ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ሞትካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧

ምስ ሞትካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል እዩ። (መክብብ 9:5፣ መዝሙር 146:4) ስለዚ፡ ምስ ሞትና ህልውናና የብቅዕ እዩ። ምዉታት ገለ እኳ ኺሓስቡ ወይ ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም፣ ዋላ ሓንቲ እውን ኣይስምዖምን እዩ።

“ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ”

 ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ገሊጹ እዩ። ኣዳም ስለ ዘይተኣዘዘ፡ ኣምላኽ ንዕኡ፡ “ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣምላኽ ንኣዳም “ካብ ሓመድ ምድሪ” ቕድሚ ምፍጣሩ፡ ኣዳም ህልውና ኣይነበሮን። (ዘፍጥረት 2:7) ብተመሳሳሊ፡ ኣዳም ምስ ሞተ፡ ናብ ሓመድ ተመሊሱን ህልውናኡ ኣብቂዑን እዩ።

 ኵነታት እቶም ኣብዚ ግዜና ዚሞቱ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰባትን እንስሳታትን፡ “ኵላቶም ካብ ሓመድ ይመጹ፡ ኵላቶም ድማ ናብ ሓመድ ይምለሱ” ይብል እዩ።—መክብብ 3:19, 20

ሞት ንዅሉ ሰብ ኣይኰነን መወዳእታ ዅሉ ነገር ዚኸውን

 መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት፡ ብዙሕ ሳዕ ምስ ድቃስ የመሳስሎ እዩ። (መዝሙር 13:3፣ ዮሃንስ 11:11-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:60) ዓሚቝ ድቃስ ዝደቀሰ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዚኸውን ኣይፈልጥን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንምዉታት፡ ከምቲ ካብ ድቃስ ዜበራብሮም ገይሩ ኼተንስኦምን ዳግም ህይወት ኪህቦምን ከም ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (እዮብ 14:13-15) እምበኣር፡ ነቶም ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዜተንስኦም ሰባት፡ ሞት መወዳእታ ዅሉ ነገር ማለት ኣይኰነን