ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧

ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እቲ ገሊአን ሃይማኖታት “ቅዱስ ሚካኤል” ኢለን ዚጽውዓኦ ሚካኤል፡ የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡን ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉን እተዋህቦ ስም እዩ። a ሚካኤል ድሕሪ ሞት ሙሴ ምስ ሰይጣን ተማጒቱን ንሓደ መልኣኽ መልእኽቲ ኣምላኽ ናብ ነብዪ ዳንኤል ኬብጽሕ ሓጊዝዎን እዩ። (ዳንኤል 10:13, 21፣ ይሁዳ 9) ሚካኤል ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧” እዩ። ሚካኤል ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ብምድጋፍን ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ብምውጋእን ምስ ትርጉም ስሙ ተሰማሚዑ ይመላለስ እዩ።—ዳንኤል 12:1፣ ራእይ 12:7

 የሱስ ምስቲ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ሕደ እዩ ኢልና ኽንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ከም ዝዀነ እስከ ርአ።

  •   ሚካኤል፡ “ሊቀ መላእኽቲ” እዩ። (ይሁዳ 9) እቲ “ሓለቓ መላእኽቲ” ዝትርጉሙ “ሊቀ መላእኽቲ” ዚብል መዓርግ፡ ኣብ ክልተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዚርከብ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ፡ እታ ቓል ብንጽል ተጠቒሳ ስለ ዘላ፡ ነዚ መዓርግ እዚ ዝወሰደ ሓደ መልኣኽ ጥራይ ከም ዘሎ ትሕብር። ሓንቲ ኻብዘን ጥቕስታት፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ጐይታና የሱስ፡ “ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽቲ . . . ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ” ትብል። (1 ተሰሎንቄ 4:16) የሱስ፡ “ድምጺ ሊቀ መላእኽቲ” ዘለዎ፡ ንሱ ንባዕሉ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ስለ ዝዀነ እዩ።

  •   ሚካኤል ንሰራዊት መላእኽቲ ይእዝዝ። “ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል [ሰይጣን] ተዋግኡ።” (ራእይ 12:7) ሚካኤል፡ “ሓደ ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ፡” ከምኡ ድማ “ዓብዪ መስፍን” ተባሂሉ ተጸዊዑ ስለ ዘሎ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ልዑል ስልጣን ኣለዎ። (ዳንኤል 10:13, 21፣ 12:1) ምሁር ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ ዴቪድ ኡን ከም ዝገለጾ፡ እዚ መዓርጋት እዚ ሚካኤል “ሓለቓ ሰራዊት መላእኽቲ” ምዃኑ እዩ ዚሕብር።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መላእኽቲ ስልጣን ብዛዕባ ዘለዎ ኣካል ኪገልጽ ከሎ፡ ሓደ ኻልእ ስም ጥራይ እዩ ዚጠቅስ። ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ከኣ ይገልጾ፦ “ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቱ ኺግለጽ ከሎ፡ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።” (2 ተሰሎንቄ 1:7, 8፣ ማቴዎስ 16:27) የሱስ፡ “ናብ ሰማይ ከይዱ፡ . . . መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ድማ ይግዝእዎ ኣለዉ።” (1 ጴጥሮስ 3:21, 22) ኣምላኽ ንየሱስን ንሚካኤልን ኣብ ልዕሊ ቕዱሳት መላእኽቲ ስልጣን ዘለዎም ተወዳደርቲ ኣሕሉቕ ገይሩ ኺሸሞም ዘይመስል እዩ። እምበኣር፡ እቲ የሱስን ሚካኤልን ዚብል ክልቲኡ ስም ንሓደ ዜመልክት እዩ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

  •   ሚካኤል፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ “ግዜ ጭንቂ” “ኪቐውም እዩ።” (ዳንኤል 12:1) ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ እታ “ኪቐውም” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ፍሉይ ስጕምቲ ንምውሳድ ዚትንስእ ንጉስ ንምምልካት እያ እትውዕል። (ዳንኤል 11:2-4, 21) እቲ “ቃል ኣምላኽ” ተባሂሉ እተጸውዐ የሱስ ክርስቶስ፡ “ንጉሰ ነገስት” ኰይኑ ንዅሎም ጸላእቲ ኣምላኽ ንምጥፋእን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምዕቋብን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። (ራእይ 19:11-16) ነዚ ድማ ኣብቲ “ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ” እዩ ዚገብሮ።—ማቴዎስ 24:21, 42

a መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ሰባት እውን ብልዕሊ ሓደ ስማት ይጽውዖም እዩ። ገለ ኻብዚኣቶም፡ ያእቆብ (እስራኤል እውን ተባሂሉ ዚጽዋዕ)፡ ጴጥሮስ (ስምኦን እውን ተባሂሉ ዚጽዋዕ)፡ ታዴዎስ (ይሁዳ እውን ተባሂሉ ዚጽዋዕ) ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም።—ዘፍጥረት 49:1, 2፣ ማቴዎስ 10:2, 3፣ ማርቆስ 3:18፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:13