ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 55

ኣይትፍርህዎም!

ኣይትፍርህዎም!

(ማቴዎስ 10:28)

  1. 1. ኣጆኹም ኣቱም ህዝበየ፡

    ስበኹ ’ቲ ብስራት፣

    ጸላኢ ኣይትፍርሁ፣

    ኣፍልጥዎም ንሰባት።

    ወደይ የሱስ ነጊሱ’ዩ፡

    ስዒርዎ ንሰይጣን፣

    ገና’ውን ኪኣስሮ እዩ፣

    ሰባት ኪረኽቡ ምድሓን።

    (ኣዝማች)

    ፈጺምኩም ኣይትፍርህዎም፡

    ተኣማመኑ ብኣይ፣

    ንእሙናተይ እሕሉ፡

    ልክዕ ከም መርዓት ዓይነይ።

  2. 2. ጸላእትኹም ’ተ በዝሑ፡

    ’ተ በሉ’ኳ ሓሰኽሰኽ፣

    ኬስሕቱ ’ተ ፈተኑ፡

    ዋላ ’ተ በሉ ፍሽኽ፣

    ፈጺምኩም ኣይትረበሹ፡

    ከቶ ኣይትፍርህዎም፣

    ንእሙናት ከድሕኖም’የ፡

    ክህቦም እየ ዓስቦም።

    (ኣዝማች)

    ፈጺምኩም ኣይትፍርህዎም፡

    ተኣማመኑ ብኣይ፣

    ንእሙናተይ እሕሉ፡

    ልክዕ ከም መርዓት ዓይነይ።

  3. 3. ከቶ ኣይርስዓኩምን’የ፡

    ሓይልኹም’የ ዋልታኹም።

    ዋላ’ኳ እንተ ሞትኩም፡

    ትንሳኤ ኽትረኽቡ’ኹም።

    ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ

    ከቶ ኣይትፍርህዎም፡

    እሙናት ደኣ ኹኑ ’ምበር፡

    ክትድሕን’ያ ነፍስኹም።

    (ኣዝማች)

    ፈጺምኩም ኣይትፍርህዎም፡

    ተኣማመኑ ብኣይ፣

    ንእሙናተይ እሕሉ፡

    ልክዕ ከም መርዓት ዓይነይ።