ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሓንሳእ እንተ ድሒንካ፡ ንሓዋሩ ድሒንካ’ ኢሉ ይምህር ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሓንሳእ እንተ ድሒንካ፡ ንሓዋሩ ድሒንካ’ ኢሉ ይምህር ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋሉን፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሓንሳእ እንተ ድሒንካ፡ ንሓዋሩ ድሒንካ’ ዚብል ሰረተ እምነት ኣይምህርን እዩ። ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምሕዳር ዝደሓነ ሰብ፡ እታ እምነቱ ኽትጠፍእን ነቲ ምስኣ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ድሕነት ኪስእኖን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እምነትና ዓቂብና ምእንቲ ኽንቅጽል ክንቃለስን ‘ክንጋደልን’ ከም ዘሎና ዚገልጽ። (ይሁዳ 3, 5) ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ንክርስቶስ እተቐበልዎ ክርስትያናት፡ “ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ” ተባሂሉ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ።—ፊልጲ 2:12

‘ሓንሳእ እንተ ድሒንካ፡ ንሓዋሩ ድሒንካ’ ዚብል ትምህርቲ ጌጋ ምዃኑ ዜርኢ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

  •   መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንሓደ ሰብ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ኪዓግቶ ዚኽእል ከቢድ ሓጢኣት የጠንቅቕ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11፣ ገላትያ 5:19-21) ሓደ ሰብ ነቲ ዝረኸቦ ድሕነት ኪስእኖ ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ እቲ መጠንቀቕታ ትርጉም ዘይብሉ ምዀነ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ሓደ ዝደሓነ ሰብ ናብቲ ቐደም ዚመላለሰሉ ዝነበረ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ተመሊሱ፡ ድሕነቱ ኺስእን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እብራውያን 10:26፡ “ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልናስ፡ ፈቲና ብሓጢኣት እንተ ተመላሊስና፡ ደጊም ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” ትብል።—እብራውያን 6:4-6፣ 2 ጴጥሮስ 2:20-22

  •   የሱስ፡ እምነትና ሓሊና ኽንመላለስ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ፡ ንርእሱ ምስ ተኽሊ ወይኒ፡ ንሰዓብቱ ድማ ምስ ጨናፍር እታ ተኽሊ ወይኒ ኣመሳሲሉ ነይሩ እዩ። ገሊኦም ሰዓብቱ ኣብ ሓደ እዋን ብፍሪኦም ወይ ብተግባሮም ብየሱስ ከም ዚኣምኑ እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ጸኒሖም ግና ስለ ዘይፈረዩ፡ ‘ከም ዘይፈሪ ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዮም’ ወይ ድሕነቶም ስኢኖም እዮም። (ዮሃንስ 15:1-6) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ተመሳሳሊ ምሳሌ ተጠቒሙ ነይሩ እዩ፣ እምነቶም ሓልዮም ዘይጐዓዙ ክርስትያናት ከም ‘ዚቝረጹ’ ድማ ገሊጹ እዩ።—ሮሜ 11:17-22

  •   ክርስትያናት፡ “ንቕሑ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:42፣ 25:13) ስለዚ፡ እቶም “ግብሪ ጸልማት” ብምግባር ወይ ከኣ ነቲ የሱስ ክንገብሮ ዝኣዘዘና ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ብዘይምፍጻም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚድቅሱ ሰባት፡ ድሕነቶም ይስእኑ እዮም።—ሮሜ 13:11-13፣ ራእይ 3:1-3

  •   እቶም ዝደሓኑ ሰባት ክሳዕ መወዳእታ ኺጻወሩ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ብዙሕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:13፣ እብራውያን 10:36፣ 12:2, 3፣ ራእይ 2:10) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ይጻወሩ ኸም ዝነበሩ ምስ ፈለጡ፡ ተሓጒሶም እዮም። (1 ተሰሎንቄ 1:2, 3፣ 3 ዮሃንስ 3, 4) እቶም ዘይጻወሩ ሰባት እውን እንተ ዀኑ ምድሓኖም ዘይተርፎም እንተ ዀይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብእምነት ክንጻወር ከም ዚግባእ መጕልሐዶ፧

  •   ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሞቱ ኣዝዩ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እዩ ድሕነቱ ርግጽ ምዃኑ ገሊጹ። (2 ጢሞቴዎስ 4:6-8) ኣቐድም ኣቢሉ ግና፡ ንስጋዊ ባህግታት ኢዱ እንተ ሂቡ ድሕነቱ ኺስእን ከም ዚኽእል ተገንዚቡ ስለ ዝነበረ፡ “ንኻልኦት ምስ ሰበኽኩ፡ ኣነ ባዕለይ ዘይብቑዕ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንሰብነተይ አጕስጦን አግዝኦን ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—1 ቈረንቶስ 9:27፣ ፊልጲ 3:12-14