ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንገንዘብን ንጥሪትን ዘይኰነስ፡ ንሰባት ኣፍቅር

ንገንዘብን ንጥሪትን ዘይኰነስ፡ ንሰባት ኣፍቅር

ረቛሒ 1

ንገንዘብን ንጥሪትን ዘይኰነስ፡ ንሰባት ኣፍቅር

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧ “ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:10

በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ መዋዓዋዕቲ በቲ ዘሎና ኸይንዓግብ ጸቕጢ ይገብሩልና እዮም። ዝሓደሰን ዝሓሸን ዝዓበየን ኣቕሑ ምእንቲ ኽንዕድገሎም፡ ገንዘብ ንምርካብ ሃለኽለኽ ክንብል ይደልዩና እዮም። ገንዘብ መታለሊ እዩ፣ ንሕና እውን ብቐሊሉ ፍቕሪ ገንዘብ ኪሓድረና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ገንዘብ ዚፈቱ ሰብ፡ ዕግበት ከም ዘይረክብ የጠንቅቐና እዩ። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—መክብብ 5:10

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ንየሱስ ምሰሎ፣ ካብ ንነገራት፡ ንሰባት ኣብሊጽካ ኣፍቅር። የሱስ ንሰባት ብዝነበሮ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ዘለዎ ዅሉ፡ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ንምሃብ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 15:13) “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” እውን ኢሉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ግዜናን ጥሪትናን ንሰባት ንህብ እንተ ዄንና፡ ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩልና እዮም። የሱስ፡ “ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ” በለ። (ሉቃስ 6:38) እቶም ደድሕሪ ገንዘብን ጥሪትን ዚጐዩ ሰባት፡ ናብ ርእሶም ስቓይን መከራን እዮም ዜምጽኡ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ዕግበት ግን፡ ፍቕሪ ኻብ ምሃብን ካብ ምቕባልን እዩ ዚርከብ።

ናብራኻ ኸተቕልሎ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ዘይትምርምር፧ ካብ ጥሪትካ ወይ ካብቲ ኸተጥርዮ እትደሊ ነገራት ክትንኪ ትኽእልዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት፡ ማለት ንሰባት ንምሕጋዝን ነቲ ዘሎካ ዘበለ ዅሉ ዝሃበካ ኣምላኽ ንምግልጋልን፡ ግዜን ጕልበትን ኪህልወካ እዩ።—ማቴዎስ 6:24፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:28

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

“ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ”