ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ንደቅኻ ምሃሮም

ካብ ሓደ ገበነኛ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ካብ ሓደ ገበነኛ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ካብቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ፡ የሱስ እተዛረቦ ገበነኛ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። እቲ ገበነኛ እቲ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ተጣዒሱ እዩ። ንየሱስ ከኣ፡ “መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ተዛረቦ። እንታይ ኢሉ ኸም እተዛረቦስ ትፈልጥዶ፧ * “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ እዩ ተመባጺዑሉ።

እታ ገነት እቲኣ እንታይ እያ እትመስል፧— ነቲ ቕኑዕ መልሲ ምእንቲ ኽንረኽቦ፡ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ዘዳለወሎም ገነት ንዘራረብ። እታ ገነት እቲኣ፡ ኣበይ እያ ነይራ፧ ኣብ ሰማይ ድያ ነይራ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

ኣብ ምድሪ እንተ ኢልካ፡ ቅኑዕ ኣሎኻ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ገበነኛ “ኣብ ገነት” ከም ዚነብር ክንሓስብ ከለና፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ገነት ምስ ኰነት ኣብኣ ኸም ዚነብር ጌርና ኽንሓስብ ኣሎና። እታ ገነት እቲኣ፡ እንታይ እያ ኽትመስል፧— እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ገነት ከም ዘንበሮም ይገልጽ። እታ ገነት እቲኣ፡ ‘ገነት ኤድን’ ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ‘ገነት ኤድን’ ክሳዕ ክንደይ ምልክዕቲ ኸም ዝነበረትስ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧— ሎሚ ዘሎ ሰብ ርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ኣዝያ ጽብቕትን ምልክዕትን ስፍራ ኸም ዝነበረት እተረጋገጸ እዩ!

እንታይ ይመስለካ፧ የሱስ ምስቲ በቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት እተጣዕሰ ገበነኛ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኺነብር ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኼመሓድር እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ገበነኛ ኻብ ምዉታት ኣተንሲኡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ተሓጒሱ ኸም ዚነብር ብምግባር እዩ ምስኡ ኪኸውን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሓደ  ገበነኛ ዝነበረ ሰብ ኣብ ገነት ዜንብሮ ስለምንታይ እዩ፧— ብዛዕባ እዚ እስከ ንዘራረብ።

እዚ ገበነኛ እዚ ኣዝዩ ሕማቕ ነገራት ከም ዝገበረ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት እውን ሕማቕ ነገራት ገይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሕማቕ ዝገበሩ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኺገብርዎ ዚደልዮም ነገራትን ፈጺሞም ስለ ዘይተማህሩ እዮም።

ስለዚ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ እንተላይ እቲ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ኸሎ ምስ የሱስ እተዛረበ ገበነኛ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንኺነብሩ ኺትንስኡ እዮም። ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ኪመሃሩ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎ ኼረጋግጹ ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ብኸመይ ኬረጋግጽዎ ኸም ዚኽእሉስ ትፈልጥዶ፧— ነቲ ኣምላኽ ኪገብርዎ ዚደልዮም ነገራት ብምግባር እዩ። ሽዑ፡ ወትሩ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ሰባት ኴንካ ኣብ ገነት ክትነብርሲ፡ ኣየ ኽንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።