ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓለምለኻዊ ሙቐት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓለምለኻዊ ሙቐት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ ሓምለ 2022፡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዛዕባ ዘይፈልጥ ሙቐት ማዕከናት ዜና ጸብጺበን፦

  •   “ቻይና ኣብ ካልኣይ ማዕበል ሙቐት እዚ ወርሒ እዚ፡ ንዳርጋ 70 ዝዀና ኸተማታታ ሓያል ሙቐት ከም ዜጋጥመን መጠንቀቕታ ሂባ።”—25 ሓምለ 2022፡ ሲኤንኤን ዋየር ሰርቪስ።

  •   “ኣብ ኤውሮጳ ዘጋጠመ ባርዕ ዱር፡ ማዕበል ሙቐት ከም ዚዓርግ ገይሩ።”—17 ሓምለ 2022፡ ዘ ጋርድያን።

  •   “ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከባ ኸተማታት፡ ሰንበት ሓያል ማዕበል ሙቐት ኣጋጢምወን ነይሩ፣ እዚ ድማ፡ ናይ ሓጋይ ሙቐት ናብ ገማግም ምብራቕን ናብ ክፋላት ደቡብን ናብ ማእከላይ ምዕራብን ከም ዚልሕም ገይሩ እዩ።”—24 ሓምለ 2022፡ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ።

 እዚ ዅሉ እንታይ ማለት እዩ፧ ምድሪ ኣብ መወዳእታኡ መንበሪት ህይወታውያን ምዃና ኼብቅዕ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ማዕበላት ሙቐት ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧

 እወ። ዓለምለኻዊ ማዕበላት ሙቐት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ግዜና እተነበዮ ይሰማማዕ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ “መፍርህታት” ወይ “ራዕድን ዓቢይ ትእምርትን” ከም እንርኢ ተነብዩ ነይሩ። (ሉቃስ 21:11ትርጉም 1990) ብዙሓት ሰባት ምውሳኽ ዓለምለኻዊ ሙቐት፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ኼጥፍእዋ እዮም ናብ ዚብል ፍርሂ ሸሚምዎም ኣሎ።

ምድሪ ህይወታውያን ዘይነብሩላ ኽትከውን ድያ፧

 ኣይፋል። ኣምላኽ ንምድሪ ንሓዋሩ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን ኢሉ እዩ ፈጢርዋ። (መዝሙር 115:16፣ መክብብ 1:4) ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ኼጥፍእዋ ኣይፈቕደሎምን እዩ፣ እኳ ደኣስ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዘተስፈዎ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ” ኼጥፍኦም እዩ።—ራእይ 11:18

 ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ እንታይ ከም ዘተስፈወ ንምርኣይ፡ ክልተ ትንቢት ንመርምር፦

  •   “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።” (ኢሳይያስ 35:1) ኣምላኽ ንምድሪ ህይወታውያን ዘይነብሩላ ምድረ በዳ ኽትከውን ኣይፈቅድን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ እተበላሸወ ኸባቢታት ኬሐድሶ እዩ።

  •   “ንምድሪ ትከናኸና እሞ፡ ብብዝሒ እተፍርን ኣዝያ ሃብታምን ትገብራ።” (መዝሙር 65:9) ብበረኸት የሆዋ፡ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ።

 ለውጢ ክሊማ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ለውጢ ክሊማን መጻኢናን—መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

 ብዛዕባ ምሕዳስ ኣከባቢና መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዎ ተስፋ ዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።