ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 72

ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ነፍልጥ

ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ነፍልጥ

(ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21)

  1. 1. ጽልሙት ህይወት’ዩ ነይሩና፣

    ገና ሓቂ ኸይፈለጥና።

    ኣምላኽ ግን ኣብሪሁልና፣

    ንመንግስቱ ገሊጹልና።

    ፍቓዱ’ውን ኣስተውዒልና፡

    ከነገልግል ተላዒልና፣

    ክንእውጅ ስም ኣምላኽና፡

    ከም ዓቕምና ኽንገብር እጃምና።

    ንዅሎም ሰባት ንምስክር፡

    ቃል ኣምላኽና ’ወ ነበስር፣

    ኬለልዩ ስርዓት ጽድቂ፡

    ሓራ እተውጽኦም ሓቂ።

    ሃየ ንንፋዕ፡ ኣይንሰልኪ፣

    ጻዕርና’ውን ኣይንነኪ፣

    ተጊህና ንስበኽ ቃሉ፣

    ክሳዕ የሆዋ ዚብል ኣኺሉ።