ ወይ 200 ቕርሺ ወይ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ኸተውጽእ እንተ ደሊኻ ግን ኵሉ ሳዕ ንመጻምድትኻ ኣማኽር።

3. ንመደባትኩም ኣብ ጽሑፍ ኣስፍርዎ።

“ተጠንቂቕካ መደብ እንተ ደኣ ኣውጺእካ ረብሓ ትረክብ።” (ምሳሌ 21:5 ትርጕም 1990) ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ መጻኢ መደብ ከተውጽእ እትኽእለሉን ድኻምካ ኸንቱ ኸም ዘይከውን ዚገብርን መገዲ፡ ነታ ስድራ ቤት ዚኸውን ባጀት ምውጻእ እዩ። ካብ እትምርዖ ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረት ኒና፡ “ንኣታዊኻን ንወጻኢታትካን ኣብ ጽሑፍ ምርኣይ፡ ዓይኒ ዚኸፍት እዩ። ምኽንያቱ፡ ንቝጠባዊ ዅነታትካ ዜርኢ ጭቡጥ ሓቅታት ዝሓዘ እዩ” በለት።

ባጀት እተውጽኣሉ መገዲ እተሓላለኸ ኪኸውን የብሉን። ካብ ዚምርዖ 26 ዓመት ዝገበረን ኣቦ ኽልተ ኣወዳት ዝዀነን ዳረን፡ “ኣብ መጀመርታ፡ ጶስጣ ኢና ንጥቀም ኔርና። ነቲ ኣብታ ሰሙን እነውጽኦ ገንዘብ ኣብ እተፈላለየ ጶስጣ ነቐምጦ ነበርና። ንኣብነት፡ ንምግቢ፡ ንምዝንጋዕ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንመቐምቀሚ ጸጉሪ ዚኸውን ገንዘብ ዚቕመጠሉ ጶስጣ ነበረና። ካብዘን ጶስጣታት እዚኣተን እታ ሓንቲ እንተ ተወዲኣ፡ ካብ ካልእ ጶስጣ ንልቃሕ፣ ኵሉ ሳዕ ግን ነቲ እተለቃሕናዮ ንመልሶ ነበርና” በለ። ብሕልፊ ንወጻኢታትካ ብጥረ ገንዘብ ዘይትኸፍሎ እንተ ዄንካ፡ ነቲ እተውጽኦ ነገራት ክትቈጻጸሮን መደብ ከተውጽእን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ቐዋሚ ወጻኢታትካ መዝግቦ። ካብ ኣታዊኻ ኽንደይ ሚእታዊት ከም እተቐምጥ ድማ ተሰማማዕ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኸም ምግብን መብራህትን ተሌፎንን ዝኣመሰለ በብግዜኡ ዚቀያየር ወጻኢታት ብዝርዝር ጽሓፎ። ቀጺልካ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ነቲ ብሓቂ ዘውጻእካዮ ወጻኢታት መዝግቦ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዕዳ ምእንቲ ኸይትኣቱ፡ ናብራኻ ኣተዓራሪ።

4. ነቲ ዕዮ ተማቐልዎ።

“ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ . . . ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።” (መክብብ 4:9, 10) ኣብ ገሊአን ስድራ ቤታት፡ ንገንዘብ ዚምልከት ጕዳያት ዚከታተሎ እቲ ሰብኣይ እዩ። ኣብ ገሊአን ከኣ እታ ሰበይቲ እያ ብውሕልና እትከታተሎ። (ምሳሌ 31:10-28) ገሊኦም ሰብ ሓዳር ግን ነቲ ሓላፍነት ይማቐልዎ። ካብ ዚምርዖ 21 ዓመት ዝገበረ ማሪዮ፡ “ሰበይተይ ነቲ ኸም ናይ ማይን መብራህትን ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ወጻኢታት ትቈጻጸሮን ትኸፍሎን። ኣነ ኸኣ ነቲ ንግብርን ኮንትራትን ክራይን ዚምልከት ወጻኢታት እከታተሎ። ንሓድሕድና ብግህዶ ኢና እንዘራረብ፡ ከም ሽርካ ዄንና ኢና ድማ እንዓዪ” በለ። ዝዀነ ይኹን ሜላ ተጠቐም ብዘየገድስ፡ እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ብሓባር ምዕያይ እዩ።

ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ዘሎኩም ብርታዐን ድኽመትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ሓላፍነት ተማቐልዎ። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ ተመሊስኩም ገምግምዎ። ምትዕርራይ ንምግባር ከኣ ፍቓደኛታት ኩኑ። ነቲ መጻምድትኻ ዚገብሮ ኸም ወጻኢታት ምኽፋልን ምዕዳግን ዝኣመሰለ ዕዮ ምእንቲ ኸተማስወሉ፡ ነቲ ሓላፍነት ክትቀያየርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ገንዘብ ምምይያጥኩም እንታይ ይሕብር፧

እቲ ብዛዕባ ገንዘብ እትገብርዎ ምይይጥ፡ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ኪኸውን ኣለዎ። ካብ እትምርዖ ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረት ልያ፡ ነዚ ተመኪራቶ እያ። “ኣነን ሰብኣየይን ብዛዕባ ገንዘብ ክንዘራረብ ከለና፡ ብግልጽን ብቕንዕናን ክንመያየጥ ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና። ሳላ እዚ ኸኣ ብሓባር ኴንና ኢና እንዓዪ፡ ፍቕርና እውን ደልዲሉ እዩ” በለት።

ሰብ ሓዳር፡ ገንዘብ ብኸመይ ከም ዜውጽኡ ኺመያየጡ ኸለዉ፡ ተስፋኦምን ድሌቶምን ይገላለጹ፡ ቃል ኪዳኖም ከኣ የደልድሉ። ዓብዪ ወጻኢ ቕድሚ ምግባሮም ምስ መጻምድቶም ዚዘራረቡ እንተ ዀይኖም፡ ንርእይቶን ስምዒትን መጻምድቶም ኣኽብሮት ከም ዘለዎም የርእዩ። ምዝርራብ ከየድለዮም እተወሰነ መጠን ገንዘብ ኬውጽኡ ምስ ዚሰማምዑ፡ ንሓድሕዶም ከም ዚተኣማመኑ ዜርኢ እዩ። እዚ ድማ ሓቀኛ ፍቕራዊ ርክብ ከም ዚህልዎም ዚገብር ቀንዲ ረቛሒ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ኽቡር ከም ዝዀነ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ እሞኸ ስለምንታይ ብገንዘብ እትካትዑ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣይ . . . ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ስለ ዚብል፡ ገንዘብ እታ ስድራ ቤት ኣበይ ኪውዕል ከም ዘለዎ ኣብ ምውሳን ቀንዲ ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ሰብኣይ እዩ፣ ንሰበይቱ ብፍቕርን ብሓልዮትን ናይ ምሓዝ ግዴታ እውን ኣለዎ።—ኤፌሶን 5:23, 25

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

ኣነን መጻምድተይን ብዛዕባ ገንዘብ ህድእ ኢልና ኻብ እንዘራረብ ክንደይ ጌርና፧

ነቲ መጻምድተይ ንስድራ ቤትና ዚገብሮ ገንዘባዊ ደገፍ ኣድንቖት ከም ዘሎኒ ንምግላጽ እንታይ ክብል እኽእል፧ እንታይከ ክገብር እኽእል፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዝያዳ ዜገድሰካ፡ ገንዘብካ ድዩ ወይስ ሓዳርካ፧