ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ

“ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተዕምቝ እትኽእል ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ቦታታትን ከተማታትን ዓድታትን ዝሓዘ እዩ። በዚ ኣትላስ እዚ እንተ ተጠቒምካ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ ንባብን መጽናዕትን ህያው ኪዀነልካ እዩ። “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ቦታታት ብኣእምሮኻ ኽትስእሎን ኣበይ ከም ዚርከብ ክትፈልጥን ክትሕግዘካ እያ። ኣቀማምጣ መሬት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ኽትርዳእ እውን ክትሕግዘካ እያ።

ኣብ “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እተፈላለየ ቦታታት ዚገልጽ ሕብራዊ ካርታታትን ሰሌዳታትን ኣሎ። ኣብዛ ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ንብሕታዊ መጽናዕትኻ ባህ ከም ዜብል ኪገብሮ ዚኽእል ስእላዊ መግለጽን ብኮምፕዩተር እተሳእለ ስእልታትን ካልእ እተፈላለየ ነገራትን ኣሎ።

ኣብዛ ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡

  • ጕዕዞታት ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ክትረክብ ትኽእል

  • እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ናብ ምድሪ ተስፋ እተጓዕዝዎ ጕዕዞ ኽትርኢ ትኽእል

  • እስራኤላውያንን ጸላእቶም ኣህዛብን ዝነበሩሉ ዓድታት ከተነጻጽር ትኽእል

  • የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ እተጓዕዞ ቦታታት ክትርኢ ትኽእል

  • ስፍሓት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ሃጸያዊ ግዝኣታት፡ እንተላይ ባቢሎንን ግሪኽን ሮሜን ክትግንዘብ ትኽእል

ነዛ ናጻ ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።