ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ራእይ—ትርጉሙ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ራእይ—ትርጉሙ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ስም መጽሓፍ ራእይ ካብታ “ምቕላዕ” ዝትርጉማ ኣፖካሊፕሲስ (ኣፖካሊፕስ) እትብሃል ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸ እዩ። እቲ ስም እቲ፡ ንትርጉም መጽሓፍ ራእይ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዜብርሆ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ነገራት ዚቐልዕን ድሕሪ ምጽሓፉ ነዊሕ ግዜ ጸኒሑ ዚፍጸም ነገራት ዚገልጽን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ መብዛሕትኡ ትንቢታት ብሕጂ ዚፍጸም እዩ።

ሓፈሻዊ ነጥብታት መጽሓፍ ራእይ

  •   መእተዊ።—ራእይ 1:1-9

  •   ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእኸ መልእኽቲ የሱስ።—ራእይ 1:10-3:22

  •   ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ዜርኢ ራእይ።—ራእይ 4:1-11

  •   ሓደ ናብቲ ሓደ ዜምርሕ ተኸታተልቲ ራእያት።

    •   ሸውዓተ ማሕተማት።—ራእይ 5:1-8:6

    •   ካብተን ሸውዓተ መለኸት ነተን ሰለስተ ወዮታት ዜፋልጣ ናይ መወዳእታ ሰለስተ መለኸት።—ራእይ 8:7-14:20

    •   ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚወርድ መለኮታዊ ፍርዲ ዜመልክት መዓት ዝሓዛ ሸውዓተ ጭሔሎ።—ራእይ 15:1-16:21

    •   ጥፍኣት ጸላእቲ ኣምላኽ ዜመልክት ራእያት።—ራእይ 17:1-20:10

    •   ኣብ ሰማይን ምድርን ዚወርድ በረኸታት ኣምላኽ ዜርኢ ራእያት።—ራእይ 20:11-22:5

  •   መደምደምታ።—ራእይ 22:6-21

ንመጽሓፍ ራእይ ክንርድኦ ዚሕግዘና ቐንዲ ነጥብታት

  1.   ትርጉም መጽሓፍ ራእይ ነቶም ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ኣወንታዊ ደኣ እምበር፡ ዜፍርህ ወይ ዜርዕድ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት ነታ “ኣፖካሊፕስ” እትብል ቃል ምስ ዓብዪ ጥፍኣት የተሓሕዝዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ራእይ ግና እቶም ነቲ መልእኽቲ ዜንብብዎን ዜስተውዕልዎን ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ምዃኖም ብምግላጽ እያ እትጅምርን እትድምድምን።—ራእይ 1:3፣ 22:7

  2.   መጽሓፍ ራእይ ቃል ብቓሉ ኺውሰድ ዘይብሉ፡ ብዙሕ “ምልክታት” ዝሓዘት እያ።—ራእይ 1:1

  3.   ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሞም ተጠቒሶም ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከቡ ዓበይቲ ምልክታት፦

  4.   እቲ ራእያት ን“መዓልቲ ጐይታ” የመልክት። መዓልቲ ጐይታ ዝጀመረት ከኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ምስ ቆመትን የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ምስ ጀመረን እዩ። (ራእይ 1:10) ስለዚ፡ እቲ ቐንዲ ፍጻመ ራእይ ኣብዚ ግዜና ኪኸውን ክንጽበ ንኽእል ኢና።

  5.   ከምቲ ንኻልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ ጥበብ ኣምላኽን ሓገዝ እቶም ኣቐዲሞም እተረድእዎ ሰባትን ዜድልየና፡ ንመጽሓፍ ራእይ ክንርድኦ እውን ከምኡ እዩ ዜድልየና።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39፣ ያእቆብ 1:5