ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ንልብና ይመልኦ’

‘ንልብና ይመልኦ’

የሆዋ ብሓቂዶ ይሓልየልና እዩ፧ ወይስ ነቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚወርድ መዓት ግዲ የብሉን እዩ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ዜጸናንዕ እዩ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሓቂ ይሓልየሎም እዩ፣ ክንሕጐስ ድማ ይደልየና እዩ። ንሰባት፡ ነቶም ፈጺሞም ዘየማስዉ እውን ከይተረፈ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብቲ ብዙሕ ሕያውነቱ ኺጥቀሙ ይፈቕደሎም እዩ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት እሞ ኣቕልበሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:16, 17 ኣንብብ።

ጳውሎስ ነቶም ንኣምላኽ ዘየምልኹ ዝነበሩ ተቐማጦ ኸተማ ልስጥራ ኸምዚ ብምባል ተዛረቦም፦ “[ኣምላኽ] ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ንዅሎም ኣህዛብ ብመገዶም ኪኸዱ ሓደጎም፣ ግናኸ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ብምሃብ፡ ልብኹም እውን ብምግብን ብሓጐስን ብምምላእ፡ ጽቡቕ እናገበረ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።” እዘን ቃላት እዚአን ነቶም ሰማዕቲ እንታይ ትርጕም እዩ ነይርወን፧

ሰብ ልስጥራ ንሓቅነት ቃላት ጳውሎስ መርትዖ ንኺረኽቡለን ርሑቕ ምኻድ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ብሕርሻ እዮም ዚመሓደሩ ነይሮም፡ ኣብ ልሙዕን ፍርያምን ከባቢ ኸኣ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጳውሎስ ዘዘኻኸሮም፡ ምንጪ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ኣምላኽ እዩ። ስለዚ፡ እኽሊ ኺሓፍሱን ጥዑም ምግቢ ኺምገቡን ከለዉ፡ ካብ ሕያውነት ኣምላኽ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም።

እቲ ጳውሎስ ንሰብ ልስጥራ እተዛረቦም ቃላት፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኣገዳሲ ትምህርትታት ይህበና እዩ።

የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና። የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ “ብመገዶም ኪኸዱ” ኸም ዝሓደጎም ኣስተብህል። ብዛዕባ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ሓደ መወከሲ፡ እዚ ሓሳብ እዚ፡ “ከም ድላዮም ኪኸዱ” ወይ ከኣ “ይሓይሽ ኢሎም ዝሓሰብዎ ነገር ኪገብሩ” ዚብል ትርጕም ኬመሓላልፍ ከም ዚኽእል ገለጸ። የሆዋ፡ ሰባት ንኼምልኽዎ ኣየገድድን እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ማለት ህይወትና እንመርሓሉ መገዲ ናይ ምምራጽ ተኽእሎ ሂቡና እዩ።—ዘዳግም 30:19

የሆዋ ኽንፈልጦ ይደልየና። ጳውሎስ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን” በለ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ መወከሲ፡ እዛ ሓረግ እዚኣ፡ “እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ንሰባት ኣነጺሩ ኣርእይዎም እዩ” ብዚብል ክትትርጐም ከም እትኽእል ገለጸ። ፍጥረት ኣምላኽ፡ ነቲ ዘይርአ ባህርዩ፡ እንተላይ ንሕያውነቱን ንጥበቡን ንሓይሉን ንፍቕሩን ድልዱል መርትዖ ይህብ እዩ። (ሮሜ 1:20) የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ነገራት ገሊጹልና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ክንፈልጦ ኸም ዚደልየናስ ንጹርዶ ኣይኰነን፧

የሆዋ ንሰባት፡ ነቶም ፈጺሞም ዘየማስዉ እውን ከይተረፈ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብቲ ብዙሕ ሕያውነቱ ኺጥቀሙ ይፈቕደሎም እዩ።

የሆዋ ኽንሕጐስ ይደልየና። ጳውሎስ፡ የሆዋ ‘ንልብና ብምግብን ብሓጐስን ከም ዝመልኦ’ እውን ገሊጹ ኣሎ። ሓደ ንየሆዋ ዘይፈልጦ ሓጥእ እውን ከይተረፈ፡ ብልቡ ኽሳዕ ዚዓግብ ምግቢ ኺምገብን ኣብ ህይወቱ ኺሕጐስን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ክንረክብ እዩ ዚደልየና። ነዚ ድማ፡ ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ እንተ ተማሂርናን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮን ጥራይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል።—መዝሙር 144:15፣ ማቴዎስ 5:3

ኵላትና ኻብ ሕያውነት የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ንጥቀም ኢና። ነቲ ‘ንልብኻ ብምግብን ብሓጐስን ዚመልኦ’ ኣምላኽ ብኸመይ ከተማስዎ ኸም እትኽእል፡ ብዝያዳ ዘይትምሃር፧

ንሓምለ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ግብሪ ሃዋርያት 11-28