ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ዴቦራ

‘ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ተንሳእኩ’

‘ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ተንሳእኩ’

ዴቦራ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኸረን ታቦር ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰራዊት ምስ ረኣየቶም፡ ልባ ተተንከፈ። ኣብቲ ወጋሕታ እቲ፡ ብዛዕባ ትብዓት እቲ ሰራዊትን እምነት እቲ መራሒኦም ዝነበረ ባራቕን ትሓስብ ነበረት። ቍጽሮም 10,000 ዚኣክል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እምነቶምን ትብዓቶምን ዓብዪ ፈተና እዩ ኼጋጥሞ። ምኽንያቱ፡ እዞም ምስ ጸላእቶም ብምንጽጻር ብቝጽሪ ሒደት ዝዀኑን ጽቡቕ ዕጥቂ ዘይነበሮምን ሰራዊት፡ ኣንጻር ሓደ ሕሱም ጸላኢ ኺገጥሙ እዮም ዚወጹ ነይሮም። ብሳላ ምትብባዕ እዛ ሰበይቲ ግና፡ ንውግእ ተዳልዮም ነበሩ።

ዴቦራን ባራቕን ናብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሰፊሕ ጐልጐል ኪጥምቱ ኸለዉ፡ ኣልባሳት ዴቦራ ድማ በቲ ህዱእ ንፋስ ፊል ፊል ኪብል ከሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ከረን ታቦር ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎ ዀይኑ፡ ላዕላዩ ግና ጸፊሕ እዩ። ኣብዚ ኻብ ምድሪ 400 ሜተር ዚልዕል ጸፊሕ ቦታ ዄንካ፡ እቲ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ተዘርጊሑ ዚርከብ ጐላጕል ይዝርኤል ኪርአ ይከኣል እዩ። ርባ ቂሶን ብማእከል እቲ ሰፊሕ ምድረ ሳዕሪ ሰንጢቑ ብምሕላፍ፡ ብሸነኽ ከረን ቀርሜሎስ ኣቢሉ ናብ ዓብዪ ባሕሪ እዩ ዚፈስስ። ኣብታ ንግሆ እቲኣ፡ እቲ ርባ ድሮ ነቒጹ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ሓደ ነገር ግና ኣብቲ ሰፊሕ ጐልጐል የንጸባርቕ ነበረ። ሰራዊት ሲሰራ ብዜፍርህ መገዲ እናቐረቡ ኺመጹ ኸለዉ፡ እቲ ብሓጺን እተሰርሐ ኣጽዋሮም ማሕማሕ ኪብል ይርአ ነበረ። እዚ ምንጽብራቕ እዚ፡ ካብቲ ኣስታት 900 ሰረገላ ዝሓዘ ብሉጽ ሰራዊት ሲሰራ እዩ ዚመጽእ ነይሩ፣ እዚ ሰረገላታት እዚ ድማ ኣብ መቐለሱ ኻብ ሓጺን እተሰርሐ ማዕጺድ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሲሰራ ነቶም ጽቡቕ ዕጥቂ ዘይነበሮም እስራኤላውያን፡ ከም ስገም ኪዓጽዶም እዩ ሓሊኑ ነይሩ።

ዴቦራ፡ ባራቕን ሰቡን ገለ ምልክት ወይ መምርሒ ኽትህቦም ይጽበይዋ ኸም ዘለዉ ትፈልጥ ነበረት። ካብ ኣንስቲ ንሳ ጥራይ ድያ ኣብኡ ነይራ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዓብዪ ሓላፍነት ብምስካማ፡ ከመይ ኰን ተሰሚዕዋ ይኸውን፧ ኣብኡ እንታይ ክትገብር ከም ዝመጸት ኣተሓሳሲብዋ ድዩ፧ ፍጹም ኣየተሓሳሰባን! የሆዋ ኣምላኻ ነቲ ውግእ ባዕላ ኽትጅምሮ ድሮ ነጊርዋ እዩ፣ ብተወሳኺ እውን ሰበይቲ ተጠቒሙ ነቲ ውግእ መወዳእታ ኺገብረሉ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። (መሳፍንቲ 4:9) ካብ ዴቦራን ካብዞም ተባዓት ተዋጋእትን ብዛዕባ እምነት እንታይ ኢና እንመሃር፧

“ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ”

መጽሓፍ ቅዱስ ንዴቦራ ንመጀመርታ ግዜ ኺጠቕሳ ኸሎ፡ “ነብዪት” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። እዚ መጸውዒ እዚ፡ ኣብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ልሙድ ስለ ዘይነበረ ንዴቦራ ፍልይቲ ዚገብራ እኳ እንተዀነ፡ በዚ እተጸውዐት ግና ንሳ ጥራይ ኣይነበረትን። * ዴቦራ ኻልእ ሓላፍነት እውን ነይርዋ እዩ። በቲ ኻብ የሆዋ ዝመጻ መልሲ፡ ንዚልዓል ግርጭታት ተደቅሶ ነበረት።—መሳፍንቲ 4:4, 5

ዴቦራ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኸተማታት ቤት-ኤልን ራማን ዚርከብ ከረን ኤፍሬም እያ እትነብር ነይራ። ኣብ ትሕቲ ኦም ተምሪ ተቐሚጣ ድማ በቲ የሆዋ ዝሃባ መምርሒ ነቲ ህዝቢ ተገልግል ነበረት። ዕዮኣ በዳሂ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳ ግና ኣይተሓለለትን። ኣዝዩ ብዙሕ ዕዮ እዩ ነይርዋ። ጸኒሓ ብመንፈስ ተመሪሓ መዝሙር ኣዳለወት፣ ኣብ መዝሙራ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘይእሙናት ህዝባ፡ “ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ፡ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ” በለት። (መሳፍንቲ 5:8) እስራኤላውያን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኼገልግሉ ኢሎም ንየሆዋ ስለ ዝሓደግዎ፡ የሆዋ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ሃቦም። እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ያቢን ከኣ ነቲ ሲሰራ ዚስሙ ሓያል ጀነራል ተጠቒሙ ኺገዝኦም ጀመረ።

እስራኤላውያን፡ “ሲሰራ” ዚብል ስም ጥራይ ኪሰምዑ ኸለዉ እኳ፡ ፍርህን ራዕድን ይስምዖም ነበረ። ባህልን ሃይማኖትን ከነኣናውያን ጭከና ዝመልኦ እዩ ነይሩ፣ ገለ ኻብኡ፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ምንዝርን መስዋእቲ ቘልዑን ኪጥቀስ ይከኣል። እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ እቲ ከነኣናዊ ጀነራልን ሰራዊቱን ኪግዝኡ ኸለዉስ ህይወት ከመይ ኰን እዩ ዚመስል ነይሩ፧ እቲ ዴቦራ ዝዘመረቶ መዝሙር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጕዕዞ ቐሊል ከም ዘይነበረን ሰባት ኣብ ገጠራት ምንባር ከም ዝሓደግዎን ዚገልጽ እዩ ነይሩ። (መሳፍንቲ 5:6, 7) ኣብ ዱርን ጎቦታትን ዚቕመጡ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብቲ ብመናድቕ ዘይተዓርደ ገጠራት ኪነብሩ ወይ ኪሓርሱን ዝነበሮም ስግኣት ከምኡ እውን በቲ ቓልዕ ዝዀነ መገድታት ኪጐዓዙ ኸለዉ ኸይጥቅዑን ደቆም ከይውሰድዎምን ኣዋልዶምን ኣንስቶምን ከይዕመጻን ዝነበሮም ፍርሂ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። *

የሆዋ፡ እቶም ተረርቲ ኽሳድ ዝነበሩ ህዝቡ ኺልወጡ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ዜርኢ መርትዖ ኽሳዕ ዚርኢ፡ ወይ ድማ ከምቲ እቲ ዴቦራን ባራቕን ዝዘመርዎ መዝሙር ዚገልጾ፡ ‘ዴቦራ ኽሳዕ እትትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይና ኽሳዕ እትትንስእ፡’ ን20 ዓመት ዚኣክል ኣብ እስራኤል ራዕዲ ሰፈነ። ሰበይቲ እቲ ላጲዶት ዚብሃል ሰብኣይ ዝነበረት ዴቦራ፡ ቃል ብቓሉ ኣደ እንተ ነይራ ኣይንፈልጥን ኢና፣ እዚ መግለጺ እዚ ግና ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ የሆዋ፡ ከም ኣደ ዀይና ነቶም ህዝቢ ኽትከናኸን እዩ መዚዝዋ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ተባዕን ናይ እምነት ሰብን ዝነበረ መስፍን ባራቕ ብምጽዋዕ፡ ኣንጻር ሲሰራ ንኺዋጋእ መምርሒ ኽትህቦ ኣዚዝዋ ነበረ።—መሳፍንቲ 4:3, 6, 7፣ 5:7

ዴቦራ ንባራቕ፡ ንህዝቢ የሆዋ ኼድሕን ኣተባባዓቶ

የሆዋ ብዴቦራ ኣቢሉ ንባራቕ፡ “ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ” ዚብል መምርሒ ሃቦ። ባራቕ ካብ ክልተ ነገዳት እስራኤል 10,000 ዚኣኽሉ ሰብኡት ኪእክብ ነበሮ። ዴቦራ ድማ ነቲ ሓያል ሲሰራ ምስ 900 ሰረገላኡ ኺስዕርዎ ምዃኖም ኣምላኽ ከም ዘተስፈወ ነገረቶም። እዚ ተስፋ እዚ ንባራቕ ኣገሪምዎ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ እስራኤል ሰራዊት ኰነ ኣጽዋር ኣይነበራን። ይኹን እምበር፡ ባራቕ ናብቲ ውግእ ኪኸይድ ተሰማምዐ፣ ከምኡ ዚገብር ግና ንሳ እውን ምስኡ ናብ ከረን ታቦር እንተ መጺኣ ጥራይ እዩ ነይሩ።—መሳፍንቲ 4:6-8፣ 5:6-8

ገሊኦም ሰባት፡ ባራቕ ንዴቦራ ምስኡ ኽትከይድ ብምሕታቱ፡ እምነት ከም ዘይነበሮ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፣ እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ብዙሕ ኣጽዋር ኪውሃቦ ንኣምላኽ ኣይለመነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ከም ናይ እምነት ሰብ መጠን፡ ወኪል የሆዋ ምስኣቶም ምህላዋ ንዕኡን ንሰቡን ኬበራትዖም ከም ዚኽእል ተረዲኡ ነበረ። (እብራውያን 11:32, 33) የሆዋ ድማ ነዚ ሓሳብ እዚ ሰመሮ። ከምቲ ባራቕ ዝሓተቶ፡ ዴቦራ ምስኡ ኽትከይድ ፈቐደ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ናይቲ ውግእ ክብሪ፡ ሰብኣይ ከም ዘይወስዶ ንኽትንበ እውን ብመንፈስ ደሪኽዋ እዩ። (መሳፍንቲ 4:9) ኣምላኽ፡ እቲ እኩይ ዝነበረ ሲሰራ ብሰበይቲ ኪቕተል ወሲኑ ነበረ።

ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ደቀ ኣንስትዮ እዚ ዘይብሃል ዘይፍትሓውነትን ዓመጽን ግፍዕን የጋጥመን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምቲ ኣምላኽ ኪረኽባኦ ዚደልየን ዓይነት ክብሪ ኣይረኽባን እየን። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንሰብኡትን ንኣንስትን ብማዕረ እዩ ዚርእዮም፣ ኵሎም ድማ ስምረቱ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 2:11፣ ገላትያ 3:28) ኣብነት ዴቦራ፡ የሆዋ ንኣንስቲ እውን ከም ዚኣምነንን ሞገሱ ኸም ዜርእየንን ፍሉይ መሰል ብምሃብ ድማ ከም ዚባርኸንን እዩ ዜርእየና። እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ኣድልዎ ኺጸልወና ፈጺምና ኸነፍቅደሉ የብልናን።

“ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ”

ባራቕ ሰራዊቱ ኺእክብ ከደ። ኣንጻር እቲ ዜፍርህ ሓይልታት ሲሰራ ዚዋግኡ 10,000 ዚኣኽሉ ተባዓት ሰብኡት ከኣ ኣከበ። ባራቕ ነቶም ሰቡ መሪሑ ናብ ከረን ታቦር ኪድይብ ከሎ፡ ዝያዳ ኺተብዑ ዜኽእሎም ነገር ስለ ዝነበሮም ሕጉስ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ “ዴቦራውን ምስኡ ደየበት” ዚብል ነንብብ ኢና። (መሳፍንቲ 4:10) እዛ ተባዕ ሰበይቲ እዚኣ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበራ፡ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ፡ ጐድኒ ጐድኒ እቶም ተዋጋእቲ ናብ ከረን ታቦር ክትጐዓዝ ከላ፡ ባራቕን ሰራዊቱን ክሳዕ ክንደይ ከም እተተባብዑ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ!

ሲሰራ፡ እስራኤላውያን ደፊሮም ኣንጻሩ ኺዋግኡ ኸም እተኣከቡ ምስ ፈለጠ፡ ተቐላጢፉ ስጕምቲ ወሰደ። ካልኦት ከነኣናውያን ነገስታት እውን ምስቲ ኣብ መንጎኦም ዝሓየለ ነይሩ ኪኸውን ዝኽእል ንጉስ ያቢን ሓበሩ። ጭፍራ ሰረገላታት ሲሰራ ብሓባር ኪጐዓዝ ከሎ ነቲ ጐልጐል መሊእዎ ነበረ፣ በቲ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ድምጺ ድማ መሬት ኣንቀጥቀጠት። ከነኣናውያን፡ ነቲ ድኹም ሰራዊት እስራኤል ብቕጽበት ከም ዚድምስስዎ ፈጺሞም ኣይተጠራጠሩን።—መሳፍንቲ 4:12, 13፣ 5:19

ጸላኢ እናቐረበ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፣ እሞ ደኣ ባራቕን ዴቦራን እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ ኣብ ዓቐበት እቲ ኸረን ታቦር እንተ ደኣ ጸኒሖም፡ ነቲ ናብኦም ገጹ ዚግስግስ ዘሎ ሰራዊት ከነኣን ኪስዕርዎ ይኽእሉ ይዀኑ፣ ምኽንያቱ ሰረገላታት ከነኣናውያን ብኣድማዒ መገዲ ኺዋጋእ እንተ ዀይኑ ሰጥ ዝበለ ጐልጐል እዩ ኼድልዮ። ባራቕ ግና ከምቲ የሆዋ ዚእዝዞ ገይሩ ኺዋጋእ እዩ ተዳልዩ፣ ስለዚ ዴቦራ መምርሒ ኽሳዕ እትህቦ ተጸበየ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ዴቦራ፡ “እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧” በለቶ። ብድሕሪዚ፡ “ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ።”—መሳፍንቲ 4:14 *

ሰራዊት እስራኤል ካብቲ ከረን ናብቲ ቕሉዕን ሰጣሕን መሬት ብምውራድ፡ ናብተን ዜፍርሃ ሰረገላታት ውግእ ገጾም ኣምርሑ። እሞ ደኣ፡ ከምቲ ዴቦራ ዝበለቶ የሆዋ ቐቅድሚኦም ወጺኡዶ፧ “ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፡” ዚብል ስለ እነንብብ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ረኺቦም እዮም። እቲ ዕቡይ ሰራዊት ሲሰራ ሕንፍሽፍሽ ኣተዎ። ዝናም ድማ ኪዘንም ጀመረ! ኣዝዩ ብርቱዕ ማይ ስለ ዝዘነመ፡ እቲ መሬት ቀልጢፉ ዘዕለቕለቐ እዩ ዚመስል። እተን ብሓጺን እተሰርሓ ኸበድቲ ሰረገላታት ካብ ጥቕመን ጕድኣተን በዝሐ። ኣብቲ ጭቃ ተሸኺለን ድማ ተረፋ።—መሳፍንቲ 4:14, 15፣ 5:4

ባራቕን ሰቡን በቲ መሸንቦባ ኣይተረበሹን። ከመይሲ፡ እዚ ኻበይ ይመጽእ ከም ዝነበረ ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ፡ ናብቶም ከነኣናውያን ሰራዊት ኣቢሎም ኪጐዩ ጀመሩ። እስራኤላውያን ከም ፈጸምቲ ፍርዲ ኣምላኽ ብምዃን፡ ካብ ሰራዊት ሲሰራ ሓደ ሰብ እውን ይኹን ብህይወት ኣይሓደጉን። ርባ ቂሶን መሊኡ ኣዕለቕለቐ፣ ንዅሉ እቲ ሬሳታት ጸራሪጉ ድማ ናብ ዓብዪ ባሕሪ ወሰዶ።—መሳፍንቲ 4:16፣ 5:21

ከምቲ ዴቦራ እተነበየቶ፡ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ብምውጋእ ንሰራዊት ሲሰራ ሰዓሮም

ሎሚ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ናብ ስጋዊ ውግእ ዘይሰድዶም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ኪሳተፉ ግና እዩ ዚጽበዮም። (ማቴዎስ 26:52፣ 2 ቈረንቶስ 10:4) ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ንየሆዋ ኽንእዘዞ እንተ ጽዒርና፡ ኣብቲ ውግእ ብወገን የሆዋ ንቐውም ኣለና ማለት እዩ። ነቶም ሎሚ ብወገን ኣምላኽ ዝቘሙ ሰባት ብርቱዕ ምጽራር ኬጋጥሞም ስለ ዚኽእል፡ ትብዓት የድልየና እዩ። የሆዋ ኣይተለወጠን፣ ልክዕ ከምቲ ንዴቦራን ንባራቕን ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ተባዓት ተዋጋእትን ዘዕቈቦም፡ ሎሚ እውን ነቶም ዚኣምንዎን ኣብኡ ዚውከሉን ሰባት የዕቍቦም እዩ።

“ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ”

እቲ ኻብ ኵሎም ከነኣናውያን ዝኸፍአ ጸላኢ ግና ኣምለጠ! እቲ ጨቋኒ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ ሲሰራ፡ ካብቲ ዓውደ ውግእ ብእግሩ ሃደመ። እቶም ሰቡ ኣብቲ ዓዘቕቲ እናሞቱ ኽነሶም፡ ንሱ ግና ብመንጎ ሰራዊት እስራኤል ብምምላቝ ናብቲ ኺዕቈበሉ ዚኽእል ቦታ ራሕሪሕዎም ከደ። ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ቕሉዕ ጐልጐል ከይረኽብዎ ፈሪሁ ሸበድበድ እናበለ ኸኣ ናብ ድንኳን እቲ ኻብ ህዝቡ ተፈልዩ ዚነብር ዝነበረን ምስ ንጉስ ያቢን ጽቡቕ ዝምድና መስሪቱ ዝነበረን ሔበር ቄናዊ ኣምርሐ።—መሳፍንቲ 4:11, 17

ሲሰራ እናላህልሀ ኣብ ድንኳን ሔበር በጽሐ። ሔበር ኣብ ቤት እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ያዔል ሰበይቱ ግና ኣብኡ ጸንሓቶ። ሽዑ ሲሰራ፡ ያዔል ነቲ ሰብኣያ ምስ ንጉስ ያቢን ዝነበሮ ዝምድና ኣኽቢራ ኸም እትርእዮ ገይሩ ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እተፈልየ ኣተሓሳስባ ኺህልዋ ይኽእል እዩ ዚብል ግምት ኣይነበሮን ይኸውን። ንያዔል ብሓቂ ይፈልጣ ኣይነበረን። ንሳ ነቲ እከይ ዝመልኦ ጭቈና ከነኣናውያን ትርእዮ ኸም ዝነበረት ንጹር እዩ። ኣብ ቅድሚኣ ኽልተ ኣማራጺ ኸም ዘሎዋ እውን ርእያ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ እዚ ኸኣ ነቲ እኩይን ጸላኢ ህዝቢ የሆዋን ዝዀነ ሰብኣይ ክትሕግዝ ወይ ድማ ንየሆዋ ኣሚና ነፍሳ ብምቕባጽ ወቒዓ ኽትቀትሎ እዩ። እንተዀነ ግና እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል፧ ሓንቲ ሰበይቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያልን ተዋጋእን ሰብኣይ ክትዕወተሉ እትኽእልከ ብኸመይ እያ፧

ያዔል ብቕልጡፍ ክትውስን ነበራ። ንሲሰራ ኼዕርፈሉ ዚኽእል ቦታ ኣዳለወትሉ። ንሱ ኸኣ ንዕኡ ዚደሊ ሰብ እንተ መጺኡ፡ ኣብኡ ኸም ዘየለ ኽትሕብሮ ነገራ። ምስ ደቀሰ ኸደነቶ፡ ማይ ክትህቦ ምስ ሓተታ ኸኣ ጸባ ሃበቶ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሲሰራ ዓሚቝ ድቃስ ወሰዶ። ያዔል፡ ነቲ ኣብ ድንኳን ዚቕመጣ ኣንስቲ ኣዘውቲረን ዚጥቀማሉ ናውቲ ቤት ዝዀነ ሽኻልን ሞደሻን ወሰደት። ናብ ርእሲ ሲሰራ ድንን ምስ በለት፡ ከም ፈጻሚት ፍርዲ የሆዋ ዀይና እትፍጽሞ ዜፍርህ ዕማም እዩ ዚጽበያ ነይሩ። ንሓጺር እዋን እውን ከይተረፈ እንተ ተጠራጢራ ወይ ተወላዊላ፡ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል እዚ ሰብኣይ እዚ ዘውረደሎም ግፍዕን ድያ ትሓስብ ነይራ፧ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኽትቀውም ብዛዕባ ዝረኸበቶ መሰልከ ሓሲባዶ ትኸውን፧ እቲ ጸብጻብ ኣይነግረናን እዩ። እቲ ተግባር ብቕልጡፍ ከም እተፈጸመ ጥራይ ኢና እንፈልጥ። ሲሰራ ሞተ!—መሳፍንቲ 4:18-21፣ 5:24-27

ጸኒሑ፡ ባራቕ ነቲ ኼናድዮ ዝጸንሐ ጸላኢኡ ንምርካብ እናፈተሸ ናብኡ መጸ። ያዔል ነቲ ኣብ ርእሱ ሽኻል እተሸኽለሉ ሬሳ ምስ ኣርኣየቶ፡ ትንቢት ዴቦራ ኸም እተፈጸመ ፈለጠ። ነቲ ሓያል ተዋጋኢ ዝነበረ ሲሰራ፡ ሰበይቲ ቐተለቶ! ዘመናውያን ሓያስያንን ተጠራጠርትን ንያዔል ብእተፈላለየ ሕማቕ ስማት ጸዊዖምዋ እዮም። ባራቕን ዴቦራን ግና ብኣንጻር እዚ እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። በቲ ያዔል ዝፈጸመቶ ትብዓት ዝመልኦ ተግባር፡ ኣብቲ ብመንፈስ ተደሪኾም ዝዘመርዎ መዝሙር “ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ” ብምባል ወዲሶምዋ እዮም። (መሳፍንቲ 4:22፣ 5:24) ነቲ ዴቦራ ዘርኣየቶ ናይ ልግሲ መንፈስ እሞ ኣስተብህለሉ። ንያዔል ክትውድስ ከላ ቕንኢ ኣይተሰምዓን፣ ኣብ ክንዳኡስ ትንቢት የሆዋ ምፍጻሙ ጥራይ እዩ ዜገድሳ ነይሩ።

ድሕሪ ሞት ሲሰራ፡ ንጉስ ያቢን ንእስራኤላውያን ዜስግእ ኣይነበረን። በዚ ኸምዚ፡ ጭቈና ከነኣናውያን ኣብቅዐ፣ ን40 ዓመት ድማ ሰላም ሰፈነ። (መሳፍንቲ 4:24፣ 5:31) ዴቦራን ባራቕን ያዔልን ኣብ የሆዋ እምነት ብምግባሮም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተባሪኾም! ኣስኣሰር እምነት ዴቦራ ብምስዓብ፡ ብትብዓት ኣብ ጐድኒ የሆዋ እንተ ቜምናን ካልኦት ከምኡ ንኺገብሩ ነተባብዕ እንተ ዄንናን፡ የሆዋ ዓወትን ሰላምን ብምሃብ ኪባርኸና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ሚርያም፡ ሑልዳ፡ ከምኡ እውን ሰበይቲ ኢሳይያስ ዚርከባአን ካልኦት ነብያት ነይረን እየን።—ዘጸኣት 15:20፣ 2 ነገስት 22:14፣ ኢሳይያስ 8:3

^ ሕ.ጽ. 9 እቲ ዴቦራ ዝዘመረቶ መዝሙር፡ ሲሰራ ኻብ ውግእ ኪምለስ ከሎ ሒዝዎ ዚመጽእ ዝነበረ ምርኮ፡ ኣዋልድ እውን ዜጠቓልል ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ካብተን ኣዋልድ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ይወስድ ነበረ። (መሳፍንቲ 5:30) እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ጓል” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል፡ ቃል ብቓሉ “ማህጸን” ማለት እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ፡ ደቂ ኣንስትዮ መርወዪ ጾታዊ ስምዒት ጥራይ ጌርካ ይርኣያ ኸም ዝነበራ ዜርኢ እዩ። ንደቀ ኣንስትዮ ምዕማጽ ድማ ተራ ነገር እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 17 እቲ ቐጺሉ ዝሰዓበ ውግእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ቦታ ተጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ፡ ኣብቲ ኣብ ምዕራፍ 4 ዚርከብ ታሪኻዊ ጸብጻብን ኣብቲ ኣብ ምዕራፍ 5 ዚርከብ ዴቦራን ባራቕን ዝዘመርዎ መዝሙርን ኪርከብ ይከኣል። ክልቲኡ እዚ ጸብጻባት እዚ ተደጋጊፉ ምሉእ ሓበሬታ እዩ ዜቕርብ። ከመይሲ ኣብ ምዕራፍ 4 ዘይርከብ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ይረክብ እዩ፣ ኣብ ምዕራፍ 5 ዘየሎ ኸኣ ኣብ ምዕራፍ 4 ይርከብ።