ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 1

ባህርያት የሆዋ

ባህርያት የሆዋ

(ራእይ 4:11)

  1. 1. የሆዋ ኣምላኽ፡ ምንጪ ብርሃናት፣

    ልዑል ብሓይሊ፡ ወሃብ ኵሉ ህይወት።

    ይርአ’ዩ ኣብ ፍጥረት ሓይልኻ፣

    ኣብ ኵሉ ድንቂ ተግባራትካ።

  2. 2. ዓብዪ ዝፋንካ፡ ቈይሙ ኣብ ፍትሒ፣

    ኣፍሊጥካና’ውን ጠቓሚ መምርሒ።

    ’ተ መርሚርና ነቲ ቕዱስ ቃልካ፡

    የነጽረልና ንጥበብካ።

  3. 3. ኣርኢኻና’ኻ ፍጽምቲ ፍቕሪ፣

    ነዛ ፍቕርኻ ገሊጽካ ብግብሪ።

    ባህርያትካ ዀነ ኽቡር ስምካ፡

    ከነፍልጦ’ና ንፍጥረትካ።