ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ምድሪ ትዓኑ ኣላ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምድሪ ትዓኑ ኣላ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 “ናብ ኪሊማዊ ዕንወት ዚመርሕ ክስተታት ከም ሎሚ ገይሩ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ዓበይቲ ኸተማታት ብማይ ኪወሓጣ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋዒ ምድርን ማይ እተሓወሶ ዜርዕድ ህቦብላ ንፋስን መጠነ ሰፊሕ ሕጽረት ማይን ድማ ኪኽሰት እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ጅራት ኣትክልትን እንስሳታትን እውን ኪጸንቱ እዮም። እዚ ልቢ ወለድ ወይ ምግናን ኣይኰንን። ሰባት ኣብ ጸዓት ዘለዎም ፖሊሲታት እንተ ዘይቀይሮም፡ እዚ ኺፍጸም ከም ዚኽእል፡ ስነ ፍልጠት ይሕብረና እዩ።”—ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተሬዥ ነቲ ብ4 ሚያዝያ 2022፡ ኢንተርጋቨርንመንታል ፓነል ኦቭ ክላይመት ቸንጅ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መደረ።

 “ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ 423 ሃገራዊ ሕዙእ መሮር፡ ምዕናዉ ኸም ዘይተርፍ የጠንቅቑ እዮም። ከመይሲ፡ እዚ መሮር እዚ፡ በቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዋዒ ብቐሊሉ ኺበርስ ይኽእል እዩ። ሓውን ምዕልቕላቕ ማይን፡ ምምካኽ በረድ፡ ምውሳኽ ማያት ጽፍሒ ባሕርን ክቱር ዋዕንእዚ ኺፍጸም ዚኽእል ዜስካሕክሕ ፍጻመታት እዚ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ዚመሳሰል እዩ።”“ፍላዲንግ ከዮስ ኢን የለው ስቶን፡ ኤ ሳይን ኦቭ ክራይስስ ቱ ካም፡” ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ 15 ሰነ 2022።

 ኣካባብያዊ ጸገማት ምድሪ ኺፍታሕ ድዩ፧ ዚፍታሕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ መን እዩ ዚፈትሖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ንርአ።

ኣካባብያዊ ጕድኣት ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ‘መጥፋእቲ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦም’ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 11:18) እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ሰለስተ ነገራት ትምህረና፦

  1.  1. ጸገማት ደቂ ሰብ ንምድሪ ዓብዪ ጕድኣት ኬስዕበላ እዩ።

  2.  2. ምድሪ ጠሪሳ ኣይክትጠፍእን እያ።

  3.  3. ንኣካባብያዊ ጸገማት ምድሪ፡ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ደቂ ሰብ ኣይኰኑን ዚፈትሕዎ።

መጻኢ ምድርና ውሑስ እዩ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ምድሪ ንዘለኣለም ከም ትነብር’ ይገልጽ። (መክብብ 1:4) ሰባት ወትሩ ኺነብሩላ እዮም።

  •   “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

 ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ናብ ቀደማ ኽትምለስ እያ።

  •   “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1