ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳይኖሰራት እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳይኖሰራት እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳይኖሰራት ብቐጥታ እተጻሕፈ የልቦን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ንዅሉ” ኸም ዝፈጠሮ ይገልጽ እዩ፣ ስለዚ፡ ንዳይኖሰራት እውን ንሱ እዩ ፈጢርዎም። a (ራእይ 4:11) መጽሓፍ ቅዱስ ንዳይኖሰራት ብስም እኳ እንተ ዘይጠቐሶም፡ ንዓታቶም እውን ኬጠቓልል ዚኽእል ጕጅለ ፍጡራት ጠቒሱ ኣሎ፦

ዳይኖሰራት ካብ ካልእ እንስሳታት ብመስርሕ ፍልቀት ዝማዕበሉ ድዮም፧

 እቲ እተረኽበ ኣሰረ ህይወት፡ ዳይኖሰራት ብመስርሕ ፍልቀት በብደረጃኡ ኸም ዝማዕበሉ ዘይኰነስ፡ ኣብ ከባቢ ሓደ እዋን ህልውናኦም ከም ዝጀመረ ዚሕብር እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ኣምላኽ ንዅሎም እንስሳታት ከም ዝፈጠረ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 146:6፡ ኣምላኽ “ሰማይን ምድርን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ” ምዃኑ ትገልጽ እያ።

ዳይኖሰራት መዓስ እዮም ነይሮም፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንስሳታት ባሕርን እንስሳታትን ምድርን ኣብ ሓምሸይትን ሻድሸይትን መዓልትታት ወይ መዋእላት ፍጥረት ከም እተፈጥሩ ይገልጽ እዩ። b (ዘፍጥረት 1:20-25, 31) ስለዚ፡ ዳይኖሰራት ንነዊሕ እዋን ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይእምት እዩ።

ብሄሞትን ሌዋታን ዳይኖሰራት ድዮም፧

 ኣይኰኑን። መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ኣየኖት እንስሳታት ከም ዝገልጽ ብልክዕ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሄሞት ንጉማረ፡ ሌዋታን ድማ ንሓርገጽ ከም ዜመልክት እዩ ዚሕሰብ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባኦም እተዋህበ መግለጺ፡ ምስ ባህርያት ጉማረን ሓርገጽን ይመሳሳል እዩ። (እዮብ 40:15-23፣ 41:1, 14-17, 31) ዝዀነ ዀይኑ፡ “ብሄሞት”ን “ሌዋታን”ን ዳይኖሰራት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንእዮብ ነዞም እንስሳታት እዚኦም ኪዕዘቦም ነጊርዎ ነይሩ እዩ፡ ብግዜ እዮብ ከኣ ዳይኖሰራት ካብ ዚጸንቱ ነዊሕ ገይሮም ነይሮም እዮም።—እዮብ 40:16፣ 41:8

ዳይኖሰራት ስለምንታይ እዮም ጸኒቶም፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ዳይኖሰር ስለምንታይ ከም ዝጸነቱ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ነገራት እተፈጥረ ‘ስለ ፍቓድ ኣምላኽ’ ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዳይኖሰራት ዝፈጠረሉ ዕላማ ነይርዎ እዩ። (ራእይ 4:11) እቲ ዕላማ እቲ ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ኪጸንቱ ፈቒዱ እዩ።

a ኣሰረ ህይወት፡ ዳይኖሰራት ከም ዝነበሩ የረጋግጽ እዩ። እቲ እተረኽበ ኣሰረ ህይወቶም፡ ብዙሕ ዝዓይነቶምን እተፈላለየ መልክዕን ግዝፍን ከም ዝነበሮም ዜርኢ እዩ።

b ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “መዓልቲ” እትብል ቃል ንኣሽሓት ዓመታት ከተመልክት ትኽእል እያ።—ዘፍጥረት 1:31፣ 2:1-4፣ እብራውያን 4:4, 11