ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ እየን፧

ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ እየን፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ኣምላኽ ንጥንታዊ ህዝቢ እስራኤል ዝሃበን ሕግታት እየን። እዘን ሕግታት እዚአን፡ “ዓሰርተ ቓላት” ተባሂለን እውን ይፍለጣ እየን፣ እዚ ስያመ እዚ ኸኣ ኻብቲ ብእብራይስጢ ዓሰርት ሃደቫሪም ዚብል ቃላት፡ ቃል ብቓሉ ተተርጒሙ እተወስደ እዩ። እዚ ስያመ እዚ ኣብ ኦሪት ወይ ጰንጠጤቝ (ቶራህ)፡ ማለት ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ይርከብ። (ዘጸኣት 34:28፣ ዘዳግም 4:13፣ 10:4) ካብቲ ብግሪኽኛ ተመሳሳሊ ዝዀነ ስያመ፡ ደካ (ዓሰርተ) ሎጎስ (ቃላት)፡ ደካሎግ ዚብል መጸውዒ ተፈጢሩ።

 ኣምላኽ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ እዩ ጽሒፍወን፣ ድሕሪኡ፡ ንነብዪኡ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ሂብዎ። (ዘጸኣት 24:12-18) እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ዘጸኣት 20:1-17ዘዳግም 5:6-21ን ተዘርዚረን ኣለዋ።

 ዝርዝር እተን ዓሰርተ ትእዛዛት

  1.   ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኣምልኽ።—ዘጸኣት 20:3

  2.   ጣኦት ኣይተምልኽ።—ዘጸኣት 20:4-6

  3.   ስም ኣምላኽ ብኸንቱ ኣይተልዕል።—ዘጸኣት 20:7

  4.   ሰንበት ሓሉ።—ዘጸኣት 20:8-11

  5.   ወለድኻ ኣኽብር።—ዘጸኣት 20:12

  6.   ኣይትቕተል።—ዘጸኣት 20:13

  7.   ኣይትዘሙ።—ዘጸኣት 20:14

  8.   ኣይትስረቕ።—ዘጸኣት 20:15

  9.   ብሓሶት ኣይትመስክር።—ዘጸኣት 20:16

  10.   ኣይትተምነ።—ዘጸኣት 20:17

 ዝርዝር እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዚፈላለ ስለምንታይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ትእዛዛት ነናተን ቍጽሪ ኣይህበንን እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣሰራርዓ እተን ትእዛዛት በበይኑ ርእይቶታት እዩ ዘሎ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝርዝር፡ ዝውቱር ኣሰራርዓ እዘን ሕግታት እዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ነዘን ዓሰርተ ትእዛዛት ብኻልእ መገዲ ይሰርዕወን እዮም። እቲ ፍልልያት ነታ ቐዳመይትን ነታ ኻልአይትን ነታ ናይ መወዳእታን ትእዛዛት እዩ ዚጸልወን። a

 ዕላማ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት እንታይ እዩ ነይሩ፧

 እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ክፍሊ ሕጊ ሙሴ እየን ነይረን። እቲ ሕጊ እቲ ኸኣ ልዕሊ 600 ትእዛዛት ዝሓዘ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ጥንታዊ ህዝቢ እስራኤልን ንእተኣትወ ቓላት ውዕል ወይ ኪዳን ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 34:27) ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል፡ ንሕጊ ሙሴ እንተ ሓልዮምዎ፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም ኣተስፍይዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 28:1-14) ቀንዲ ዕላማ ሕጊ ሙሴ ግና፡ እስራኤላውያን ነቲ እተተስፈወ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ንምቕባል ተዳልዮም ምእንቲ ኺጸንሕዎ እዩ ነይሩ።—ገላትያ 3:24

 ክርስትያናት ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኪሕልውወን ግዴታ ኣለዎም ድዩ፧

 ኣይፋልን። ኣምላኽ ንሕጊ ሙሴ፡ እንተላይ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ፈልዩ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል እዩ ሂብዎም። (ዘዳግም 5:2, 3፣ መዝሙር 147:19, 20) ሕጊ ሙሴ ኸኣ ንክርስትያናት ቀያዲኦም ኣይኰነን፣ ኣይሁድ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ‘ካብቲ ሕጊ ተፈቲሖም እዮም።’ (ሮሜ 7:6) b ሕጊ ሙሴ በቲ የሱስ ንሰዓብቱ ኺገብርዎ ዝመሃሮም ኵሉ ዜጠቓልል “ሕጊ ክርስቶስ” ተተኪኡ እዩ።—ገላትያ 6:2፣ ማቴዎስ 28:19, 20

 እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ሎሚ ይጠቕማና ድየን፧

 እወ። እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ስለ ዚገልጻ፡ ብዛዕባአን መጽናዕቲ ብምግባር ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) እተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ግዜ ኣብ ዘይሓልፎ ዜተኣማመን መሰረታዊ ስርዓታት እተመስረታ እየን። (መዝሙር 111:7, 8) ሓያሎ ኻብዚ ስርዓታት እዚ ድማ፡ ንትምህርትታት እቲ ነቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ ክፋል መሰረት ኰይንዎ እዩ።—“ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እተንጸባረቐ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እተወስደ መሰረታዊ ስርዓታት” ርአ።

 የሱስ ብዘሎ ሕጊ ሙሴ፡ እንተላይ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ትእዛዛት ከም ዚምርኰስ ኪምህር ከሎ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’ ብምሉኡ ሕግን ነብያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚአን ተመስሪቱ ኣሎ።” (ማቴዎስ 22:34-40) ስለዚ፡ ክርስትያናት ንሕጊ ሙሴ ኺሕልውዎ ትጽቢት ዘይግበረሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ኬፍቅሩ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ።—ዮሃንስ 13:34፣ 1 ዮሃንስ 4:20, 21

  ኣብ ሓድሽ ኪዳን እተንጸባረቐ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እተወስደ መሰረታዊ ስርዓታት

መሰረታዊ ስርዓት

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዚርከብ መወከሲ

ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኣምልኽ

ራእይ 22:8, 9

ጣኦት ኣይተምልኽ

1 ቈረንቶስ 10:14

ስም ኣምላኽ ኣኽብር

ማቴዎስ 6:9

ንኣምላኽ ብስሩዕ ኣምልኮ

እብራውያን 10:24, 25

ወለድኻ ኣኽብር

ኤፌሶን 6:1, 2

ኣይትቕተል

1 ዮሃንስ 3:15

ኣይትዘሙ

እብራውያን 13:4

ኣይትስረቕ

ኤፌሶን 4:28

ብሓሶት ኣይትመስክር

ኤፌሶን 4:25

ኣይትተምነ

ሉቃስ 12:15

a ብመሰረት ኣሰራርዓ ልምዲ ኣይሁድ “ዘጸ[ኣት] 20. 2 ቐዳመይቲ ‘ቓል’ ትኸውን፡ ፍቕዲ 3-6 ድማ ብሓደ ተጠርኒፈን ኻልአይቲ ይዀና።” (ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ካቶሊክ ንዘጸኣት ምዕራፍ 20ፍቕዲ 1-6፡ ከም ሓንቲ ትእዛዝ ይቘጽርዋ። ስለዚ፡ ንስም ኣምላኽ ኸይተሕስር እትብል ትእዛዝ ካልአይቲ ትእዛዝ ትኸውን። ቍጽሪ እተን ትእዛዛት ንምዕቃብ ከኣ፡ ነታ ሰበይቲ ብጻይካን ጥሪቱን ኣይትተምነ እትብል ናይ መወዳእታ ትእዛዝ፡ ኣብ ክልተ ሕግታት ይመቕልወን።

b ሮሜ 7:7 ነታ ዓስረይቲ ትእዛዝ ከም ሓደ ኣብነት “እቲ ሕጊ” ገይራ ተጠቒማትላ ኣላ። እዚ ድማ፡ ሕጊ ሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዜጠቓልል ምንባሩ መርትዖ ይኸውን።