ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ኣምላኽ፡ ፍትሓውን ቅኑዕን ድዩ ነይሩ፧

ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ኣምላኽ፡ ፍትሓውን ቅኑዕን ድዩ ነይሩ፧

ቅድሚ እተወሰነ እዋን፡ ኣብ ሓንቲ ምዕራባዊት ሃገር ዝነበረ ገበናዊ ቤት ፍርዲ፡ ንኽልተ ሰብኡት ብቕትለት ዚኸስስ ግጉይ መርትዖ ምስ ቀረበሉ፡ ንሞት ፈረዶም። እቲ ጌጋ ምስ ተፈልጠ፡ ጠበቓታት ንሓደ ኻብቶም ተኸሰስቲ ናጻ ንምውጻእ ኣበርቲዖም ጸዓሩ፣ ተዓወቱ ድማ። እቶም ዝበለጹ ዚብሃሉ ጠበቓታት ግና ነቲ ኻልኣይ ሰብኣይ ኪገብሩሉ ዚኽእሉ ነገር ኣይነበረን፣ ከመይሲ፡ ድሮ ሞይቱ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ ስርዓት፡ ፍትሒ ኺጐድል ስለ ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍትሒ፡ እወ፡ ፍትሒ ስዓብ” ኢሉ እዩ ዜተባብዕ። (ዘዳግም 16:20NW) ፈራዶ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኺስዕቡ ኸለዉ፡ ዜጋታት ይጥቀሙ እዮም። ሕጊ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ኣብ ቅንዕናን ፍትሕን እተመርኰሰ ሕጋዊ ስርዓት ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ። ‘ኵሉ መገድታት ኣምላኽ ፍትሒ እንተ ዀይኑ’ ንምፍላጥ፡ ነቲ ሕጊ እስከ ንመርምሮ።—ዘዳግም 32:4NW።

“ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን” ፈራዶ

ፈራዶ ብቑዓትን ፍትሒ ዚፈትዉን ካብ ብልሽውና ዝረሓቑን ኪዀኑ ኸለዉ፡ ህዝቢ ጽቡቕ ኣገልግሎት እዩ ዚረክብ። ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ፈራዶ ዝለዓለ ስርዓት ኪስዕቡ ኸም ዘለዎም ተጠቒሱ ነበረ። ኣብ ኣጋ መጀመርታ እቲ እስራኤላውያን ብበረኻ እተጓዕዙሉ እዋን፡ “ከኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት፡ እሙናት፡ ረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት” ምእንቲ ኺሓሪ፡ ንሙሴ ተነጊርዎ ነበረ። (ዘጸኣት 18:21, 22) ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት፡ ሙሴ፡ ፈራዶ ኪዀኑ ዚግብኦም፡ “ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት” ምዃኖም ብዝያዳ ኣጕልሐ።—ዘዳግም 1:13-17

ዘመናት ጸኒሑ፡ እቲ ኣብ ይሁዳ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ ዮሳፋጥ * ንፈራዶ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ፡ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።” (2 ዜና መዋእል 19:6, 7) በዚ ኸምዚ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ፈራዶ፡ ውሳነኦም ብጽልኢ ወይ ብስስዐ እንተ ተጸልዩ፡ ኣምላኽ በቲ ዜጋጥም ሳዕቤን ተሓተትቲ ኸም ዚገብሮም ኣዘኻኸሮም።

እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ፈራዶ ምስቲ ልዑል ስርዓታት ተሰማሚዖም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ እቲ ህዝቢ ዕቝባን ድሕንነትን ይስምዖ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ሕጊ ኣምላኽ፡ ነቶም ፈራዶ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጕዳይ ኬጋጥሞም ከሎ እውን እንተ ዀነ ኺሕግዞም ዚኽእል ስርዓታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ገለ ኻብቲ ስርዓታት እንታይ እዩ፧

ናብ ቅኑዕ ውሳነታት ዚመርሕ ስርዓታት

እቶም ዚምረጹ ፈራዶ ጥበበኛታትን ክኢላታትን ኪዀኑ እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ክእለት ወይ ብልሒ ተመርኲሶም ጥራይ ኣይኰኑን ኪውስኑ ነይርዎም። የሆዋ ኣምላኽ፡ ቅኑዕ ውሳነ ንኺገብሩ ኺሕግዞም ዚኽእል ስርዓታት ወይ መምርሒታት ሂብዎም እዩ። ቀጺልና እስከ ንእስራኤላውያን ፈራዶ እተዋህቦም ገለ መምርሒታት ንርአ።

ምሉእ መርመራ ግበር። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ፈራዶ ብሙሴ ኣቢሉ፡ “ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፡ . . . ብቕንዕና ፍረዱ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘዳግም 1:16) ፈራዶ ንሓደ ጕዳይ ብዅሉ ሸነኹ እንተ ሰሚዖምዎ  ጥራይ እዮም ቅኑዕ ፍርዲ ኺፈርዱ ዚኽእሉ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣምላኽ ነቶም ፍርዳዊ ጕዳያት ዚርእዩ ሰባት፡ “ድለ መርምር ኣጸቢቕካ ኸኣ ጠይቕ” ኢሉ ዝኣዘዞም። ፈራዶ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ቕድሚ ምውሳኖም፡ እቲ ገበናዊ ጕዳይ “ሓቅን ርግጽን” ምዃኑ ኼረጋግጹ ነበሮም።—ዘዳግም 13:14፣ 17:4

ቃል መሰኻኽር ስማዕ። መርመራ ኣብ ዚግበረሉ እዋን፡ ቃል መሰኻኽር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሕጊ ኣምላኽ፡ “ኣብ ዝዀነ በደል ወይ ኣብ ዝዀነ ሓጢኣት፡ ኣብ ዚግበር ዘበለ ሓጢኣት፡ ሓደ ምስክር ኣብ ሰብ ኣይቑም። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ብኣፍ ሰለስተ ምስክር ይቑም” ኢሉ እዩ ዚእዝዝ። (ዘዳግም 19:15) ነቶም መሰኻኽር ብዚምልከት ከኣ፡ ሕጊ ኣምላኽ፡ “ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል” ዚብል ትእዛዝ ይህብ።—ዘጸኣት 23:1

ቅኑዕ ምስክርነት ከም ዚውሃብ ግበር። ኣብ ቤት ፍርዲ ምሕሳው ዜስዕቦ መቕጻዕቲ፡ ኣዝዩ ረዚን እዩ ነይሩ፣ እቲ ሕጊ ኸምዚ ይብል ነበረ፦ “እቶም ፈራዶ ድማ ኣጸቢቖም ይመርምሩ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ምስክር ሓሳዊ ምስክር እንተ ዀነ እሞ ኣብ ሓዉ ብሓሶት እንተ መስከረ፡ ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኺገብሮ ዝሐሰበ፡ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ።” (ዘዳግም 19:18, 19) ስለዚ፡ ሓደ ሰብኣይ ንርስቲ ኻልእ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተ ሓስዩ፡ ክንድቲ ኺረኽቦ ዝደለየ እዩ ዚቕጻዕ ነይሩ። ንጹህ ሰብ ብሞት ንኪቕጻዕ ኢሉ ብሓሶት እንተ መስኪሩ ድማ፡ ህይወቱ ይስእን ነበረ። እዚ መምርሒ እዚ ነቶም መሰኻኽር፡ ሓቂ ንኺዛረቡ ዚድርኾም እዩ ነይሩ።

ብዘይ ኣድልዎ ፍረድ። እቶም ፈራዶ ንዅሉ እቲ መትርዖታት ምስ መርመርዎ፡ ውሳነ ንምግባር ንሓድሕዶም ይዘራረቡ ነበሩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ተጠቒሱ ኣሎ፦ “ብፍርዲ ኣይትዐምጹ፤ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ።” (ዘሌዋውያን 19:15) ኣብ ኵሉ ጕዳያት፡ ፈራዶ ኣብ  ደጋዊ ትርኢት ወይ ከኣ ኣብቲ እቶም ሰብ ጕዳይ ዘለዎም ማሕበራዊ ቦታ ተመርኲሶም ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ነገር ብምትኳር እዮም ኪፈርዱ ዚግብኦም ነይሩ።

እዚ ዘመናት ይገብር ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ስርዓታት ብግቡእ እንተ ተሳዒቡ፡ ግጉይ ፍርድን ዘይፍትሓውነትን ኪጠፍእ ይኽእል እዩ።

ስርዓታት ሕጊ ኣምላኽ ብግቡእ እንተ ተሳዒቡ፡ ዘይፍትሓውነት ኪጠፍእ ይኽእል እዩ

ካብ ቅኑዕ ፍትሒ እተጠቕሙ ህዝቢ

ሙሴ ንእስራኤላውያን፡ “ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ፡ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ዘዳግም 4:8) ከም ሓቂ ድማ፡ ከም ናይ እስራኤላውያን ዓይነት ጥቕሚ ዝረኸበ ህዝቢ የለን። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ብንእስነቱ ንሕግታት የሆዋ ኺስዕብ ዚጽዕር ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ እቶም ህዝቢ ‘ብህድኣት ይቕመጡ’ ነበሩ፣ ሰላምን ብልጽግናን ስለ ዝነበረ ድማ፡ “ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ።”—1 ነገስት 4:20, 25

እቲ ዜሕዝን ግና፡ እስራኤላውያን ጸኒሖም ንኣምላኽ ዝባኖም ሃብዎ። ኣምላኽ ድማ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ “እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን አለዎም እዩ፧” በለ። (ኤርምያስ 8:9) ከም ሳዕቤኑ፡ የሩሳሌም ‘ብጽያፍ ዝመልአት ከተማ ደም’ ኰነት። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓነወት፣ ን70 ዓመት ድማ ባደመት።—ህዝቅኤል 22:2፣ ኤርምያስ 25:11

ነብዪ ኢሳይያስ ኣብቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝነበረ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኺሓስቦ ኸሎ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ሕጉን ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓቂ ተዛረበ፦ “ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር፡ እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም።”—ኢሳይያስ 26:9

እቲ ዜሐጕስ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣገዛዝኣ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንኺንበ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ እዩ፣ “ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ። ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኒ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን . . . እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 11:3, 4) እዝስ ንዅሎም እቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ዚግዝእዎ ሰባት፡ ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!—ማቴዎስ 6:10

^ ሕ.ጽ. 6 ዮሳፋጥ ዚብል ስም፡ “የሆዋ ፈራዲ እዩ” ማለት እዩ።