ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ ይርእዮ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ

እቶም ህዝቢ ይጭቈኑ ነበሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ካብቲ ጨቋኒ ኣርዑት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ሓራ ንምውጻእ፡ ልክዕ ከም ኣቦታቶም ሓገዝ ደልዮም ናብ ኣምላኽ ከም ዝጸለዩ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ የሱስ ሰምዑ። ንሱ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ኼረጋግጽ ድዩ፧ ብዙሓት ኣይሁዳውያን፡ ካብቶም ጨቈንቲ ዝነበሩ ሮማውያን ‘ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ ኸም ዝዀነ ተስፋ ገይሮም ምንባሮም’ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ሉቃስ 24:21) እንተዀነ ግና፡ ሓገዝ ኣይረኸቡን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብ70 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ መጺኦም ንየሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ኣጥፍእዋ።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ ኣምላኽ ከምቲ ጥንቲ ዚገብሮ ዝነበረ ንኣይሁዳውያን ዘይተዋጋኣሎም ስለምንታይ እዩ፧ ወይ ድማ ገዛእ ርእሶም ካብ ጭቈና ሓራ ንምውጻእ፡ ኪዋግኡ ዘይኣዘዞም ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ ስለ ዝቐየረ ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋሉን። የግዳስ፡ ንኣይሁዳውያን ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ ተቐይሩ። ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ከም መሲሕ ኣይተቐበልዎን። (ግብሪ ሃዋርያት 2:36) ስለዚ፡ ብደረጃ ህዝቢ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ፍሉይ ርክብ ኣበላሸውዎ።—ማቴዎስ 23:37, 38

ካብ ሽዑ ንደሓር ህዝቢ ይሁዳን እታ ዚነብሩላ ምድሪ ተስፋን መለኮታዊ ዕቝባ ሰኣኑ፣ ደጊም ስምረትን ደገፍን ኣምላኽ ዘለዎ ውግእ ኪዋግኡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ከምቲ የሱስ እተነበዮ ኸኣ፡ እቲ ስምረት ኣምላኽ ብምህላው ዚርከብ በረኸት ካብቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝነበሩ ህዝቢ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እተባህለ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ተመሓላለፈ። (ገላትያ 6:16፣ ማቴዎስ 21:43) እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ክርስትያናት መንፈሳውያን ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኰኑ። “ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም” ድማ ተባህለሎም።—1 ጴጥሮስ 2:9, 10

እሞ ደኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ህዝቢ ኣምላኽ” ካብ ኰኑ፡ ኣምላኽ ካብ ጭቈና ሮሜ ሓራ ንኼውጽኦም ኣብ ክንዳኦም ተዋጊኡ ድዩ፧ ወይ ድማ ኣንጻር እቶም ጨቈንቶም ንኺዋግኡ ኣዚዝዎም ድዩ፧ ኣይኣዘዞምን። ስለምንታይ፧ ከምቲ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚሰምሮ ውግእ መዓስ ከም ዚግበር ንሱ ጥራይ እዩ ዚውስኖ ነይሩ። ኣምላኽ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ኣይተዋጋኣሎምን፡ ሰብኣዊ ውግእ ንኺዋግኡ እውን ኣይኣዘዞምን። ብንጹር እምበኣር፡ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣምላኽ ኣንጻር እከይን ጭቈናን ዚዋግኣሉ ግዜ ኣይነበረን።

ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ኣምላኽ እከይን ጭቈናን ከም ዜብቅዕ ዚገብረሉ ግዜ ኽሳዕ ዚኣክል ኪጽበዩ ነበሮም። ክሳዕ ሽዑ ግና ብገዛእ ርእሶም ተለዓዒሎም ኣንጻር ጸላእቶም ኪዋግኡ ኣይነበሮምን። የሱስ ክርስቶስ፡ ነዚ ኣብ ትምህርትታቱ ኣነጺርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰዓብቱ ንኺዋግኡ ኣይኣዘዞምን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ” በሎም። (ማቴዎስ 5:44) የሱስ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት የሩሳሌም ብሰራዊት ሮሜ ብዛዕባ እትጥቅዓሉ እዋን ኪንበ ኸሎ፡ ሰዓብቱ ኣብታ ኸተማ ኺጸንሑን ኪዋግኡን ዘይኰነስ፡ ኪሃድሙ እዩ መምርሒ ሂብዎም፣ ንሳቶም ድማ ከምኡ ገበሩ።—ሉቃስ 21:20, 21

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “‘ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል የሆዋ’ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:19) ጳውሎስ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ኸምኡ እውን ኣብ ዘዳግም 32:35 ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዝበሎ ሓሳባት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ጥንቲ ንህዝቡ ሕነ ዚፈድየሉ ዝነበረ መገዲ፡ ምስ ጸላእቶም ኪዋግኡ ኸለዉ ብምሕጋዝ እዩ ነይሩ። ቃላት ጳውሎስ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ዘይተቐየረ የርእየና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ኣምላኽ ንውግእ፡ ንኣገልገልቱ ሕነ ዚፈድየሉ ንእተፈላለየ ዓይነት ጭቈናን እከይን ድማ ዘጥፍኣሉ ሕጋዊ መገዲ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከምቲ ጥንቲ እተራእየ፡ ውግእ መዓስ ከም ዚግበርን መን ከም ዚዋጋእን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚውስን ነይሩ።

ኣምላኽ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኪዋግኡ ኸም ዘይኣዘዞም እምበኣር ንጹር እዩ። ሎሚኸ ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ጕጅለ ኺዋጋእ መዚዙ ድዩ፧ ወይ ድማ ኢዱ ብምእታው ኣብ ክንዲ ኣገልገልቱ ዚዋግኣሉ ግዜ ድዩ፧ ሎሚ፡ ኣምላኽ ንውግእ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።