ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቋንቋታትና ኻብ “ግምቢ ባቤል” ድዩ መጺኡ፧

ቋንቋታትና ኻብ “ግምቢ ባቤል” ድዩ መጺኡ፧

“እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ። እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ።” —ዘፍጥረት 11:8, 9

እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ጸብጻብሲ ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧ ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ሰባት ብሓንሳእ ድዮም እተፈለለየ ቛንቋታት ኪዛረቡ ጀሚሮም፧ ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቋንቋ ወዲ ሰብ ብኸመይ ከም ዝጀመረን ከም እተዘርግሐን ዚገልጽ ጸብጻብ የላግጹሉ እዮም። ሓደ ደራሲ፡ “ግምቢ ባቤል ሓደ ኻብቲ ትርጕም ኣልቦ ጽውጽዋያት እዩ” በለ። ሓደ መምህር ኣይሁድ እኳ ኸይተረፈ፡ ነዚ ታሪኽ እዚ፡ “መበቈል ኣህዛብ ንምግላጽ ተባሂሉ ብግርህነት እተገብረ ፈተነ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ገለጾ።

ሰባት ንታሪኽ ባቤል ዘይቅበልዎ ስለምንታይ እዮም፧ ብሓጺሩ፡ ምስቲ ንመበቈል ቋንቋ ብዚምልከት ዚውሃብ ገሊኡ ኽልሰ ሓሳባት ስለ ዚጋጮ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ምሁራት፡ ጕጅለታት ቋንቋ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኰነስ፡ ካብ ሓደ “ቛንቋ ኣደ” በብቕሩብ እናፈለቐ ኸም ዝመጸ እዮም ዚገልጹ። ገሊኣቶም ከኣ እተፈላለየ ቛንቋታት፡ ካብ ሓደ ዕዝምዝም ዚብል ዘይርዳእ ድምጺ ናብ ሓደ እተኣሳሰረ ቛንቋ እናተመሓየሸ በብርእሱ ኸም ዝማዕበለ ይገልጹ። ሓያሎ ሰባት በዝን ንሓድሕዱ ብዚጋጮ ኻልእ ክልሰ ሓሳባትን ተደሪኾም ምስ ፕሮፌሰር ዳብሊው. ተኩምሰህ ተሰማሚዖም እዮም። ፊች፡ ኣብታ ዘ ኢቮሉሽን ኦቭ ላንጔጅስ (ፍልቀት ቋንቋታት) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ዜእምን መልሲ ዛጊት ኣይረኸብናን” በለ።

ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ብዛዕባ መበቈልን ምዕባለን ቋንቋ ወዲ ሰብ እንታይ እዮም ረኺቦም፧ ርኽበታቶም ምስቲ ግምታዊ ኽልሰ ሓሳባት ዚሰማማዕ ድዩ፧ ወይስ ንታሪኽ ባቤል እዩ ዚድግፍ፧ ብቐዳምነት ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቝና ንመርምር።

ኣበይን መዓስን እዩ ተፈጺሙ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቋንቋ እተሓዋወሰሉን ሰባት ፋሕ ዝበሉሉን ቦታ “ኣብ ምድሪ ሲንኣር” ምዃኑ እዩ ዚገልጽ፣ እዚ ጸኒሑ ባቢሎን እተባህለ ቦታ እዩ። (ዘፍጥረት 11:2) መዓስከ እዩ ተፈጺሙ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመን እቲ ኻብ ኣብርሃም ኣስታት 250 ዓመት ኣቐዲሙ እተወልደ ፌሌግ፡ ‘ምድሪ ኸም እተኸፋፈለት’ ይገልጽ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ባቤል እተፈጸመ  ፍጻመታት፡ ብ4,200 ዓመት ኣቢሉ እዩ ተፈጺሙ።—ዘፍጥረት 10:25፣ 11:18-26

ገሊኦም ምሁራት፡ እዚ ሎሚ ዘሎ ቛንቋታት ካብቲ ኣስታት 100,000 ዓመት ኣቐዲሙ ይዝረበሉ ኸም ዝነበረ ገይሮም ዚሓስብዎ ቛንቋ ኣደ ዚብሃል መበቈላዊ ቛንቋ ኸም ዝመነጨ እዮም ዚግምቱ። * ገሊኣቶም ከኣ፡ ሎሚ ዘሎ ቛንቋታት ምስቲ እንተ ወሓደ ኣስታት 6,000 ዓመት ይገብር ዚዝረበሉ ዝነበረ እተፈላለየ መበቈላዊ ቛንቋታት ከም ዚተኣሳሰር ይገልጹ። ምሁራት ስነ ቋንቋ ብዛዕባ ምዕባለ ዝጠፍአ ቛንቋታት ከመይ ገይሮም እዮም ኪውስንዎ ዚኽእሉ፧ መጽሔት ኢኮኖሚስት፡ “እዚ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ምሁራት ስነ ህይወት ብዛዕባ ሕሉፍ ኪፈልጡሉ ዚኽእሉ ኣሰር ህይወት ኣለዎም፡ ምሁራት ስነ ቛንቋ ግና ኸምኡ ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም” ትብል። እታ መጽሔት ኣስዒባ፡ ቋንቋ ብፍልቀት ከም ዝመጸ ዚኣምን ሓደ ምሁር፡ ኣብቲ ዝሃቦ መደመደምታ ኺበጽሕ ዝኸኣለ ብግምታዊ ቐመር ምዃኑ ገለጸት።

ይኹን እምበር፡ “ኣሰር ህይወት ቋንቋታት” ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ መበቈል ቋንቋታትከ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “እቲ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል እንኮ ኣሰር ህይወት ቋንቋ ዝዀነ ጥንታዊ ጸብጻባት ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቛንቋ፡ ካብ ኣስታት  4,000 ወይ 5,000 ዓመት ኣይሓልፍን እዩ” በለ። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ነዚ “ኣሰር ህይወት ቋንቋ” ወይ ከኣ “ጸብጻባት ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቛንቋ” ኻበይ እዮም ረኺቦምዎ፧ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል መሰጶታምያ—ኣብቲ ጥንታዊት ሲንኣር እትርከበሉ ዝነበረት ቦታ እዩ። * ስለዚ፡ እቲ ዚጭበጥ መርትዖ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓቂ ዚሰማማዕ እዩ።

እተፈላለየ ቛንቋታት፡ እተፈላለየ ኣተሓሳስባ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኣብ ባቤል፡ “ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕ” ኢሉ፡ ‘ዘረባኦም ከም ዝደባለቐ’ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 11:7) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ዓየይቲ፡ ‘ምስራሕ እታ ኸተማ ገደፉ’ “ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ” ድማ ተበተኑ። (ዘፍጥረት 11:8, 9) ስለዚ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መበቈል እዚ ሕጂ ዘሎ ቛንቋታት፡ ሓደ “ቛንቋ ኣደ” ከም ዝዀነ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝማዕበለ እተፈላለየ ሓደስቲ ቛንቋታት ሃንደበት ከም እተራእየ፡ ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ንእተፈላለየ ስምዒትን ሓሳባትን ሰባት ኪገልጽ ከም ዚኽእል፡ ነፍሲ ወከፉ ድማ ካብ ካልእ ፈጺሙ እተፈልየ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ።

ስሉስ ኵርናዓዊ ብዝቕርጹ ጽሕፈት እተጻሕፎ ጽላት ካይላ፡ ካብ መሰጶታምያ እተረኸበ፡ ናይ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ.

ብዛዕባ እቲ ሕጂ ኣብ ዓለም ዘሎ ቛንቋታትከ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ተመሳሰልቲ ድዮም ወይስ መሰረታዊ ፍልልይ ኣለዎም፧ ሊቅ ሊራ ቦሮርዲጽኪ፡ “ምሁራት ቋንቋ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ቛንቋታት (7,000 ኣቢሉ ዚኸውን፡ ሒደት ክፋሉ ጥራይ እዩ ተመርሚሩ) ኣዕሚቖም ምስ መርመርዎ፡ እዚ ዘይብሃልን ዘይተጸበይዎን ፍልልያት ርእዮምሉ እዮም” በለት። እወ፡ ከም ካንታኒዝን ሃካን ዝኣመሰለ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ዚዝረብ ክልተ ቛንቋታት ንሓድሕዱ ኺመሳሰል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኣብ ስጳኛ ዚዝረብ ዌስት ካታላን ወይ ቫለንሽያ ዚብሃል ካልእ ቋንቋታት ግና ፈጺሙ እተፈልየ እዩ።

ቋንቋ ነቲ ሰባት ብዛዕባ እታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም፡ ማለት ብዛዕባ ሕብርን ዓይነትን ቦታን መምርሕን ዚሓስቡሉ መገዲ ይውስኖ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ብሓደ ቛንቋ፡ “ኣብ የማነይቲ ኢድካ ትዃን ኣሎ” ኪብል ከሎ፡ ብኻልእ ቋንቋ ግና፡ “ኣብ ደቡባዊት ምዕራብ ኢድካ ትዃን ኣሎ” እዩ ዚብል። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ኣዝዩ ኼደናግር ዚኽእል እዩ። እቶም ኣብ ባቤል ዝነበሩ ሃነጽቲ እቲ ግምቢ፡ ነቲ ዝጀመርዎ ህንጻ ኺውድእዎ ዘይምኽኣሎም እምበኣር ኣየገርምን እዩ።

 ዘይርዳእ ዕዝምዝም ድዩ ወይስ እተኣሳሰረ ቋንቋ፧

እቲ ናይ መጀመርታ ቛንቋ ወዲ ሰብ ከመይ ይመስል ነበረ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ንዅሎም እንስሳታትን ኣዕዋፍን ስም ኬውጽኣሎም ከሎ፡ ሓደስቲ ቓላት ኪምህዝ ከም ዝኸኣለ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 2:20) ብዘይካዚ፡ ኣዳም ብዛዕባ ሰበይቱ ዝነበሮ ስምዒት ብግጥሚ ገሊጹ እዩ፡ ሰበይቱ እውን ኣምላኽ እንታይ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞምን ዘይምእዛዞም እንታይ ኬስዕብ ከም ዚኽእልን ኣነጺራ ገሊጻ እያ። (ዘፍጥረት 2:23፣ 3:1-3) ስለዚ፡ ሰባት በቲ ናይ መጀመርታ ቛንቋ፡ ንሓድሕዶም ምሉእ ብምሉእ ኪረዳድኡን ሓሳባቶም ከም ድሌቶም ገይሮም ኪገልጹን ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

ኣብ ባቤል ቋንቋታት ምስ ተደባለቐ፡ ሰባት ተረዳዲኦም ኪዓይዩ ኣይከኣሉን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓድሽ ቋንቋታቶም፡ ከምቲ ናይ መጀመርታ ቛንቋ እተኣሳሰረ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዘመናት ድማ፡ ሰባት ዓበይትን ንጡፋትን ከተማታት ኪሃንጹ፡ ሓያላት ሰራዊት ኪውድቡ፡ ኣብ ኣህጕራዊ ንግዲ ኺጽመዱ ኽኢሎም እዮም። (ዘፍጥረት 13:12፣ 14:1-11፣ 37:25) እሞኸ፡ ብዙሕ ቃላትን ሰዋስውን ከይተጠቕሙስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለ ኺገብሩ ምኸኣሉዶ፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ናይ ፈለማ ቛንቋ ወዲ ሰብ ኰነ እቲ ኣብ ባቤል ዝጀመረ ቛንቋታት፡ ዘይርዳእ ዕዝምዝም ዚብል ድምጺ ዘይኰነስ፡ እተኣሳሰረ ቛንቋታት እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ነዚ ሓሳብ እዚ ዚድግፍ እዩ። ዘ ካምብሪጅ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ላንጔጅ፡ “ነፍሲ ወከፍ እተመርመረ ባህሊ፡ ክሳዕ ክንደይ ‘ጥንታዊ’ ይኹን ብዘየገድስ፡ በቲ ዘለዎ ምትእስሳር ምስተን ‘ስልጡናት’ ዚብሃላ ሃገራት ዚጥቀማሉ ቛንቋታት ኪመሳሰል ዚኽእልን ምሉእ ብምሉእ ዝማዕበለን ቋንቋ ኣለዎ” ብምባል ይገልጽ። ብተመሳሳሊ፡ ስቲቨን ፒንከር እተባህለ ፕሮፌሰር ኮሌጅ ሃርቫርድ፡ ኣብታ ዘ ላንጔጅ ኢንስቲንክት (ባህረት ቋንቋ) እትብሃል መጽሓፉ፡ “መዋእል እምኒ ዚብሃል ቋንቋ የለን” በለ።

ቋንቋ ኣብ መጻኢ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

እዚ ብዛዕባ መዋእልን ቦታን “ኣሰር ህይወት” ቋንቋ፡ ኣብ መንጎ ጕጅለታት ቋንቋ ብዛዕባ ዘሎ መሰረታዊ ፍልልያት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ምትእስሳር ጥንታዊ ቛንቋታት እተዋህበ ሓሳባት፡ ኣብ እንታይ ርትዓዊ መደምደምታ ኸም እንበጽሕ እዩ ዚገብረና፧ ሓያሎ ሰባት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባቤል እተፈጸመ ነገር ዚህቦ ጸብጻብ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪእመን ዚኽእል ምዃኑ እዮም ዚድምድሙ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ባቤል ቋንቋ ሰባት ዝደባለቐሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ይነግረና እዩ። እዚ ኸኣ፡ እቶም ሰባት ካብኡ ስለ ዝዓለዉ እዩ። (ዘፍጥረት 11:4-7) ይኹን እምበር፡ “ኵላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ” ዚብል መብጽዓ እውን ኣትዩ እዩ። (ጸፎንያስ 3:9) እዚ “ጽሩይ ከናፍር” ወይ ጽሩይ ቋንቋ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ የመልክት። ሎሚ፡ እዚ ቛንቋ እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ብሓደ ኸም ዚሓብሩ ገይርዎም ኣሎ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ፡ ሓደ ቛንቋ ጥራይ ብምሃብ ኬሕብሮም፡ ነቲ ኣብ ባቤል ዝጀመረ ምድብላቕ ድማ ኬወግዶ እንተ ተጸበና እምበኣር፡ ርትዓዊ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ብዛዕባ ቛንቋታት ዚገልጽ ክልሰ ሓሳባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብቲ ደቂ ሰብ ካብ ህበይ መሰል ፍጥረታት ከም ዝፈለቐ ዚገልጽ ሓሳባት እተመርኰሰ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ሓሳባት፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 27-29 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ፒራሚድ ዝቕርጹ ደረጃ ዘለዎ ግምብታት ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል ሲንኣር ረኺቦም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ኣብ ባቤል ዝነበሩ ሃነጽቲ እቲ ግምቢ፡ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ድማ ኣብ ክንዲ ኖራ ኸም እተጠቕሙ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 11:3, 4) ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ ‘ኣብ መሰጶታምያ፡ እምኒ፡ ብርቂ ኸም ዝነበረ ወይ እውን ፈጺሙ ኸም ዘይነበረ፡ ጸብሪ ግና ብብዝሒ ይርከብ ከም ዝነበረ’ ይገልጽ።