ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧

ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 “ወርቃዊት ሕጊ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን እያ። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነዛ መግለጺት እዚኣ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ህይወትና ኽንስዕቦ ዝሃበና መምርሒ ንምምልካት ይጥቀሙላ እዮም። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 7:12፣ ሉቃስ 6:31

 ወርቃዊት ሕጊ እንታይ ማለት እያ፧

 ወርቃዊት ሕጊ፡ ከምቲ ሰባት ንዓና ኺገብሩልና እንደልዮ፡ ንሕና እውን ንሰባት ከምኡ ኽንገብረሎም ተተባብዓና እያ። ንኣብነት፡ መብዛሕትና ኻልኦት ኬኽብሩና፡ ኪልውሁልና፡ ኬፍቅሩና ንደሊ ኢና። ስለዚ እምብኣር፡ ንሕና እውን ‘ከምኡ ኽንገብረሎም’ ኣሎና።—ሉቃስ 6:31

 ወርቃዊት ሕጊ ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

 ወርቃዊት ሕጊ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዅነታት ትዓዪ እያ። ንኣብነት . . .

 ወርቃዊት ሕጊ ነቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ኣብ ዚፍለጥ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓሳባት እውን ተንጸባርቕ እያ። እዚ፡ “ኦሪትን [እተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ መጻሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ] ነብያትን [መጻሓፍቲ ነብያት]” እዩ ዜመልክት። (ማቴዎስ 7:12ትርጉም 1956) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ወርቃዊት ሕጊ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚርከብ፡ ‘ንብጻይካ ኣፍቅሮ’ ዚብል መሰረታዊ ሓቂ ዚሓቍፍ እዩ።—ሮሜ 13:8-10

 ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ‘ግበረለይ ክገብረልካ’ ዘተኰረት ድያ፧

 ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ምሃብ እያ እተተኵር። የሱስ ብዛዕባ እዛ ሕጊ እዚኣ ኺጠቅስ ከሎ፡ ነቲ ንሰባት ብሓፈሻ ኽንገብረሎም ዘሎና ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ንጸላእትና ኽንገብረሎም ዘሎና ነገር እውን እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ሉቃስ 6:27-31, 35) እወ፡ ወርቃዊት ሕጊ ንዅሎም ሰባት ጽቡቕ ነገር ክንገብር እያ እተተባብዕ።

 ንወርቃዊት ሕጊ ብኸመይ ክትትግብራ ትኽእል፧

  1.  1. ኣስተብሃሊ ኹን። ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ኣስተብህለሎም። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣስቤዛ ምስካም ከቢድዎ ትርኢ ትኸውን፡ ወይ ጐረቤትካ ሓሚሙ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ትሰምዕ ትኸውን፡ ወይ ከኣ መሳርሕትኻ ጕህዩ ትርኢ ትኸውን። ‘ንጥቕሚ ኻልኦት ትጥምት’ እንተ ዄንካ፡ ዜተባብዕ ቃላት ከተውስእ ወይ ብተግባር ኽትሕግዝ ክትድረኽ ኢኻ።—ፊልጲ 2:4

  2.  2. ደንጋጺ ኹን። ንርእስኻ ኣብ ቦታ ኻልኦት ጌርካ ሕሰብ። ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ዜጋጥመካ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ (ሮሜ 12:15) ንስምዒት ካልኦት ትርድኣሎም እንተ ዄንካ፡ ክትሕግዞም ክትድረኽ ኢኻ።

  3.  3. ተዓጻጻፊ ኹን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተፈልየ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ከመይሲ፡ እቲ ኻልኦት ኪግበረሎም ዚደልይዎ ነገር፡ ምስቲ ንስኻ ኪግበረልካ እትደልዮ ነገር፡ ሕደ ከይከውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ካብቲ ነቲ ሰብ ክትገብረሉ እትኽእል ነገራት፡ ነቲ ዝያዳ ዜሐጕሶ ነገር ሕረ።—1 ቈረንቶስ 10:24