ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ዳንኤል ኣብ ከባቢ ሻውዓይን ሻድሻይን ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ብሉጽ ኣይሁዳዊ ነብዪ እዩ። ኣምላኽ ንዳንኤል፡ ሕልምታት ኪትርጕምን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ፍጻመታት ራእይ ኪርእን ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኪጽሕፍን ክእለት ሂብዎ እዩ።—ዳንኤል 1:17፣ 2:19

ዳንኤል እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

 ዳንኤል ኣብታ ንኸተማ የሩሳሌምን ቤተ መቕደስ ኣይሁድን እተጠቓልል ግዝኣት ይሁዳ እዩ ዓብዩ። ብ617 ቅ.ክ. ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ብምሓዝ፡ ‘ንኣውራታት እታ ምድሪ’ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። (2 ነገስት 24:15፣ ዳንኤል 1:1) ኣብቲ እዋን እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳንኤል እውን ምስኦም ተወስደ።

 ዳንኤልን ካልኦት መንእሰያትን፡ እንተላይ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ናብ ኣገልግሎት ንጉስ ዜእትዎም ስልጠና ንኺረኽቡ ናብ ቤተ መንግስቲ ተወስዱ። ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ኣብ እምነቶም ኪለማለሙ ጸቕጢ እኳ እንተ ተገብረሎም፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ኰይኖም እዮም። (ዳንኤል 1:3-8) ዳንኤልን ኣዕሩኽቱን ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምስልጣኖም፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ‘ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘሎ ግዝኣቱ ዚርከቡ ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ዓሰርተ ሳዕ በሊጾም ስለ ዝረኸቦም’ ንኣዶም። ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኼገልግሉ ኸኣ መዘዞም።—ዳንኤል 1:18-20

 ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ፡ ዳንኤል ኣብ 90 ዓመት ዕድሜኡ ኣቢሉ ይኸውን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኪቐርብ ተጸዊዑ። ሽዑ ኣብ ባቢሎን ዚገዝእ ዝነበረ ቤልሻጽር ዝስሙ ንጉስ፡ ትርጉም እታ ምስጢራዊት ኢድ ኣብ መንደቕ ዝጸሓፈቶ ኽነግሮ ሓተቶ። ዳንኤል ብሓገዝ መለኮታዊ መምርሒ፡ ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ክትወድቕ ምዃና ገለጸ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ባቢሎን ወደቐት።—ዳንኤል 5:1, 13-31

 ዳንኤል፡ ባቢሎን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኰይኑ ተሾመ፡ ንጉስ ዳርዮስ እውን ተወሳኺ ሓላፍነት ኪህቦ ሓሰበ። (ዳንኤል 6:1-3) ቀናኣት ሰበ ስልጣን ንዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ብምድርባይ ኪቐትልዎ ውዲት ኣኳ እንተ ገበሩ፡ የሆዋ ኣድሒንዎ እዩ። (ዳንኤል 6:4-23) ዳንኤል ኣብ ከባቢ መወዳእታ ህይወቱ ሓደ መልኣኽ ተራእዮ፡ “ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ብምባል ድማ ክልተ ሳዕ ኣጸናንዖ።—ዳንኤል 10:11, 19

 ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብታ ዳንኤል—ምሉእ ህይወቱ ብእምነት ተመላሊሱ ዘርእስታ ኽልተ ኽፋል ዝሓዘት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማ ርአ።