ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንዓለም ዝቐየራ ውግእ

ናይ ሓቂ ጠንቂ ውግእን መከራን

ናይ ሓቂ ጠንቂ ውግእን መከራን

ብ11 ሕዳር 1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተዛዘመ። ቦታታት ንግዲ ተዓጽዩ ድማ፡ ሰባት ኣብ ጐደናታት ይስዕስዑ ነበሩ። እዚ ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን። ከመይሲ፡ ካልእ ዝገደደ ሓደጋ፡ አረ ኻብ ትርሺ ንላዕሊ ዚቐትል ሓደጋ፡ እግሪ እግሪ እቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም መጸ።

ኣብ ሰነ 1918 ኣብ ዓውደ ዂናት ፈረንሳ፡ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ዚብሃል ቀታሊ ለበዳ ኣጋጠመ። እዚ ብቫይረስ ዚመጽእ ለበዳ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሕ ሰብ ቀተለ። ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብቶም ኣብ ውግእ ብጸላኢ ዝሞቱ ንላዕሊ፡ እቶም በቲ ለበዳ ዝሞቱ ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ይበዝሑ። ብዘይካዚ፡ እቶም ካብቲ ውግእ እተመልሱ ሰራዊት፡ ነቲ ሕማም ምሳታቶም ስለ እተማልእዎ፡ እቲ ለበዳ ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ተዘርግሐ።

እተን ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበራ ዓመታት፡ ጥሜትን ቍጠባዊ ጸገማትን ዘጋጠመለን እየን ነይረን። እቲ ውግእ ብ1918 ኣብ እተዛዘመሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ኽፋላት ኤውሮጳ ብጥሜት ይሳቐ ነበረ። ብ1923 ገንዘብ ጀርመን ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ዋጋ ኣይነበሮን። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ድማ፡ ቍጠባ ዓለም ኣብ ቅልውላው ኣተወ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመረ፣ ብእተወሰነ መገዲ ኸኣ፡ ናይቲ ቐዳማይ መቐጸልታ እዩ ነይሩ። ጠንቂ እዚ ዅሉ መዓት እንታይ እዩ፧

ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጠንቂ ገሊኡ ታሪኻዊ ፍጻመታት ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ፣ ብዛዕባ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እውን ከምኡ። የሱስ ክርስቶስ፡ ‘ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዚለዓለሉ፡’ ኣብ መላእ ምድሪ ድማ ጥሜትን ለበዳን ዚዀነሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነበረ። (ማቴዎስ 24:3, 7፣ ሉቃስ 21:10, 11) ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ መዓት እዚ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝዀነ ነገሮም። ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘጋጠመ መዓት ምስቲ ኣብ ሰማይ ዘጋጠመ ውግእ ዜተሓሕዝ ዝያዳ ሓበሬታ ተዋሂቡ ኣሎ።— “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እተገብረ ውግእ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እውን ትገልጽ እያ። እቶም ሰለስተ ፈረሰኛታት ድማ ምስቲ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ እተነበዮ መዓት፡ ማለት ምስ ውግእን ጥሜትን ለበዳን ይመሳሰሉ እዮም። ( “እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ብሓቂ ይጋልቡ ድዮም ዘለዉ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ብንጹር እምበኣር፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘየቋረጸ እዋን ጭንቂ ኸም ዚጅምር እዩ ገይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ናይዚ ዅሉ ተሓታቲ፡ ሰይጣን ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እሞኸ ንሰይጣን ዚዓግት ደዀን ይህሉ ይኸውን፧

መጽሓፍ ራእይ፡ ሰይጣን ‘ሓጺር እዋን’ ጥራይ ከም ዘለዎ ተረጋግጸልና እያ። (ራእይ 12:12) በዚ ምኽንያት እዚ ስለ እተቘጥዐ ድማ እዩ ኣብ ምድሪ መዓት ዜውርድ ዘሎ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ሰይጣን ተሪፍዎ ዘሎ እዋን ይጽንቀቕ ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ።

ግብሪ ድያብሎስ ምፍራስ

ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ታሪኽ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ውግእን ሰውራን ኣምጺኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰብኣውያን መራሕቲ ንሓድሕዶም ከም ዘይተኣማመኑ እውን ገይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ ከም እተሰጕጐ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ራእይ 12:9) እዚ ብዓይኒ ዘይርአ ገዛኢ እዚ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሓጸርቲ መዓልትታት ዝተረፋኦ ጨካን ውልቀ መላኺ እዩ። እተን ንሰይጣን ዝተረፋኦ መዓልትታት ምስ ተዛዘማ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረ ጸገማት እውን ኪዛዘም እዩ።

ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሰማያዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ‘ንግብሪ ድያብሎስ ከም ዜፍርሶ’ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (1 ዮሃንስ 3:8) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ይጽልዩ እዮም። ንስኻኸ ትጽሊዶ፧ እሙናት ሰባት በታ መንግስቲ እቲኣ ኣቢሎም፡ ፍቓድ ሰይጣን ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኺፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ይትረፍዶ ዓለምለኻዊ ውግእ ኪህሉስ፡ ውግእ ዚብሃል ንባዕሉ ኺጠፍእ እዩ። (መዝሙር 46:9) ብዛዕባ እታ መንግስቲ ተመሃር፣ ሰላም ኣብዛ ምድሪ ኺሰፍን ከሎ ድማ ክትርኢ ኢኻ።—ኢሳይያስ 9:6, 7

^ ሕ.ጽ. 20 ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ።