ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ህይወት ዚቕይር ነጠብጣብ

ህይወት ዚቕይር ነጠብጣብ

1 ጥቅምቲ 2021

 ናይ 1 ሰነ 1912 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ትብል፦ “መብዛሕትኦም ኣንበብትና ዓይነ ስዉር ዝዀነ ሰብ ይፈልጡ እዮም። ዓይነ ስዉራን ዚንበብ ነገር ብናጻ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። . . . እዚ ጽሑፍ ንዓይነ ስዉራን ኬንብብዎ ብዚኽእሉ ብራኸ ዘለዎ ፊደላት እተጸሓፈ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ዓይነ ስዉራን ነቲ ናብ ዓለም በረኸት ከም ዚመጽእ ዚገልጽ መልእኽቲ ኣዝዮም የማስዉሉ እዮም።”

 እዚ ቓላት ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን፡ ኵሎም ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ብረይል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምክፋል፡ “ብበረኽቲ ፊደላት” እተጻሕፈ ብረይል ዛጊት ኣዳልዮም ነይሮም እዮም። ሕጂ እውን ከምኡ ንገብር ኣለና። ኣብዚ ጊዜ እዚ ጽሑፋት ብረይል ብልዕሊ 50 ቛንቋታት ይርከብ እዩ። ብኸመይከ እዩ ዚዳሎ፧

ካብ ሓደ ኽሳዕ ሽዱሽተ በረኽቲ ነጠብጣብ ፊደላት የቑሙ። እቲ በረኽቲ ነጠብጣብ ኣብ ሽዱሽተ ምቃል ይስራዕ

ምግልባጥን ምቕራጽን

 ብረይል ንምድላው ኣብ ፈለማ ዚግበር ነገር ነቲ ጽሑፍ ናብ ፊደላት ብረይል ምግልባጥ እዩ። ማይክል ሚለር ዚብሃል ኣብ ፓተርሰን ኒው ዮርክ ኣብ ክፍሊ ምምስራሕ ጽሑፍ ዚዓዪ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ዝሓለፈ ብረይል ንምግልባጥ ካልኦት ዘዳለውዎ ሶፍትዌር ኢና እንጥቀም ኔርና። ይኹን እምበር፡ እዚ ኣብ ኵሉ ዜድልየና ቛንቋታት ዚዓዪ ኣይነበረን። ኣብዚ ግዜ እዚ ፊደላት ብረይል ዝውቱር ብዝዀነ ቛንቋታት ንምግልባጥ፡ ዎች ታወር ትራንስሌሽን ሲስተም ንጥቀም ኢና። ንዕኡ ዚመስል ኣብ ካልእ ቦታ ፈጺምካ ዚርከብ ኣይመስለንን።”

 ሕታማት ብረይል ጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መግለጺ ስእሊ እውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ሕታም ብረይል ዘሎ ስእሊ ገበር በዚ መገዲ እዚ ተገሊጹ ኣሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ብሓንቲ ጥውይዋይ መገዲ ኪኸይድ ይጅምር፣ ኣብ የማነ ጸጋም እታ መገዲ፡ ኣትክልትን ኵርባታትን ኣኽራንን ኣሎ።” ጃምሸድ ዚብሃል ኣገልጋሊ ጉባኤን ፈላምን ዝዀነ ዓይነ ስዉር፡ “እዚ መግለጺ ስእልታት እዚ ንዓይ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ” ይብል።

 ፊደላት ድሕሪ ምግልባጥ ፋይላት፡ ሕታማት ብረይል ናብ ዚቐርጻ ኣብያተ ጨንፈር ጽሕፈት ይለኣኽ። እቲ ሕታም ድማ ኣብ እዋን ምቕራጽ ብዘይነኵልን ደጋጊምካ ምስ ተጠቐምካሉ ብዘይበላሾን ድልዱል ወረቐት እዩ ዚዳሎ። ድሕሪኡ፡ እቲ ገጻት ይጥርነፍ፡ ይጥረዝ፡ ምስ ናይ ጉባኤ ስሩዕ ጽሑፋት ወይ ድማ ንዓይነ ስዉራን ብናጻ ብዜብጽሓ እንዳ ጶስጣ ይለኣኽ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ንዓይነ ስዉራን ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎም ኣሕዋት፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚጥቀምሉ ጽሑፋት ኣብ እዋኑ ምእንቲ ኺበጽሖም ብቕልጡፍ ኪለኣኽ ምድላዋት ይገብራ እየን።

 ኵሉ እዚ ዕዮ ብዙሕ ግዜን ብዙሕ ገንዘብን እዩ ዚወስድ። ኣብ ዎልኪል ኒው ዮርክ ዚርከብ መሕተሚና፡ 2 ብረይል መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዚወስደሉ ግዜን 50,000 ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ዚወስደሉ ግዜን ማዕረ እዩ። ብደረጃ ኽልተ ብረይል ዚዳሎ መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛ፡ 25 ጥራዛት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ጥራዛት ንምድላው ዚወጽእ ወጻኢ ኻብቲ ንሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዚወጽእ ወጻኢ ብ123 ይዛይድ። a ዋጋ ገበራት እቲ 25 ጥራዛት ከኣ ኣስታት 150 ዶላር ኣመሪካ ይበጽሕ።

ብደረጃ ኽልተ ብረይል እተዳለወ ናይ እንግሊዝኛ ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 ጥራዛት ኣለዎ!

 ጽሑፋት ብረይል ኣብ ምሕታም ዚሕግዙ ኣሕዋት ብዛዕባ ዕዮኦም እንታይ ይስምዖም፧ ኣብ ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ እተገልግል ናድያ ኸምዚ ትብል፦ “ዓይነ ስዉራን ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከቢድ ህይወት እዮም ዜሕልፉ። ስለዚ፡ ንዕኦም ንምሕጋዝ ኣበርክቶ ምግባረይ ከም በረኸት እየ ዝርእዮ። እዚ የሆዋ ኣዝዩ ኸም ዜፍቅሮም ዜርኢ መርትዖ እዩ።”

ብረይል ምንባብ ተምሃር

 ሓደ ዓይነ ስዉር፡ ብረይል ምንባብ ዘይክእል እንተ ዀይኑኸ፧ ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ብረይልን ጽሑፍን ዝሓዘት ብረይል ምንባብ ተምሃር እትብሃል ደብተር ኣውጺእና ኔርና። እዛ ብሮሹር ኪርእዩ ዚኽእሉን ዓይነ ስዉራንን ብሓንሳእ ኪጥቀሙላ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ዓይነ ስዉር ኣብ ብረይል ኪጽሕፍ ዜኽእሎ ንዋት ዝሓዘት እያ። ሓደ ተምሃራይ በዚ ንዋት እዚ ተጠቒሙ ንፊደላት ብረይል ባዕሉ ይቐርጾ፣ እዚ ናይ ምቕራጽ ልምምድ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ፊደል ኣጸቢቑ ኺዝክሮን ብምትንካይ ኬለልዮን ይሕግዞ።

“ውልፍቲ እየ”

 ዓይነ ስዉራን ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ካብዘን ሕታማት እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧ አርነስት ዚብሃል ኣብ ሀይቲ ዚነብር ዓይነ ስዉር ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይካፈል ነይሩ፣ ሕታማት ብረይል ግና ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ ናይ ተምሃራይ ክፍሊ ንምቕራብን ብሕቶን መልስን ኣብ ዚቐርብ ክፍሊ ሓሳብ ንምሃብን ብቐንዱ ኣብቲ ዝሰምዖ ይውከስ ነይሩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ሕጂ ግና ኢደይ ሓፍ ኣቢለ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ሓሳብ ክህብ እኽእል እየ። ብሓቂ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝሓበርኩ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ከመይሲ፡ ኵላትና ሕደ ዓይነት መንፈሳዊ ምግቢ ኢና ንረክብ።”

 ጀይን ዚብሃል ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤን ዚመርሕ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎ ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “ሕታማትና ኻብ ዘንበብክዎ ኻልእ ሕታማት ብረይል ኣዝዩ ዝነጸረ እዩ። ንኣብነት፡ ቍጽሪ ገጻትን ብቐሊሉ ኽትረኽቦ እትኽእል እግረ ጽሑፍን ንጹር መግለጺ ስእልን ኣለዎ።”

 ሰዮኖክ ኣብ ደቡብ ኮርያ እትነብር ፈላሚት ኰይና፡ ዓይነ ስዉርትን ጽምምትን እያ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል ናይ ምድህሳስ ምልክት እያ ትጥቀም ነይራ። ሕጂ ግና፡ ብብረይል እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ናውቲ ገይራ ኸተጽንዕ ትኽእል እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ካልእ ሕታማት ብረይል ከተንብቦ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ከመይሲ፡ ነጠብጣብ ይጐድሎ፡ እቲ መስመራት ትኽ ዝበለ ኣይኰነን ወይ ድማ እቲ ወረቐት ኣዝዩ ረቂቕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሉጽ ወረቐት እዮም ዚጥቀሙ፡ እቲ ነጠብጣብ ድማ ጕሉሕ እዩ፣ ስለዚ፡ ንኼንብቦ ቐሊል ኰይኑለይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማት ብሓገዝ ካልኦት ሰባት ጥራይ እየ ኼጽንዖ ዝኽእል ነይረ። ሕጂ ግና፡ ባዕለይ ከጽንዕ እኽእል እየ። ንሰሙናዊ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክዳሎን ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ክሳተፍን ብምኽኣለይ ሕጕስቲ እየ። ንዅሉ ብብረይል እተዳለወ ሕታማትና አንብቦ እየ። ብእኡ ውልፍቲ እየ ኺብሃል ይከኣል እዩ።”

 እቲ ብብረይል እተዳለወ ሕታማትና፡ ልክዕ ከምቲ ብጽሑፍ እተዳለወ ሕታማት ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ የጠቓልል፦ “እዚ ጽሑፍ እዚ ንመሸጣ እተዳለወ ኣይኰነን። ክፍሊ እቲ ፈቲኻ ብዚግበር ወፈያ ዚድገፍ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ እዩ።” ነቲ ብ​donate.dan124.com እትገብሮ ወፈያ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። እቲ ብልግሲ እትገብሮ ወፈያ ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ንዓይነ ስዉራንን ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎም ሰባትን መንፈሳዊ ምግቢ ኺረኽቡ ይሕግዞም እዩ።

a ኣብ ገሊኡ ሕታማት ብረይል፡ ቦታ ንምቝጣብ ቃላት ኣሕጺርካ እዩ ዚጸሓፍ። ንኣብነት፡ ኣብ ደረጃ ኽልተ ብረይል ልሙድ ቃላትን ፊደላትን ብኣሕጽሮት እዩ ዚጸሓፍ። ስለዚ፡ ደረጃ ኽልተ መጽሓፍ ብረይል፡ ካብ ደረጃ ሓደ መጽሓፍ ብረይል ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ።