ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ጐሓፍ እተረኽበ ጥንታዊ ዕንቊ

እቲ ኽፋል ወንጌል ዮሃንስ ዝሓዘ ቝራጽ ራይላንድስ፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽበ ቝርጽራጻት ናይ ክርስትያን ግሪኽኛ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኢደ ጽሑፍ እዩ።

ሓንቲ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ”

ብ1970 ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ ዔን ገዲ፡ እስራኤል ብሓዊ ዝነደደት ጥቕልልቲ ብራና ረኸቡ። ሳላ 3-D ስካኒንግ ዚብሃል ተክኒክ፡ እታ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ” እያ። እሞኸ እቲ ትሕዝቶ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምምሽማሽ ኣይጠፍአን

ጸሓፍትን ቀዳሕትን መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምዝጋብ ጳጲሮስን ብራናን ተጠቕሙ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጥንታዊ ጽሑፋት ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቦም ኪጸንሑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧