ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧

መንደፍ ሞት

መንደፍ ሞት

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሞት ኪዛረቡ ኣይደልዩን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ውዒሉ ሓዲሩ ዅላትና ኻብ ሞት ኣይነምልጥን ኢና። መንደፍ ሞት ከኣ በሊሕን ዜሳቕን እዩ።

ሞት ወላዲና፡ መጻምድትና፡ ወይ ውሉድና ንኽንቅበሎ የጸግመና እዩ። እዚ ብዘይተጸበናዮ ድንገተኛ ዅነታት ወይ ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ኣመጻጽኣኡ ብዘየገድስ ግና፡ ካብቲ ሞት ዜስዕቦ ስቓይ ኬምልጥ ዚኽእል ሰብ የለን፣ ኣዝዩ መሪር ከኣ እዩ።

ኣቦኡ ብሓደጋ መኪና ዝሞቶ ኣንቶንዮ፡ “ሞት ልክዕ ከምቲ ገዛኻ ዓጽዩ፡ ንዅሉ መፋትሕ ዚወስዶ ሰብ እዩ። ንሓንሳእ እውን ይኹን ናብ ቤትካ ኽትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ተዘክሮታት ጥራይ እዩ ዘሎካ። እዚ ኸኣ ንዓኻ ሓድሽ እዩ። ኣዝዩ ዘይፍትሓዊ ብምዃኑ፡ ንኽትቅበሎ እኳ እንተ ኸበደካ፡ ምንም ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ” በለ።

ኣብ 47 ዓመት ዕድሚኣ ሰብኣያ ብሞት እተፈልያ ዶረቲ፡ ኣብ ኣእምሮኣ ንእተፈጥረ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ወሰነት። መምህር ትምህርቲ ሰንበት ብምዃና፡ ሞት መወዳእታ ዅሉ ኸም ዝዀነ ገይራ ኣይትሓስብን እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዜጋጥም ብንጹር ክትገልጾ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ንሓደ ኣገልጋሊ እቲ ኣባሉ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን፡ “ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧” ኢላ ሓተተቶ። ንሱ ድማ፡ “ብልክዕ ዚፈልጥ ሰብ የለን። ኣብ መጻኢ እንርእዮ ነገር እዩ” ኢሉ መለሰላ።

እሞኸ፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን “ኣብ መጻኢ እንርእዮ ነገር” ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ሞት መወዳእታ ዅሉ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ ኣሎ፧