ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገዛእ ርእስኻ ብዛዕባ ምፍታው እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገዛእ ርእስኻ ብዛዕባ ምፍታው እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገዛእ ርእስኻ ብእተወሰነ ደረጃ ምፍታው ግቡእን ኣድላይን ምዃኑ ይሕብር እዩ። እዚ ፍትወት እዚ፡ ገዛእ ርእስኻ ምክንኻንን ንርእስኻ ምኽባርን የጠቓልል። (ማቴዎስ 10:31) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፈተውቲ ርእስና ኽንከውን ዘየተባብዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ንርእስና ብግቡእ ደረጃ ኽንፈቱ ግና የተባብዕ እዩ።

ቅድም ንመን ኢና ኸነፍቅሮ ዘሎና፧

  1.   ፍቕሪ ንኣምላኽ፡ ኣብ ልብና ቐዳማይ ቦታ ኺሕዝ ኣለዎ። እታ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ . . . ኣፍቅሮ” እትብል ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ።—ማርቆስ 12:28-30፣ ዘዳግም 6:5

  2.   እታ ኻልአይቲ ዝዓበየት ትእዛዝ ከኣ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ትብል።—ማርቆስ 12:31፣ ዘሌዋውያን 19:18

  3.   መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንርእስኻ ኣፍቅር’ ኢሉ ብንጹር ዘይእዝዝ እኳ እንተ ዀነ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እትብል ትእዛዝ ንርእስኻ ብግቡእ ደረጃ ምፍቃርን ምኽባርን ንቡርን ጠቓምን ምዃኑ ትሕብር እያ።

የሱስ ብቐዳምነት ንመን እዩ ዜፍቅር ነይሩ፧

 ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንብጻይናን ፍቕሪ ንርእስናን ብኸመይ ኪስራዕ ከም ዘለዎ የሱስ ኣርእዩ እዩ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣብነቱ ኺስዕቡ ኣዚዝዎም እዩ።—ዮሃንስ 13:34, 35

  1.   ብቐዳምነት ንየሆዋ ኣምላኽ የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ ዕዮ ኣቦኡ ንምፍጻም ከኣ ገዛእ ርእሱ ወፍዩ እዩ። “ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ከምኡ እገብር ኣለኹ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 14:31

  2.   የሱስ ንብጻዩ የፍቅር ነይሩ እዩ፣ ነዚ ድማ ንኻልኦት ዜድልዮም ንምምላእ፡ ህይወቱ ኽሳዕ ምሃብ መስዋእቲ ብምግባር ኣርእዩ እዩ።—ማቴዎስ 20:28

  3.   ንዕረፍትን ንምግብን ዚኸውን ግዜ ብምምዳብ፡ ምስ ሰዓብቱ ዀነ ናይ መጻኢ ደቀ መዛሙርቱ እውን ባህ ዜብል ግዜ ብምሕላፍ፡ ገዛእ ርእሱ ብግቡእ ደረጃ ኸም ዚፈቱ ኣርእዩ እዩ።—ማርቆስ 6:31, 32፣ ሉቃስ 5:29፣ ዮሃንስ 2:1, 2፣ 12:2

ንኻልኦት ልዕሊ ርእስኻ ምፍታው፡ ንሓጐስካ ወይ ንርእሰ ኣኽብሮትካ ይንክዮ ድዩ፧

 ኣይንክዮን እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ ኢና ተፈጢርና፣ ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ ድማ ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደሊ ፍቕሪ እያ። (ዘፍጥረት 1:27፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንኻልኦት ፍቕሪ ኸም እነርኢ ዄንና ኢና ተፈጢርና። ርእሰ ፍትወት ናቱ ቦታ ኣለዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ልዕሊ ዅሉ ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮን ንኻልኦት ሰባት ሰናይ ኣብ ምግባር ምስ እነተኵርን ኢና ልዕሊ ዅሉ ሕጉሳት እንኸውን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

 ሎሚ ብዙሓት ሰባት፡ ንርእስኻ ቐዳምነት ብምሃብ ሓጐስ ከም ዚርከብ ይዛረቡ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ፡ “ንብጻይካ ኣፍቅሮ” ዚብል ትእዛዝ፡ “ንርእስኻ ኣፍቅር” ብዚብል ትእዛዝ ተኪኦምዎ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ግዜና ብተመክሮ ኸም እተረጋገጸ፡ እቶም፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ንዚብል ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ እዮም ዝሓሸ ጥዕናን ሓጐስን ዚረኽቡ።—1 ቈረንቶስ 10:24