ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Halfpoint Images/Moment via Getty Images

ንቕሑ!

ላዕለዋይ ብዓል መዚ ጥዕና ብዛዕባ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ዜሕድሮ ጽልዋ ኣጠንቂቑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ላዕለዋይ ብዓል መዚ ጥዕና ብዛዕባ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ዜሕድሮ ጽልዋ ኣጠንቂቑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ብ23 ግንቦት 2023፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ብዛዕባ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መንእሰያት ዜሕድሮ ጽልዋ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።

  •   “ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ገሊኦም ቈልዑን መንእሰያትን እተወሰነ ጥቕሚ ኺህልዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ቘልዑን መንእሰያትን ኣጸቢቑ ኺጐድእ ከም ዚኽእል ዚሕብር እኹል መርትዖታት ኣሎ።”—ሶሻል ሚድያ ኤንድ ዩዝ ሜንታል ሄልዝ፦ ዘ ዩ.ኤስ. ሰርጅን ጀነራልስ ኣድቫይዘሪ፡ 2023።

 እቲ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ነዚ ስክፍታኡ መሰረት ዝዀኖ መጽናዕትታት ጠቒሱ ኣሎ።

  •   ደቂ 12 ኽሳዕ 15 ዝዀኑ እሞ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ልዕሊ 3 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ዜህልኹ ዘበሉ፡ ብኸም ጭንቀት ዝኣመሰለ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ጥዕና ኺጥቅዑ ዘለዎም ዕድል ብዕጽፊ ይውስኽ እዩ።”

  •   እቶም ደቂ 14 ኸኣ፡ “ብዙሕ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚጥቀሙ እንተ ዀይኖም፡ ድቃሶም ይበላሾ፡ ብኦንላይን ግዳያት መጥቃዕቲ ይዀኑ፡ ብዛዕባ መልክዖም ግጉይ ኣረኣእያ ይህልዎም፡ ዋጋ ኣልቦነት ይስምዖም፡ ጭንቀት ድማ የሕድሩ። እዚ ኸኣ ካብ ኣብ ኣወዳት፡ ኣብ ኣዋልድ እዩ ዚገድድ።”

 ወለዲ ንደቆም ካብዚ ሓደጋታት እዚ ብኸመይ ኬዕቍብዎም ይኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ።

ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

 እጃምኩም ግበሩ። ኣቱም ወለዲ፡ ነቲ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውሉድኩም ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም ወይ ከይጥቀም ወስኑ።

 ንውሉድኩም ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም እንተ ፈቒድኩምሉ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋታቱ ፍለጡ፣ ኣብቲ ውሉድኩም ኣብ ኦንላይን ዚገብሮ ንጥፈታት እውን እጃም ይሃሉኹም። ብኸመይ፧

 ንውሉድኩም ካብ ጐዳኢ ነገራት ኣዕቍብዎ። ውሉድኩም ጐዳኢ ነገራት ኣለልዩ ኻብኡ ኺርሕቕ ኣሰልጥንዎ።

 ደረት ግበሩሉ። ንኣብነት፡ ውሉድኩም መዓስን ንኽንደይ ዚኣክል ንውሓትን ማሕበራዊ መራኸቢ ኺጥቀም ከም ዚኽእል ሕጊ ግበሩ።

  •   ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ . . . ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።”—ኤፌሶን 5:15, 16

  •   ደረት ስለምንታይ ከም ዜድሊ ንውሉድኩም ንምርዳእ፡ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ ዘርእስታ ቪድዮ ተጠቐሙ።